ፍልጥቲ ጸላም ኣፍሪቃ-ኣሜሪካዊት ጸሓፊት ቶኒ ሞሪስ ዓሪፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈላሚት ጸላም ተዓዋቲት ሽልማት ኖቤል ዘፈር ስነጽሑፍ፡ ደራሲት ቶኒ ሞሪስ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ።
ስድራ ሞሪስ፡ "ንሓጺር እዋን ብዘጋጠማ ሕማም" ከም ዝዓረፈትን ኣብ መሪር ሓዘን ከም ዝርከቡን ሓቢሮም።
እታ 11 መጻሕፍቲ ዝጸሓፈት ደራሲት፡ ብ1993 ሽልማት ኖቤል ዘፈር ስነጽሑፍ ተዓዊታ ነይራ። ቀዳማይ መጽሓፋ 'ዘ ብሉወስት ኣይ' [The Bluest Eye] ብ1970 ተሓቲሙ።
ብዛዕባ ሓንቲ ብባርነት ዝሓለፈት ጸላም ኣፍሪቃ-ኣሜሪካዊት ዘዘንትው'ዚ መጽሓፋ፡ ብ1998 ብፊልሚ ተሰሪሑ ኦፕራ ዊንፍረይ ድማ ቀንዲ ተዋሳኢት ብምዃን ተሳቲፋትሉ።
ሞሪስ፡ ስድራን መሓዙታን ኣብ ዝተኣከቡሉ ትማሊ ሰኑይ ከም ዝዓረፈት ተፈሊጡ'ሎ።
ኣባላት ስድርኣ "ውፉይቲ ኣደ፣ እነሓጎን ኣሞን" ምንባራ ተዛሪቦም። ነዊሕን ሕጉስን ህይወት'ኳ እንተሕለፈት ንዓዓ ምስኣን ግን ከቢድ ከም ዝኾኖም'ውን ገሊጾም።
ብስራሕታ ኮነ ብውልቀ ንዓዓ ንዝፈልጡን ዝፈትውዋን ከምኡ'ውን "ኣብዚ ከቢድ እዋን [ሓዘን] ኣብ ጎንና ንዘለዉ ኩሎም ክነመስግን ንፈቱ" ኢሎም።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







