ኣብ 2028፡ 'ቁጠባ ቻይና ንናይ ኣመሪካ ብምዕብላል' ኣብ ዓለም መሪሕነቱ ክሕዝ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቁጠባ ቻይና፡ ኣብ 2028 ንናይ ኣመሪካ ቁጠባ ብምሕላፍ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቁጠባ ከምዝኸውን ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
እቲ ጸብጻብ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ እዋን ቁጠባ ቻይና ጸብለልታ ኣብ ዓለም ዘርኢ ዘሎ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ተገሚቱ ዝነበረ 5 ዓመት ቀዲሙ ምዃኑ ተገሊጹ።
ምቕማጡ ኣብ ብሪጣንያ ዝኾነ፡ ሴንተር ፎር ቢዝነስ ሪሰርች (CEBR) ዝበሃል ማእከል፡ ቻይና ንኮቪድ 19 ዝኣለየትሉ ውሕሉል መገዲ፡ ኣብ መጻኢ ዓመታት ካብ ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝሐሸ ዕብየት ቁጠባ ክተመዝግብ ከምዘኽእላ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብ 2030 ህንዲ ሳልሳይ ዝዓበየ ቁጠባ ክትውንን እያ ተባሂሉ።
እቲ ማእከል፡ ዓመታዊ ኣብ 26 ወርሒ ሕዳር ውጽኢት መጽናዕቲ ቁጠባ ዕላዊ ይገብር።
እቲ መጽናዕቲ እንታይ እዩ ዝብል?
ለበዳ ኮቪድ 19፡ መጀመርታ ኣብ ቻይና እንተተርአየ'ኳ፡ በቲ ዝተኸተለቶ ውሕሉልን ዕውትን መገዲ ስለዘተቖጻጸረቶ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ከቢድ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ዘስዐበ ዓይነት ኣዋጅ ዕጽዋ ኣይተኸተለትን።
ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ካልኦት ሃገረት ካብ ዝተረአየ ብዝጻረር፡ ቻይና ኣብ 2020 ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ከይረእየት ክትሓልፍ ክኢላ ኣላ።
ሃገራዊ ቑጠባ እታ ሃገር ብክልተ ሚኢታዊ ዕብየት ኣርእዩ ከኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
ካብዚ ብተጻራሪ፡ ቁጠባ ኣመሪካ በዚ ንዓለም ሕማም ርእሲ ዝኾነ ለበዳ ኣዝዩ እዩ ተሃስዩ።
ኣብታ ሃገር ጥራይ፡ ልዕሊ 330 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ህይወቶም እንትስእኑ፡ 18.5 ሚልዮን ሰባት ድማ ተለኺፎም።
እቲ ዝበጽሐ ቁጠባዊ ሃሰያ ብገንዘባዊ ሓገዛትን ገንዘባዊ ምትእትታውን ንምትዕርራይ ይፍተን ኣሎ።
እንተኾነ፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይረምርድዳእ ኣብቲ ገንዘባዊ ሓገዛት፡ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳውያን ኣስታት 14 ሚልዮን ኣመሪካውያን ኣልቦ-ስራሕ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ቁጠባዊ ንሕንሕ ቻይናን ኣመሪካን
ሓድሽ ጸብጻብ እዚ ማእከል፡ ኣብ ንሕንሕ ቁጠባ ክልቲኣን ሃገራት ኣመልኪቱ'ውን ከምዚ ይብል።
"ንዝተወሰነ እዋን፡ ንሕንሕ ቻይናን ኣመሪካን፡ ኣብ ምቁጽጻር ዓለማዊ ቁጠባን 'ሶፍት ፖውርን' ዘድሃበ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ"።
