ጉዕዞ 320 ሚልዮን ኪሎሜትር ዝዛዘመት መንኮርኮር ናብ መሬት ትምለስ ኣላ

ጉዕዞ 320 ሚልዮን ኪሎሜትር ዝዛዘመት መንኮርኮር ናብ መሬት ትምለስ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ናሳ ካብቲ ካብ መሬት 320 ሚልዮን ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ‘ኣስትሮይድ’ ቅምሶ ናይ ከውሒ ከተምጽእ ዝለኣኻ መንኮርኮር ጸገማት ኣጋጢምዋ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ዘድልያ ቅምሶታት ጽዒና ናብ መሬት ትምለስ ኣላ።

እዛ ኦሲሪስ ሬክስ ዝተብሃለት መንኮርኮር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን እያ ኣብቲ ቤኑ ዝተባህለ ኣስትሮይድ ዓሊባ።

እታ መንኮርኮር ዘድልያ ቅምሶታት ናይ ከውሒ ምስ ኣከበት፡ ካብቲ ዝኣከበቶ ከውሒ ነቲ መትሓዚ ከውሒ ተባሂሉ ዝተገጠመላ ንእሽተይ ኮንተይነር ስለ ዝፈንቀቆ ሻቕሎት ፈጢሩ ቀንዩ እዩ።

እንተኾነ ናሳ፡ እታ መንኮርኮር ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘድልያ ቅምሶታት ናይ ከውሒ ሒዛ ናብ መሬት ትምለስ ከም ዘላ ሓቢሩ ኣሎ።

ሓላፊ ፕሮጀክት ኦሲሪስ ሬክስ ፡ ሪች በርንስ “እቲ ዝሓሰብናዮ ስርሒት ብዓወት ከም ዝዛዘምናዮ ከነበስር ንፈቱ” ኢሉ።

እቲ ቅምሶታት ናይ ከውሒ ናብ መሬት ምስ በጽሐ መጽናዕቲ ከምዝካየደሉ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ፡ እንተኾነ እታ መንኮርከር መስከረም 2023 እያ ናብ መሬት ክትበጽሕ።

ኦሲሪስ ሬክስ ኣብቲ ቤኑ ዝተሰመየ ኣስትሮይድ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ንውሑዳታት ካልኢታት ብምዕላብ እያ ዘድልያ ቅምሶታት ናይ ከውሒ ኣልዒላ።

እቲ ኣስትሮይድ ካብ መሬት 320 ሚልዮን ኪሎሜር እዩ ርሒቁ ዝርከብ።

እታ መንኮርኮር 400 ግራም ዝኸውን ቅምሶ ናይ ከውሒ ኣኪባ ክትከውን ከም እትኽእል እዩ ግምት ዝግበር።

እቲ በቲ ከውሒ ዝተፈንቀቀ ማዕጾ ናብ ንቡር ንምምላስ ክልተ መዓልቲ ከም ዝወሰደላ እዩ ናሳ ዝሕብር።

እታ መንኮርኮር ካብ መሬት ኣዝያ ርሒቓ ስለ ዘላ፡ ምስኣ ዝግበር ርኽብ ካብ ናብን ንክበጻጻሕ 18 ደቂቕ እዩ ዝወስደሉ እዚ ድማ ነቲ ናይ ጽገና ግዜ ከም ዘናወሖ ይግለጽ።

ተመራመርቲ ካብዚ ብተስፋ ዝጽበይዎ ዘለው ቅምሶታት ናይ ከውሒ እዚ ስርዓተ ጸሓይ ናይ ዓለምና ቅደሚ 4.5 ቢልዮን ዓመታት ከመይ ኢሉ ከም ዝጀመረ ንክርድኡ ከም ዝሕግዞም እዮም ዘተስፍዩ ዘለዉ።

እታ መንኮርኮር ካብ መሬት ኣብ 2016 እያ ተበጊሳ።