ናይጄርያዊት ቺማማንዳ ንጎዚ፡ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ንቕድሚት ክስድር ዝገበረት ጸሓፊት

ቺማማንዳ ንጎዚ

ካብ'ቶም ኵሎም ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት በብዓመቱ ብልጫ ዝተቐበሉ ብሉጻት ጸሓፍቲ ዓለምና ዝኾነት ናይጄርያዊት ቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቼ ዝሓለፈ ሕዳር 2020 ቀዳመይቲ ብምውጻእ ንስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ጸብለል ከም ዝብል ጌራቶ ኣላ።

ብዛዕባ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ምስ እንሓስብ ጸሓፍቲ ከም በዓል ቺንዋ ኣቸበ (ኣቦ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ)፣ ንጉጊ ዋ-ትዮንጎ (ኣርካን ፕሮፌሰር ተዛማዲ ስነ-ጽሑፍ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ)፣ ዎለ ሶየንካ (ህቡብ ጸሓፍ መጻሕፍትን ተዋስኦታት፣ ገጣምን ጸሓፍ-ድርሰታትን) ኢዮም ጦብላሕ ዝብሉና።

ቺንዋ ኣቸበን ዎለ ሶየንካን ናይጀርያውያን ኢዮም፣ ከምኡ'ውን ብዙሓት ካልኦት ናይጀርያውያን ጸሓፍቲ ኣሎዉ።

ኣብ ኣፍሪቃ እቶን ዝበዝሑ ጸሓፍቲ ዘፍረያ ሃገራት ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን እየን።

ዓወታት ቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቼ

እዛ ጓል 43 ዓመት ደራሲት ልዕሊ ዓሰርተ ምሉኣት መጻሕፍትን ብርክት ዝበሉ ሓጸርቲ ዛንታታትን ዝጸሓፈት ኴይና ዳርጋ 30 ኣህጕራዊ ብልጫታት ዝተቐበለት ብምዃና ሓንቲ ካብ'ቶም ኣዝዮም ህቡባት ኣፍሪቃውያን'ያ።

ኣዲቼ ብቋንቋ እንግሊዝ'ያ ትጽሕፍ። ካብ'ቶም ኣዝዮም ዉሩያት ዝደረሰቶም መጻሕፍቲ ንምጥቃስ፡-ፐርፕል-ሂቢስክስ እታ ቀዳመይቲ ብ 2003 ዝጸሓፈታን ምስ ኣህጕራውያን ኣንበብቲ ዘፋለጠታን መጽሓፍ እያ።

ትሕዝቶኣ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ናይጀርያ ዝተኸሰቱ ጕዳያት ቁጠባን ዘይምርጋእን'ያ ተተኵር።

ኣውራ ግን ብገጸ-ባህሪ ሓንቲ ካብ ርኹባት ስድራ-ቤት ዝተወልደት መንእሰይ ምስ ወላዲኣ ዘጓነፋ ንትርኽን ክርክርን ትገልጽ።

ኣቦኣ ሕሉፍ እምነት ክርስትና ዝነበሮን ንህይወት ጓሉ ዝዕብልል ባህሪ ዝነበሮ ሰብ ነበረ።

ትሕዝቶ እታ "ፍርቂ'ታ ብጫ ጸሓይ" (Half of a Yellow Sun) ዝተሰምየት ብ2006 ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ድማ ዛንታ ኲናት ባያፍራ እዩ።

ናይጀርያዊት ቺማማንዳ ንጎዚ ኣዲቼ

ኣሜሪካና እታ ብ2013 ዝተሓትመት ልበ-ወለድ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ብልጫ ዝሰዓረት (U.S. National Book Critics Circle Award ) መጽሓፍ'ያ።

እታ መጽሓፍ ብዛዕባ ሓንቲ ናይጀርያዊት መንእሰይ ንሕ.መ.ኣ. ንትምህርቲ ዝተጓዕዘት ኴይና ኣብ ናይጀርያን ሕ.መ.ኣ.ን ዘሕለፈቶ ናብራ ብምቅንባር ዝተጻሕፈት ናይ ፍቕርን ታሪኽን ዛንታ ኢያ።

