ናሳ ኣብ ዝሃቦ ናይ ሓጺር እዋን ዕድል ስራሕ ሓዳሽ ፕላኔት ዝረኸበ መንእሰይ

ወልፍ ኩኪየር

ምንጪ ስእሊ, Ben cukier

ወዲ 17 ዓመት ዎልፍ ኩኪየር ኣብ ናሳ ዝረኸቦ ዕድል ንሓጺር እዋን ስልጠና እናተኸታተለ ስራሕ ልምዲ ንኽሕዝ'ዩ። ናብቲ ማእኸል ካብ ዝኣቱ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ድማ ሓዳሽ ፕላኔት ረኺቡ።

ካብ ሳተላይት ዝረኸቦም ምስልታት ይርእይ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣካል ክዕዘብ ክኢሉ።

ብዝገበሮ ጻዕሪ ድማ እቲ ዝረኣዮ ነገር፡ ካብ መሬት 1 ሽሕን 300 ብርሃን ዓመት ርሕቐት እትርከብ ፕላኔት ኮይና ከምዝረኸባ ናሳ ኣረጋጊጹ።

ዎልፍ "ንኽልተ ከዋኽብቲ እትዘውር ፕላኔት ንምርካብ ይጽዕር ነይረ" ክብል ይዝክር

ሽዑ ኣብ ብርሃን እተን ከዋኽብቲ ለውጢ እንተዳኣሃልዩ ንምፍላጥ ይከታተል ነይሩ። እዚ ድማ ብቕድሚት ትሓልፍ ናይ ዘላ ፕላኔት ጽላሎት ከምልክት ዝኽእል'ዩ።

Skip YouTube post
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post

ናብ ናሳ ካብ ዝኣትው ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ከኣ ንመሬት ብብዙሕ ብርሃን ዓመታት ናብ ዝርሓቐ ስርዓተ ጸሓይ ይርእይ ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት ዝኾነ ነገር ንብርሃን እተን ከዋኽብቲ ክጋርድ ተዓዚቡ።

"ካብተን ከዋኽብቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ክንርእዮ ጀሚርና። ክልተ ተወሰኽቲ ናይ ብርሃን ዕርበት ድማ ርኢና። ምናልባት ፕላኔት ክትህልው ትኽእልያ ብዝብል ትንተናና ቀጺልና" ክብል ይዝክር።

ፕላኔት TOI 1338 b

ምንጪ ስእሊ, NASA's Goddard Space Flight Center

ዎልፍ ዝረኸቦ ነገር ካልኦት ተመራመርቲ ኢዶም ክሓውሱሉ ግድን ነይሩ። ብዝተገበረ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከኣ እታ ፕላኔት ካብ መሬት ብ6.9 ዕጽፊ ከምእትዓብይ ተረጋጊጹ።

TOI 1338 b ዝብል ስያመ ረኺባላ።

"ሓወይ ነታ ዓለም ዎልፍቶፕያ ክብላ ሓሲቡ ነይሩ፤ TOI 1338 b ዝብል ግን ብቑዕ ይመስለኒ" ይብል እቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ።

እዚ ስም፡ ኣብ ክልተ ከዋኽብቲ ዑዱት ከምእትገብር ዘረድእ'ዩ።

ፕላኔት TOI 1338 b ኣብ ክልተ ከዋኽብቲ ዑደት ትገብር

ምንጪ ስእሊ, NASA's Goddard Space Flight Center

እዚ ውጽኢቱ ኣብ ናሳ ዕድል ስራሕ ክረክብ የኽእሎ'ዶ?

"ናሳ ብዛዕባ ንዓይ ምቑጻር እንታይ ከምዝሓስብ ዝፈልጦ ነገር የብለይን፤ ንዓይ ግን ንልምዲ ስራሕ (ሲቪ) ጽቡቕ'ዩ" ይብል ዎልፍ።

ንሓጺር እዋን ስልጠና ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብዝረኸቦ ውጽኢት እቲ ኤጀንሲ "ከምዝተደመመ" ወሲኹ ይገልጽ።

Presentational grey line

ሎሚ ክዳን ኣባላት ናሳ ብኹርዓት ተኸዲኑ'ሎ። እቲ ኽዳን ግን ካብቲ ኤጅንሲ ብህያብ ዝረኸቦ ዘይኮነስ፡ ብዝነከየ ዋጋ ኣብኡ ዝዓደጎ እዩ።

እዚ መንእሰይ ኣብ ምርምር ህዋ ዝለዓለ ፍቕሪ ሓዲርዎ'ሎ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ምስኣተወ ፊዚክስ ኣስትሮ ፊዚክስ ከጽንዕ ድልየት ኣለዎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝመጽኣሉ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተመሊሱ'ሎ።