ኮሮናቫይረስ፡ ጸረ ኮቪድ 19 ዝተኸተቡ ኢትዮጵያውያን ሓካይም ብዛዕባ እቲ ክታበት እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, Dr. FITSUM T. HAILEMARIAM
ናይ ኣመሪካ ኣፍረዩ መድሃኒት ዝኾነ ትካል ፋይዘርን ናይ ጀርመን ትካል ባዩኤንተክ ብሓባር ኮይኖም ዝሰርሕዎ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣመሪካ ክውሃብ ካብ ዝጅመር ድሮ ክልተ ሰሙን ኣሕሊፉ ኣሎ።
እቲ ክታበት ንሰብ ሞያ ሕክምናን ተኣፋፊ ኩነታት ጥዕና ዘለዎም ብዕድመ ዝደፍኡን'ዩ ብቐዳምነት ዝውሃብ ዘሎ።
ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ሰብ ሞያ ጥዕና ኢትዮጵያውያን'ውን እቲ ክታበት ዝተውሃቦም ኣለዉ።

ዶክተር ፍጹም ሃይለማርያም፡ ኣብ ፍላደልፍያ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ቶማስ ጀፈርሰን ናይ ሕማም ኩላሊት ስፐሻሊስት ኮይኑ ሓደ ካብቶም ዝተኸትቡ ሰብ ሞያ ጥዕና እዩ።
"እቲ ክታብት ካብ መጀመርታ ዝሓለፎ መስርሓት ይከታተሎ ነይረ'የ፡ ድሕነቱ ዝተሓለወን ውጽኢታዊ ምዃኑን ኣፍልጦ ስለዝነበረኒ ኸኣ ንክኽተብ ነግ ፈረግ ኣይበልኩን" ይብል።
እቲ ካልእ ተኸቲቡ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ብዓል ሞያ ጥዕና ኸኣ ደራራ ዲዳ ይብሃል።
ደራራ ዲዳ ኣብ ካሊፎርንያ ከተማ ሳን ሆስ ፓልምትሪ ኣብ ዝብሃል ከም ነርስ እዩ ዝሰርሕ።
"እዚ ክታበት ስለዝተረኸበ ኣዚና ኢና ተሓጉስና፡ ብፍላይ እዞም ምስ ሕሙማት ምቅርራብ ዘለና እቲ ሕማም ክሕዘና ይክእል እዩ ዝብል ከቢድ ፍርሕን ሻቕሎትን ነይርና እዩ፡ ሕጂ ግን ኩሉ ሰብ ሞያ ጥዕና በቲ ክታበት ሕጉስ እዩ ዘሎ" ብምባል እቲ ክታበት ምርካቡን ምጅማሩን ዝተሰመዖ ሓጎስ ይገልጽ።
ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ነይሮም ዝሓወዩኸ ክኽተቡ ኣለዎም ድዩ?
ሓደ ሓደ በቲ ሕማም ተለኺፎም ነይሮም ዝሓወዩ፡ ነቲ ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ኣጥሪና ኢና ብምባል ጥንቓቐታት ከጉድሉ ይርኣዩ እዮም።
እቲ ክታበት ከምዘየድልዮም ዝዛረቡ'ውን ኣይተሳኣኑን።
ዶክተር ፍጹም ሰለስተ ግዜ መርመራ ኮሮናቫይረስ ገይሩ ነይሩ፡ ኣብ ሰለስቲኡ ኸኣ ብኮሮናቫይረስ ከምዘይተለኸፈ ዝሕብር ውጽኢት እዩ ረኺቡ።
"ምባልባት ኣብቲ ዘይተመርመርክሉ እዋን ሒዝኒ ነይሩ ይኸውን" ድማ ይብል።
ዶክተር ፍጹም ምናልባት እቶም ሓሚሞም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ሰባት እቲ ክታበት ንግዙኡ ዘይክውሃቦም ይኽእል እዩ ድሕሪ ምባል፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ሓሚሞም ነይሮም ዝሓወዩ ግን ነቲ ክታበት ክወስድዎ ኣለዎም ይብል።
"ሓደ ሓደ ዝተገበረ መጽናዕትታት ከምዘርእዮ፡ ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ነይሮም ዝሓወዩ፡ እቲ ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ምስ ግዜ ምጉዳል ከምዘርኢ እዩ፡ ሓወዮም ካልኣይ ግዜ ዝተለኸፉ ሰባት'ውን ኣለዉ፡ ስለዚ እቲ ኽታበት ክወስድዎ ኣለዎም"
ኣወሃህባ እታ ክታበት እንታይ'ዩ ዝመስል?