"ኣዲቼ ምስ'ቶም ዓበይቲ ጸሓፍቲ ክትወዳደር ምኽኣላ ዜደንቕ'ዩ። ኣብ ፈቐድኡ ዝርከቡ ናይ ስነ-ጽሑፍ ትካላት ብምዕሩግ ኣቀባብላ ክቕበልዋ ምርኣይ፡ ክሳብ ሕጂ ዝተጓነጸፈቶም ዓወታትን ብልጫታትን ምጽብጻብ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣንበብቲ ድማ ንመጻሕፍታ ክቀዳደምሉ ምዕዛብ፡ ብሓንቲ እንኮ ጸሓፊት ኣቢሉ ኣፍልጦ ታሪኽ ናይጀርያ ክሳብ ክንደይ ክብ ክብል ምርኣይ ንኣፍሪቃ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ንናይጀርያ፡ ሓበን'ዩ" ይብል ፕሮፈሶር ጋይም ክብረኣብ - መጻሕፍታ ዘንበበ ኣካደምያዊ።

መጻሕፍታ መብዝሕትኦም ብዛዕባ ታሪኽ ናይጀርያ - ኣውራ ድማ ኲናት ባያፍራ (1967-1970)፣ ማዕርነት ደቂኣንስትዮ፣ ማዕርነት ጸለምቲ ዘኣመሰሉ ቴማታት ዝሓዘሉ ኰይኖም ብኣገላልጽኣን ብእተቕርቦም ተዋሳእትን እትፈጥረሎም ቀልቢ ዝስሕቡ ዛንታታትን ብዙሓት ሰዓብቲ ከተጥሪ ክኢላ'ያ።

ፍርቂ ናይ'ታ ብጫ ጸሓይ (Half of a Yellow Sun)

ፍርቂ ናይ'ታ ብጫ ጸሓይ (Half of a Yellow Sun)

ኲናት ባያፍራ ወይ ከኣ ዉግእ-ሓድሕድ-ናይጀርያ ህልቂትን ዓቢ ጥፍኣትን ዘኸተለ ኣብ ሕብረተሰብ ናይጀርያ ድማ ቅልውላውን በሰላን ዝገደፈ ውግእ ነበረ።

እቲ ዉግእ ኣብ ሞንጎ እቲ ብጀነራል ያኩቡ ጎዋን ዝመራሕ ዝነበረ መንግስቲ ናይጀርያን ብሌተናል ኮሎኔል ኣጁኩ (1933-2011) ዝምራሕ ዝነበረ መራሒ ናይቲ ተነጻሊ ክፋል-ሃገር ቢያፍራ ነበረ።

እቲ ንክልተ ዓመትን መንፈቕን ዝወሰደ ዉግኣ ማዕረ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት'ዩ ቀዚፉ - እቶም ዝበዝሑ ብጥምየት ዝተላሕሱ ሲቪላውያን ነበሩ።

ህዝቢ ባያፍራ ኢግቦ ይበሃሉ። መሬት ኢግቦኣውያን ኣብ ደቡብ ምብራቕ ናይጀርያ ይርከብ።

ዓሌት ኢግቦ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ሃልዩ ቍጽሮም ዳርጋ 42 ሚልዮን ይኸውን (ናይጀርያውያን ብኣጠቓላሊ 177 ሚልዮን ይዀኑ።

እምበኣርከስ ኣዲቼ ካብ ዓሌት ኢግቦ ኰይና ኣብ ኤኑጉ ዝተባህለ ርእሰ-ከተማ ቢያፍራ ኢያ ተወሊዳን ዓብያን።

እቲ ኤዲቼ ኣብ መጽሓፋ "ፍርቂ ናይ'ታ ብጫ ጸሓይ" ኢላ ዘቕረበቶ ዛንታ ብዛዕባ እቲ ዘስካሕክሕ ዉግእ ቢያፍራ ነበረ።

ነታ መጽሓፋ "ፍርቂ ናይ'ታ ብጫ ጸሓይ" ኢላ ዝሰመየትሉ ምኽንያት ድማ ስእሊ ባንዴራ ቢያፍራ - ብፍርቂ ጸሓይ ዝተሸለመ - ንምርኣይ ነበረ።

ሚከላ ሮንግ ዝተባህለት እንግሊዛዊት ደራሲት ከም እትብሎ፡ እቲ ኣዲቼ ዘቕረበቶ ዛንታ መሳጥን ንመንፈስና ዜነቃቕሕን'ዩ፣ ቕዲ ኣጸሓሕፍኣ ድማ ምህዞኣዊ'ዩ ብምባል ኣድናቖታ ትገልጽ።

