ብሳላ ኮሮናቫይረስ ካብ ኤስያ ዝሃብተመ ሰብ ክኸውን ዝኸኣለ ዞንግ ሻንሻን

ምንጪ ስእሊ, VCG
ዞንግ ሻንሻን፡ ሳላ ኣብ ምምስራሕ ክታበትን ዕሹግ ማይን ዝገበሮ ወፍሪ ንቻይናዊ ጃክ ማን ንህንዳዊ ሙከሺ ኣንባኒን በሊጹ ካብ ኣህጉር ኤስያ ዝሃብተመ ሰብ ክኸውን ክኢሉ።
ዞንግ ሻንሻን ኣብዚ ዓመት እዚ ሃብቱ ብ7 ቢልዮን ዶላር እዩ ወሲኹ። ሃብቲ ዞንግ፡ ካብ 70.9 ቢልዮን ዶላር ናብ 77.8 ቢልዮን ዶላር እዩ ክብ ኢሉ።
ካብ ብሉምብርግ ናይ ቢልዮነራት መስርዕ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ኸኣ 77.8 ቢልዮን ዶላር ብምውናን ኣብ ዓለም መበል 11 ዝሃብተመ ሰብ ኮይኑ'ሎ።
እዚ ብ'ሎን ዎልፍ' ዝብል ሳጓ ዝጽዋዕ ቢልዮነር መጀመርታ ጋዜጤኛ፡ ድሒሩ ኣብ ሕርሻ ቃንጥሻን ማእከላት ጥዕናን ዝኣመሰሉ ስራሓት እዩ ዝሰርሕ ነይሩ።
ዞንግ ሻንሻን ኣብ በይጂንግ ዋንታይ ኣብ ዝተሰመየ ክታበት ዘፍሪ ትካል ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ብርኪ ገዚኡ።
ድሕሪ ሰልስተ ኣዋርሕ ኸኣ ኖንግፉ ስፕሪንግ ኣብ ዝተብሃለ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝርከብ ማይ ብምጽራይ ዓሺጉ ዝሸይጥ ትካል ገዚፍ ብርኪ ዓዲጉ።
ካብዚ ብዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊታት፡ ነቲ ካብ ቻይናን ኤስያን ዝሃብተመ ሰብ ዝነበረ ጃክ ማ በሊጹ ብሃብቲ ጸብለል ክብሎ ክኢሉ።
ማይ ኣጽርዩ ዓሽጉ ዝሸይጥ ኖንግፉ ስፕሪንግ ኣብ ሆንግ ኮንግ ኣዝዩ ግኑን ስም ስለዝሓዘ ዋጋ ብርኩ ብ155 ሚእታዊት ወሲኹ፡ ሃብቲ ናይ ዞንግ ሻንሻን ከኣ ማዕሪኡ ወሰኽ ከርኢ ክኢሉ።
እቲ ኣብ ቻይና ዝርከብ ክታበት ዘፍሪ ዋንታይ ዝተሰምየ ትካል'ውን ዋጋ ሓደ ብርኪ ብ2000 ሚእታዊት ወሰኽ ብምርኣይ ሓደ ካብ ተጠመትቲ ክታበት ዘፍርያ ትካላት ዓለም ክኸውን ክኢሉ።
በዚ ተሓጊዙ ዞንግ ሻንሻን ካብ ኤስያ እቲ ዝሃብተመ ሰብ ክኸውን ክኢሉ'ሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ታሪኽ እቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ዝበዝሐ ሃብቲ ዘኻዕብት ዝኸኣለ ክኸውን ከምዝኸኣለ ብሉምበርግ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ዘለዎ ይውሰኾ . . .
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ ዘይብሉ እዩ ድሂኽዎ'ምበር ንኸም መስራቲ ኣማዞን ጀፍ ቤዞስ'ሲ መኻዕበቲ ሽሻዮም'ዩ ኮይኑ።
ህንዳዊ ቢልዮነር ሙከሺ ኣምባኒ ኣብ ውሽጢ እዚ ሓደ ዓመት ሃብቱ ካብ 18.3 ቢልዮን ዶላር ናብ 76.9 ቢልዮን ዶላር ክብ ኢሉ።
ንሱ ንኹለን ትካላቱ 'ብኦንላይን' ከምዝሰርሓ ብምግባሩ እዩ ክንድዚ ሃብቲ ከኻዕብት ክኢሉ።
እንተኾነ እቲ ምድላብ ሃብቲ ኣብ ኩሎም ቢልዮነራት ኣይነበረን፡ ቻይናዊ ቢልነር ጃክ ማ ሓደ ካብቶም ሃብቶም ኣብዚ ዓመት ዘንቆልቖለ ቢልዮነራት እዩ።
ጃክ ማ ሃብቱ ካብ 61.7 ቢልዮን ዶላር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ 51.2 ቢልዮን ዶላር ጎዲሉ። እቲ ወናኒ ትካል ዓሊባባ ዝኾነ ጃክ ማ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምንቁልቋል ሃብቱ ካብ መንግስቲ ቻይና ዓቐኑ ዝሓለፎ ምቁጽጻር ይግበረሉ ስለዘሎ ተባሂሉ እዩ ዝእመን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