እንተኾነ፡ እቲ መጽናዕቲ ከምዝብሎ እንተኾይኑ፡ እዚ ሓድሽ ዓለማዊ ለበዳን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽአ ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ እቲ ንሕንሕ ንቻይና ዘመችእ ኮይኑ ኣሎ።
እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ'ውን፡ ድሕሪ እዚ ለበዳ፡ ቁጠባ ኣመሪካ ኣብ መጻኢ ዓመተ 2021፡ ጽንኩር ቁጠባዊ ምትዕርራያት ከምዝግበርን፡ ብሓፈሻ ካብ 2022-24 ብ1.9 ሚኢታዊት ክዓቢ ከምዝኽእልን ይእምት።
ብድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ ዓመታት ድማ፡ እቲ ቁጠባዊ ዓመታዊ ዕብየት ናብ 1. 6 ሚኢታዊት ከምዝወርድ የረድእ።
ካብዚ በተጻራሪ፡ ቁጠባ ቻይና ግና፡ ክሳብ 2025 ኣብ ዘለዉ ዓመታት፡ ብ5.7 ሚኢታዊ ዓመታዊ ከምዝዓቢ፡ ካብ 2026- 30 ድማ ብ4.5 ሚኢታዊት ክዓቢ ትጽቢት ይግበረሉ።
ኣብ 2000፡ እጃም ቻይና ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ 3.6 ሚኢታዊት ዝነበረ ኮይኑ፡ ሕዚ ናብ 17 ሚኢታዊት ሓፍ ኢሉ ኣሎ።
ብምዃኑ'ውን እታ ሃገር ኣብ 2023 ልዑል-ዓመታዊ ኣታዊ ካብ ዘለዎን ሃገራት ሓንቲ ክትኮን እያ- ይብል እቲ ጸብጻብ።
ቁጠባ ቻይና፡ ካብ ምቁጽጻር ኮቪድ-19 ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እታ ሃገር ኣብ መፍረዪ ኢንዱስትሪ ኣትኲራ ብምስራሓ ውን ተረቢሑ- ይብል ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ማእከል፡ ዶግላስ ማክዊልያምስ።
ማክዊልያምስ፤ "ኣብ ማእከል፡ እቲ ቁጠባ ኣብ ሓደ ዓንኬል ብእዚ ዝመሓደር እንተኾነ'ኳ፡ ኣብቲ ዝተረፈ ግን ነጻ ዕዳጋ እዮም ዝኽተሉ ዝመስሉ" ኢሉ ንቢቢሲ።
እዚ ኣብ ታሕተዋይ ደረጃታት እቲ ቁጠባ ዝኽተልዎ ፖሊስ ነጻ ዕዳጋ፡ ነቲ ቑጠባ ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ንቕድሚት የሰድሮ ከምዘሎ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ዝተገመተ እዋን፡ ቁጠባ ቻይና ንኣመሪካ ሓሊፉ ዓለም እንተመርሐ'ኳ፡ ዜጋታታ ግን ሕዚ'ውን ምስ ዜጋታት ኣመሪካ እንትነጻጸሩ፡ ኣብ ሕሱም ድኽነት እዮም ክነብሩ።
ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካ፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ ብዝሒ ህዝቢ ኣመሪካ ምዃኑ ይፍለጥ።
ካልኦት ግምታትከ?
ድሕሪ ብሪክዚት ወይከኣ ፍትሕ ምስ ኣውሮጳ፡ ቁጠባ ብሪጣንያ ኣብ 2020 ምስ ኣንቆልቆለ፡ ካብ 2021-25 ብ4 ሚኢታዊት ክዓቢ ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ የርኢ።
ድሕሪ 2026 ድማ፡ ብ1.8 ሚኢታዊት ክዓቢ እዩ ተባሂሉ ይግመት።
ህንዲ ኣብ 2019 ንእንግሊዝ በሊጻ፡ ሓምሸይቲ ዓብዪ ቀጠባ ዘለዋ ኮይና እንተነበረት'ውን፡ በቲ ለበዳ ዘስዕበላ ምህሴዕቲ ምኽንያት፡ ክሳብ 2024 ክትቅድማ ኣይከኣላን።
እንተኾነ፡ ቁጠባ ህንዲ ኣብ 2027 ንጀርመኒ ኣብ 2030 ድማ ንጃፓን ክበልጾ ትጽቢት ይግበረሉ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