"እቲ ዝቐረበ ዛንታ ብዛዕባ ናይቶም መራሕቲ ዕንደራ ዘይኰነስ ብዛዕባ ተራ ሰባት'ዩ - ግዳይ ናይ'ቲ ዉግእ ዝዀኑ ሰባት፣ እቶም ኣብቲ ዛንታ ሓርያ ዘዋሳኣቶም ሰባት ድማ ተጠንቂቓ ዝሓሰበትሉ ጕዳይ ምዃኑ የርኢ" ትብል ሚከላ።

ወሲኻ፡ "እቶም ሰባት ኣብ ዙርያ ንሱካ-ዩኒቨርሲቲ ወይከኣ ምስቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም እቲ ዛንትኦምን ዘጓነፎም ጸገማትን በቲ ዉግኣ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተጸልወን'ዩ ዘርኢ፣ መቸም እቲ ዛንታ መሳጢ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ሽዑ ዝተኸሰተ መዓት ብጽቡቕ'ዩ ዝገልጾ" ትብል ሚከላ።

እቲ ዉግእ ባያፍራ ብፖለቲካዊ ፍልልያትን ዓሌታዊ ጐንጽን'ዩ ተጀሚሩ።

ህዝቢ ኢግቦ ካብ ናይጀርያ ንምንጻል ብዝገበርዎ ፈተነ'ውን ኣሎዎ።

መንግስቲ ናይጀርያ ድማ ንባያፍራ ኣዳምነታዊ ሓገዝ ብምዕጋት ነቲ ዉግኣ ኣጓሃሃሮ፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ብጥምየትን ሕማምን ከኣ ሃለቑ።

"እቲ ዛንታ ብዓይኒ ስቪላውያን ሰባት'ዩ ተጻሒፉ - ሃስያ ዝወረዶም ዜጋታት" ትብል ሚከላ ሮንግ።

እቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ሓደ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረ ናይ ቍጽሪ መምህር ሞያኡን ህይወቱን ዘንቈልቝል፣ ሓደ ናይ ገዛ-ሰራሕተኛ ብሓይሊ ምስ ተዋጋእቲ ቢያፍራ ምስ ተጸንበረ ዘጓነፎ ሽግራት፣ ሓንቲ ሰበይቲ ክሳብ ክንደይ ካብቲ ዉግእ ዝርከብ ረብሓታት ትግሕጥ ዝነበረት፡ ጸኒሓ ግን በቲ ዉግእ ዝተኣታተወ ጭካኔ ሰኪሓ ነቲ ትካላ ገዲፋ ሓደ ናይ ዕቝበኛታት ካምፕ ተካይድ ዝነበረት ... ወዘተ ዘኣመሰሉ ዛንታታት ይርከቡዎም።

እታ መጽሓፍ ብ2007 ብልጫ "ኦረንጅ-ፕራይስ" ስዒራ።

እቲ ብልጫ ንደቂ-ኣንስትዮ ጥራይ ዝተሓዝአ ኣዝዩ ክቡር ናይ ዓዲ-እንግሊዝ ኣነስትነተኛ (feminist) ብልጫ'ዩ።

እቲ ዝቐረበ ዛንታ ሓያል ተሰማዕነት ተቐባልነትን ስለ ዝረኸበ ብመልክዕ ፊልም'ውን ክቀርብ ክኢሉ'ዩ።

"ኣዲቼ ብመጽሓፋ ኣቢላ ንስምዒታትና ቀስቂሳ'ያ፡ ውግእ ንዉልቀሰባት ዜስዕበሎም ሰለሎ ከተርኢ ክኢላ'ያ፣ ከንቱነት ዉግእ'ውን ኣመስኪራ'ያ" ይብል ፕሮፈሶር ጋይም ክብረኣብ።

ኣዲቼ፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየደቶ ቃለ-መሕትት፡ "እዚ ፍሉይ ብልጫ'ዚ - ተዓዋቲት-ናይ-ተዓወትቲ - ክቕበል ከሎኹ ዝስምዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን" ኢላ።

እቲ ብልጫ ኣብ ደቂኣንስትዮ ጸሓፍቲ ልቢ-ወለድ ዛንታታት ጥራይ ዘትኰረ ዀይኑ - ንዝኽሪ መበል 25 ዓመት፡ እቲ ትካል ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ በብዓመቱ ዝተዓወታ ደረስቲ ኣብ ዉድድር ቀረባ፣ እቶም ኣድመጽቲ ኸኣ ን"ፍርቂ ናይ'ታ ብጫ ጸሓይ " እታ ዝበለጸት መጽሓፍ ምዃና ብድምጾም መስከሩ።