ቅድሚ 200 ዓመታት ተዃዒቱ ዝወጽአ እምኒ 'ኣዝዩ ዘደንቕ' ማዕድን ተረኺብዎ

ጸሊም ሓምለዋይ ሕብሪ ዘለዎ ማዕድን፡ ኬርኖዋይት

ምንጪ ስእሊ, TRUSTEES OF THE NATURAL HISTORY MUSEUM, LONDON

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ፡ ኣርባዕተ ዓመት ሓድሽ ማዕድን ከም ዝርከብ ቤተመዘክር ናቹራልሂስትሪ ሓበሩ

ኣብ ውሽጢ፡ ቅድሚ 220 ዓመታት ተዃዒቱ ዝወጽአ እምኒ፡ 'ኣዝዩ ኣደናቒ' ማዕድን ከምዝተረኽበ ተመራመርቲ ተዛሪቦም።

ጸሊም ሓምለዋይ መልክዕ ዘለዎ እዚ ማዕድን፡ ኬርኖዋይት ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ ኣሎ።

እቲ ቃል 'ኮርዎል' ካብ ዝብል ካብ ቋንቋ 'ኮርኒሽ' ዝመጽአ እዩ ተባሂሉ።

እቲ ምርምር፡ 'ናቹራል ሂስትሪ' ካብ ዝበሃል ሙዝየም ዝተውጻጽኡ ተመራመርቲ ሰብ ሞያ ዝተወደበ እዩ።

ቅድሚ 200 ዓመታት ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ዊል ጎርላንድ ኣብ ዝበሃል ናይ ማዕድን ከባቢ፡ ዝወጽአ እምኒ ከምዝረኸብዎ ካብቶም ተመራመርቲ ሓደ ዝኾነ፡ ማይክ ራምዚ ተዛሪቡ።

እዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ሙዝየም 'ናቹራል ሂስትሪ'፡ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ዝተፈላለዩ መዓድናት ብግቡእ ኣዋህሊሉ ዝርከብ እዩ።

ብጠቕላላ፡ 185 ዓይነታት ኣደነቕቲ ማዕድናት ሒዙ ከምዝርከብ ድማ ይዝረብ።

'ኣዝዩ ዘድንቕ መዓድን'

እዚ ዝተፈለየ ኣደናቒ መዓድን፡ ንብዙሕ ዓመታት ሊሮሶናይት ዝበሃል ዓይነት መዓድን ከምዝኾነ እዩ ዝእመን ነይሩ።

እንተኾነ እዞም ተመራመርቲ ፡ እዚ ጸሊም-ሓምለዋይ መዓድን ዝተፈለየ ትሕዝቶን ቅርጽን ከሚካላዊ ውህደትን ከምዘለዎ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

ሰማያዊ ሊሮሶናይት፡ ኣብዝሓ ጊዜ ኣብዚ 'ዊል ጎርላንድ' እናተብሃለ ዝጽዋዕ ቦታ ዝርከቡ ኾይኑ፡ ኣብ ዓለም ዋገኦም ክቡራት ዓይነታት መዓድናት ዝካተት እዩ።

ብፍላይ ኮርንዎል፡ ኣብ ዓለም ዓብይ ትርጉም ካብ ዝወሃቦም ቦታታት ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ሓድግታት ዓለም [ዩኔስኮ] ተመዝጊቡ ይርከብ።

ማይክ ራምዚ

ምንጪ ስእሊ, MIKE RUMSEY

ራምዚ ከምዝብሎ፡ ኣብዝሓ እቶም መዓድናት ቅድሚ 100 ዓመታት ዝተኣከቡ ኾይኖም፡ ኣብ 2020 ሓድሽ ዓይነት ማዕድን ምርካቦም ኣደናቒ እዩ።

እቲ መጸዊዕኡ፡ ኣብ ዓለም ለኸ ማሕበር መዓድናት ከምዝጸደቐን፡ እቲ ውጽኢት ምርምር ኣብ መጻኢ ዓመት ኣብ መጽሄት ምርምር ማዕድናት ዕላዊ ኮይኑ ከምዝወጽእ'ውን ተገሊኦጹ።

ራምዚ፡ እዚ ዊል ጎርላንድ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ቦታ፡ ብፍላይ፡ ካብ 1790-190 ኣገልግሎት ይህብ ከምዝነበረ ይዛረብ።

እንተኾነ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ኣብ ልዕሊኡ ገዛውቲ ስለዘተሰርሐሉ ብኳዕቲ ተወሰኽቲ መዓድናት ንምእላሽ ዘኽእል ዕድል ከምዘየለ'ውን ሓቢሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ዝኣረገ ክዳንኩም ዋጋ ከምዘለዎ ትፈልጡ'ዶ?