ብቢልዮነር ጃክ ማ ዝውነን ትካል ዓሊባባ ብመንግስቲ ቻይና መርመራ ክግበረሉ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣጄንሲ ምቁጽጻር ዕዳጋ ቻይና፡ ነቲ ካብ ዓበይቲ ‘ብኦንላይን’ ንግዳዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ትካላት ሓደ ዝኾነ 'ዓሊባባ' ንዕዳጋ ብሒትዎ ብምባል ምጽራይ ከምዝገብረሉ ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጡ።
ኣጄንሲ ምቁጽጻር ዕዳጋ ቻይና፡ ኣቐድም ኣቢሉ ትካል ዓሊባባ ንኻልኦት ትካላት ተወዳደርቱ ንኸይኮና ኣብ ትሕቲኡ ኮይነን ንክሰርሓ ኣፈሪሙ የገድደን ኣሎ ብምባል ኣጠንቂቕዎ ምንባሩ ይዝከር።
ንፋይናንስያዊ ምንቅስቓስ ቻይና ዝከታተል ኣካል’ውን ኣብ ዝመጽእ መዓልቲ ነቲ ግዙፍ ትካል መርመራ ከምዘካይደሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ትካል ዓሊባባ፡ ኣብ ቻይና ዝርከባ ከም'ቲ ናቱ ‘ብኦንላይን’ ንግዳዊ ንጥፈታት ዘካይዳ ትካላት ተወዳደርቲ ንኸይኮና ኣብ ትሕቲኡ ኮይነን ንኽሰርሓ የገድደን ኣሎ ዝብል ክስታት ኣቐዲሙ’ውን ክቐርበሉ ጸኒሑ’ዩ።
መንግስቲ ቻይና፡ ንኸም ትካል ዓሊባባን ተንሰንትን ዝኣመሰላ ብኦንላይን ንግዳዊ ንጥፈታት ዘሰላስላ ትካላት ብዝድልብኦ ዘለዋ ሓይልን ዕብየትን ብምጥርጣር ምቁጽጻር ክገብረለን ጸኒሑ’ዩ።
መስራቲ ትካል ዓሊባባ ቢልዮነር ጃክ ማ፡ በቲ ብመንግስቲ ቻይናን ኣጄንሲ ምቁጽጻር ዕዳጋ ቻይናን ዝግበረሉ ዘሎ ጸቕጢ ቁጠዕኡ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኣቐዲሙ 'ኣሊፓይ' ዝብሃል ዝነበረ ድሒሩ 'ኣንት ግሩፕ' ዝተሰመየ ንፋይናንስያዊ ምቁጽጻር ቻይና ዝከታተልን ዝቆጻጸርን ኣካል፡ ኣብ መሸጣ ዕዳጋ ኣብ ዝርዝር ኣትዩ ዝነበረ ኣቑሑ ደው ስለዘበሎ፡ ትካል ዓሊባባ ኣብ ክሳራ ክኣቱ ተገዲዱ’ዩ።
ብሰንኪ እዚ፡ ኣብ ትካል ዓሊባባ ናይ 17 ሚእታዊት ምንቁልቓል ዋጋ ተራእዩ፡ እዚ ብገንዘብ ክትመን እንከሎ ኸኣ ኣስታት 140 ቢልዮን ዶላር እዩ ዝኸውን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







