ምርምር ህዋ፡ ቻይና ናብ ወርሒ ዝለኣኸታ መንኮርኮር ቅምሶ ሓመድን እምንን ሒዛ ተመሊሳ

መንኩራኩር ቻይና

ምንጪ ስእሊ, SHUTTERSTOCK

ቻይና ካብ ወርሒ ቅምሶ ሓመድን እምንን ሒዛ ንኽትመጽእ ዝለኣኸታ መንኮርኮር ዕላምኣ ኣዕዊታ ከም ዝተመለሰት ተገሊጹ።

'ቻንግ ኢ-5' ዝብል መጸውዒ ዝተወሃባ መንኮርኩር ብ24 ሕዳር'ያ ናብ ወርሒ ተላኢኻ።

እታ ተመሳሳሊ ዕላማ ሒዛ ንመወዳእታ ጊዜ ናብ ወርሒ ዝተለኣኸት መንኮርኮር ቅድሚ 40 ዓመታት ብሩስያ ዝተወንጨፈት ምንባራ ኣብ ታሪኽ ይዝከር።

ነቲ ሕዚ ዝተዓወተ ጉዕዞ ስዒቡ ድማ ቻይና ካብ ኣሜሪካን ሩስያን ቀጺላ ቅምሶ ሓመድን እምንን ካብ ወርሒ ክተምጽእ ዝኸኣለት ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና'ላ።

ቻይና ነዚ ክተዐውት ምኽኣላ፤ ኣብ ምርምር ሳይንስ ህዋ ንዝበጽሓትሉ ደረጃ ንዓለም ከተርእይ ዓብዪ ዕድል ዝፈጥረላ እዩ።

እታ ናብ ወርሒ በጺሓ ዝተመለሰት መንኮርኮር ናብ መሬት ክትዓልብ ከላ ብዙሓት ሰብሞያ ከምዝተቐበልዋ ተፈሊጡ።

ካብ ወርሒ ድማ ካብ 2 ክሳብ 4 ኪሎ ግራም ዝምዘን ሓመድን ስብርባር ኣኻውሕን ሒዛ ከምዝተመለሰት ይግመት።

እታ ቻንግ-5 ዝብል ስያመ ዝተወሃበ መንኮርኮር፤ ስያመኣ ካብ ጥንታውያን ኣማልኽቲ ወርሒ ዝተወሰደ እዩ።

እቲ ሒዛቶ ዝተመለሰት ሓመድን እምንን ድማ ክሳብ ሎሚ ካብ ዘይተዳህሰሰ ክፋል ወርሒ ዝተረኸበ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብ1976 ብሩስያ ዝተኸየደ ምውንጫፍ መንኮርኮር 170 ግራም ስብርባር እምኒ ጥራይ ምምጻእ ከምዝተኽኣለ ይግለጽ።

እቲ ካብ ወርሒ ዝመጽእ ሓመድን ስብርባር እምንን ብዛዕባ ወርሒ ንምግንዛብን ኣብ መጻኢ ናብ ወርሒ ክግብሩ ዝሕሰቡ መገሻታት ቅልል ዝበሉ ንምግባርን ከምዝሕግዝ ሰብሞያ ቻይና ይገልጹ።

እቲ ዝተወሰደ ቅምሶታት ድማ ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ዓመታት ከምዘቑጸረ ይግመት።