ኮሮናቫይረስ: ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብያተ መግቢ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብናይ ሻሂ ኩባያ ከይሸጣ ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተር ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብያተ መግቢ፡ ኣልኮላዊ መስተ ብናይ ሻሂ ኩባያ ካብ ምሻጥ ክቑጠባ ኣጠንቂቑ።
እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝበለ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ተሪር ዕጽዋ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ትካላት ዝተፈላለየ ብልሓት ይጥቀማ ምህላወን ብምግላጽ እዩ።
ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎዛ ብሰኑይ ነቲ ዕጽዋ ኣብ ዝኣወጀሉ፡ ብመስተ ዝሰዓበ "ግዲ ዘይብሉ ባህርያት" ነቲ ምልባዕ ከም ዘነሃሃሮ ገሊጹ።
እቲ ብቕልጡፍ ዝላባዕ፡ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክርከብ እንከሎ፡ ኣብታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ ምህላው እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።
ከም ኣካል ናይቲ ነቲ ለበዳ ንምግታእ ዝተወሰደ ስጉምቲ፡ ንቀብሪ እንተዘይኮይኑ ኩሉ ምትእኽኻባት ተኸልኪሉ፡ ምሸት ካብ ሰዓት 9፡00 ክሳብ ንጉሆ 6፡00 ምንቅስቓሳት ተኣጊዱ፡ ኩሉ ድኳናት፡ ባራትን ካልእን ትካላት ምሸት ሰዓት 8፡00 ክዕጾ እዩ።
እቲ እገዳ ተግባራዊ ድሕሪ ምዃኑ ብሰሉስ መግለጺ ዝሃበ ሚኒስተር ፖሊስ ቤኪ ሴለ፡ ነቲ መምርሒ ዝጠሓሳ ኣብያተ መግቢ፡ ፍቓደን ክሕደጋን እቶም ወነንተን ድማ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ምዃኖም ሓቢሩ።
"ኣልኮል ብናይ ሻሂ ኩባያታት ኣይትቐርቡ፤ ሽጣራኹም ንፈልጦ ኢና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንሱ ወሲኹ፡ "ኣብ ናይ ሻሂ ኩባያ ፍልይ ዝበለ ነገር እንተረኺብና፡ እሞ ድማ ሻሂ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ንግዲ ፍቓድኹም ኣይክትረኽብዎን ኢኹም" ኢሉ።
ነቲ ኣብ እዋን ቀዳማይ ማዕበል ኮቪድ-19፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያን ግንቦትን ዝተነበረ ጽኑዕ ዕጽዋ ንምስጋር፡ ገለ ኣብያተ ብልዒ ኣልኮላዊ መስተ ብናይ ሻሂ ኩባያን ካልእን ብምጥቃም ይሸጣ ምንባረን ይግለጽ።
እቲ ብሰኑይ ዝተኣወጀ ክልከላ መሸጣ ኣልኮል፡ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ዝዘልቕ ኮይኑ፡ ትግባሪኡ ብፖሊስን ብሰራዊትን ክትትል ክግበረሉ እዩ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብሰንበት ካብ 1 ሚልዮን ብምሕላፉ፡ ነቲ ቁጽሪ ዘመዝገበት እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና ኣላ።
ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 27,000 በጺሑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ፡ 11,700 ሓድሽ መልከፍቲ ዝተመዝገበ ኮይኑ፡ እዚ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ክወዳደር እንከሎ፡ ናይ 39% ወሰኽ ኣለዎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