ኣብ ሕክምና ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ነቲ ሕማም ዘለዎም ተቓላዕነት ኣብ ግምት ኣትዩ'ዩ እቲ ክታበት ዝውሃቦም ዘሎ።
ብፍላይ ከኣ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሑሙማት ዝሰርሑ ቀዳምንት ከምዝውሃቦም ዶክተር ፍጹም ይሕብር።
ሓደ ውልቀ ሰብ እቲ ክታበት ቅድሚ ምውሳዱ ከማልኦም ዘለዎም 10 ዝኾነ ቅድመ ኩነት ከምዘለዉ ከኣ ይሕብር።
ናይ መድሃኒት ኣላርጂ ዘለዎም፡ ነብሰ ጾራት፡ ዝኾነ ምልክት ሕማም ዘለዎም፡ ከምኡ'ውን ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሱ እቲ ክታበት ክወስድዎ ኣይክእሉን እዮም።
እቲ ክታበት ዝተውገአ ሰብ ን15 ደቓይቕ ኣብቲ ዝተኸተበሉ ቦታ ክጸንሕ ኣለዎ፡ እዚ ዝገበረሉ ምኽንረያት ኸኣ ምናልባት ኣካላት ናይቲ ውልቀ ሰብ ነቲ ክታበት ዝተፈለየ ግብረ መልሲ እንተርእዩ ንምክትታል ተባሂሉ እዩ።
ዶክተር ፍጹም ነቲ ክታበት ምስ ወሰደ ዝኾነ ዓይነት ጸገም ስለየጋጠሞ ብቐጥታ ናብ ስርሑ ከምዘምረሐ እዩ ዝሕብር።
ዶክተር ፍጹም ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ካልእ ዓይነት ክታበታት ዝኾነ ዝፈልዮ ነገር ከምዘየለ ብምሕባር "እቲ ክታበት ብመርፍእ ዝውሰድ ኮይኑ ኣብ ቀልጽምካ እዩ ዝውሃብ፡ ሓንሳብ ምስ ተወጋእካ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከኣ ካልኣይቲ መርፍእ ትውጋእ ብድሕሪ እዚ እዩ ውጽኢታዊ ዝኸውን" ድማ ይብል።
ነርስ ደራራ'ውን እቲ ክታበት ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ስምዒታት ከምዘየኸተለሉ እዩ ዝሕብር።
"ምስ ተኸተብኩ ድሕሪ 30 ደቓይቕ'የ ናብ ሰራሕ ከይደ" ይብል።
ብመስዓብ "እቲ ክታበት በቲ ሕማም ናይ ምጥቓዕ ተኽእሎይ ብ95 ሚእታዊት እዩ ከጉድሎ፡ ስለዚ 60 ክሳብ 70 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ክሳብ ዝኽተብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክንገብርን ካልእ ሜላታት መከላኸሊ ክንክተልን ግዴታ ኣለና" ኢሉ።
ኣብ ልዕሊ እቲ ክታበት ዛለዎም እምነት
ብዛዕባ እዚ ክታበት ጌጋ ዝኾነ ኣረኣእያ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ እቲ ዓመታት ክወስድ ይኽእል እዩ ዝተብሃለ ክታበት ኣብ ሓጺር ግዜ ስለዝተረኸበ ሰባት ብዛዕባ'ቲ ክታበት ዘለዎም ኣረኣእያ ንክጎድል ካብ ዝገበርዎ ሮቋሒታት ሓደ እዩ።
ነዚ ከምዚ ዓይነት እምነታት ንምጉዳል መራሕቲ ሃገራት ብቐጥታ ኣብ ቴሌቪዥን ክኽተቡ እንከለዉ ይርኣዩ'ዮም።
ሓደ ካብቶም እናተኸተቡ ኣብ ቴሌቪዥን ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ምክትል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ማይክ ፔንስን እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ኣብዚ ንሕና ንነብሮ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባና እዚ ለበዳ ጌጋ ዝኾነ ነጥብታት ክዛረብ ጸኒሑ እዩ፡ ዘረብኡ ከኣ ብደረጃ ዓለም ጌጋ ዝኾነ ኣታሓሳስባ ንኽጥረ ውጽኢት ነይርዎ'ዩ" ዝብል ዶክተር ፍጹም፡ ንሱ ግን ብዓል ሞያ ሕክምና ስለዝኾነ ኣብቲ ምጽናዕቲ ክንደይ ሰብ ሞያ ከምዘተሳተፉ፡ ክንደይ ዝኮኑ ክታበታት ከምዝተረኹን ካብዚኦም ኣየኖም ጽቡቕ ውጽኢት ከምዘመዝገቡን እኹል ኣፍልጦ ስለዝነበሮ ዝኾነ ምጥርጣር ከምዘይነበሮ እዩ ዝሕብር።
እቲ ክታብት ብኸመይ እዩ ኣብ ዝሓጸረ መዓልታት ክርከብ ክኢሉ ንዝብል፡ እቲ ለበዳ ንመላእ ዓለም ኣብ ሓደ ከቢድ ጸገም ስለዝሸመማ፡ ካብዚ ብምብጋስ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሃገራትን ክታበት ክርከብ ኣለዎ ኣብ ዝብል ሓደ ነጥቢ ስለዝዓለባን ደረጃ ናይ ሳይንስ'ውን ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ስለዝርከብ እቲ ክታበት ቀልጢፉ ክርከብ ከምዝኸኣለ ዶክተር ፍጹም ይሕብር።
ዶክተር ፍጹም ብምስዓብ፡ ብዛዕባ ክታበት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝጽሓፍ መሰረት ዘይበሉ ዘረባታት ንብዙሓት ብዛዕባ እቲ ክታበት ንኽጠራጠሩ ይገብሮም ከምዘሎ ይገልጽ።
ናይ ቀረባ ቤተ ሰቡ'ውን ዋላ ድኣ ቀጥታዊ ኣይኹን ብዛዕባ እቲ ክታበት ምጥርጣራት ዘለዎም ከምዘጋጠምዎ ይጠቅስ።
"ልዕሊ እቲ ብሓካይም ዝውሃብ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውሃብ ሓበሬታ ይበዝሕ። እቲ ናይ ሓሶት ሓበሬታት ልዕሊ እቲ ሓቂ ቀዲሙ ናብ ኣእዛን ሰባት ይበጽሕ ስለዘሎ፡ ኣብዚ መዳይ ዓቢ ስራሕ ምስራሕ ከድሊ እዩ" ብምባል "ኣይንኽተብን ኢና" ዝብሉ ከይበዝሑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።
"እቲ ክታበት 'ማይክሮችፕ' ኣለዎ፡ እዚ ኸኣ መንግስታት ንህዝበን ንምክትታልን ንምስልያን ኢለን ዝግበረኦ እዩ ከምኡ'ውን ንብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብ500 ሚልዮን ንምጉዳል ተዓሊሙ እዩ ዝካየድ ዘሎ" ዝብል ዝተጋገየ ሓበሬታ ብብዝሒ ሰባት ክዛረብሉ ከምዝሰመዐ'ውን ይገልጽ።
ካብዚ ብምብጋስ ሰብ ሞያ ጥዕናን መራኸቢ ብዙሃንን ኣብዚ ኣበርቲዐን ክሰርሓ ከምዘለወን ዶክተር ፍጹም ይላቦ።
እዚ ክታበት ዝፈጠሮ ተስፋ
ነርስ ደራራ፡ ሰብ ሞያ ጥዕና ይኽተቡ ብምህላዎም ንጽላት ጥዕና ዓቢ ሩፍታ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሞያ ጥዕና ካብቲ ሕማም ብምፍራሕ ጥሮታ ዝወጽኡን ስራሕ ገዲፎሞ ኣብ ገዛ ኮፍ ዝበሉ ከምዘለዉ ዝገልጽ ነርስ ደራራ ካብዚ ብምብጋስ፡ ሕጽረት ሰብ ሞያ ጥዕና ኣጋጢሙ ምንባሩን እቲ ስራሕ ኣብ ውሑዳት ጸቕጢ ምፍጣሩን የብርህ።
እዚ ክታበት ብምጅማሩ ግን እቶም ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰብ ሞያ ጥዕና ናብ ስረሖም ክምለሱ ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ'ዩ ይብል።
ዶክተር ፍጹም ብወገኑ፡ እዚ ክታበት ኣብ ውልቀሰባት፤ ትካላትን ሃገራትን ዓቢ ተስፋ ዘረኡ ምህላዉ ብምግላጽ ሰብ በዚ ተረኺቡ ዘሎ ተስፋታት ተዘናጊዑ ጥንቓቐታት ከየጉድል ዘለዎ ስክፍታ ይገልጽ።
"ዋላ ድኣ እቲ ክታበት ይረኸብ'ምበር ዝበዝሐ ሰብ ክሳብ ዝኽተብ እቲ እንገብሮ ጥንቓቐታት ከነጉድል የብልናን፡ እቲ ክታበት ተጀሚሩ ኣሎ ብቅልጡፍ ናብቲ ንቡር ይህወት ክንምለስ ኢና ማለት ግን ኣይኮነን"
ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ 78 ሚልዮንን 837 ሽሕን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም ልዕሊ 1 ሚልዮንን 733 ሽሕን ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።
ኣመሪካ 18 ሚልዮንን 466 ሽሕን በዚ ቫይረስ ክልከፍዋ እንከለዉ፡ ልዕሊ 326 ሽሕ ከኣ ሞይቶማ ኣለዉ። በዚ መሰረት ብደረጃ ዓለም እታ ዝበዝሐ መጥን መልከፍትን ሞትን ኣመዝጊባ ዘላ ሃገር ኣመሪካ እያ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







