ኣመሪካ ሰጒጓቶ ቻይና ዘንገሰቶ ተመራማሪ

ሺያን ሺንሰን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ቻይናዊ ተመራማሪ፡ ኣብ ዓለም ገዚፍ ቑጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ክልተ ሃገራት ናብ ወርሒ ክበጽሓ መገዲ ዝጸረገ እዩ።

እንተኾነ ሽም እዚ ተመራማሪ እታ ሓንቲ ሃገር ጥራሕ’ያ ብዝግባእ ሰኒዳ ብኽብሪ ሒዛቶ ዘላ።

ኣብ ቻይና ሻንጋይ 70 ሽሕ ሓድግታት ዝሓዘ ሓደ ዓብዪ ቤተ መዘክር፡ እዚ ተመራማሪ ንክዝከረሉ ብሽሙ ክስየም ገይራ።

ሺያን ሺንሰን፡ “ናይ ህዝቢ ተመራማሪ” ተባሂሉ እዩ ብኽብሪ ዝስመ።

እዚ ተመራማሪ፡ ኣቦ ሚሳይልን ፕሮግራም ምርምር ህዋን ቻይና እዩ ይብሃል።

ስራሕቱ፡ ቻይና ንመጀመርታ ግዜ ናብ ህዋ መንኮራኩር ክትልእኽ ኣኽኢሎምዋ።

ብተወሳኺ፡ ኣካል ፕሮግራም ኒኩሌር ዝኾነ ሚሳይል ክትውንን’ውን ብጽሒት ኣንበሳ ኣለዎ።

ነዚ’ዩ እዚ ውልቀሰብ ቻይናውያን ሓርበኛ ሃገሮም ገይሮም ዘኽብሩዎ።

እንተኾነ ቀለም ትምህርቲ ሳይንስ ዘዕተረቶን ንልዕሊ ዓሰርታት ዓመታት ዝነበረላን ሃገር ንስራሕቱ ክንዲ ፍረ ጣፍ ዝኸውን ዝኽሪ’ውን የብላን።

ሺያን ሺንሰን፡ ብ1911 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) እዩ ተወሊዱ።

ኣብቲ እዋን፡ ቻይና ካብ ንጉሳዊ ምሕደራ ናብ ሪፐብሊክ እትሰጋገረሎም ናይ መወዳእታ ዓመታት ነይሩ።

ወለዱ ኣብ ጃፓን እዮም ዝሰርሑ ነይሮም።

ስርዓተ ትምህርቲ ቻይና’ውን መስመር ክትሕዝ ዝገበሩ ወለዱ’ዮም።

ወዶም ድማ ካብ ብጒሓቱ ብሩህ ኣእምሮ ዝተዓደለ ንቑሕ ቖልዓ ከም ዝነበረ ይዝረበሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሻንጋይ ጂያኦ ብዝለዓለ ነጥቢ ተመሪቑ ኣብ ኣመሪካ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ እዩ ነዛ ዓባይ ሃገር ተጸምቢሩዋ።

ኣብዚ ማእከል ትምህርቱ ክከታተል ጸኒሑ፡ ኣብቲ እዋን ዓብዪ ቦታ ብዝነበሮ ቶዎዶር ቮን ካርማን ንክህነጽ ናብ ካሊፎርኒያ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ይኸይድ።

ኣብዚ ‘ሱውሳይድ ስኳድ’ ዝብል ሳጓ ናብ ዝተዋህቦ ጉጅለ ተመራመርቲ ዝጽምበረሉ ካልእ ዕድል ይረክብ።

እዚ ጉጅለ እግሪ ብእግሪ ኣፍልጦ ዝረኸቡ ናይ ምርምር ስራሕቲ ክሰርሕ ድማ ይጅምር። ኣብ ሓጺር ግዜ፡ እቲ ጉጅለ ሞተራት መወንጨፊ ሮኬት ንምስራሕ ፈተነ ይጅምር።

ኣብቲ ግዜ ምርምር ሮኬት፡ ሰብ ሞያ ሳይንስ ዘይደፍሩዎን ብቁውም ነገር ዘይርእዩዎን ዓውዲ እዩ ነይሩ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ግን ነዚ ሳይንስ ዝግደሱ በዚሖም።

በዚ ምኽንያት ሺያን ሺንሰን ኣባል ዝኾነሉ ጉጅለ ተመራመርቲ ትኹረት ወተሃደራዊ ትካል ኣመሪካ ክስሕብ ክኢሉ።

ብ1943፡ ሺያንን መሓዙቱን ቤተ ፈተነ መወንጨፊ ጀት የቑሙ።

ዜግነቱ ቻይናዊ እንተኾነ’ውን ኣብ ኣመሪካ ፈተውቲ ስለ ዝነበሩዎ፡ ሺያን ብዙሕ ዝተገደሰሉ ሰብ ኣይነበረን።

እኳ ድኣ፡ ኣመሪካ ብዙሓት ናይ ህዋ ምርምራት ከካይድን ክመርሕን ልዑል ፍቓድ ድሕነት ሂባቶ።

ከምኡ እናበለ ኣባል ቦርድ ኣማኻሪ ሳይንስ ኣመሪካ ክሳብ ምዃን በቒዑ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ድማ፡ ኣብቲ ዓውዲ ኣለው ካብ ዝብሃሉ ፍሉጣት ተመራመርቲ ክኸውን ክኢሉ።

ምስቲ ፍሉጥ መሃንዲስ ቱዎዶር ቮን ካርማን ኮይኑ ድማ ንሓደ ልኡኽ ናብ ጀርመን ይኸይድ።

ኣብዚ ጉዕዞ፡ ንኢንጅነራት ጀርመን ከዘራርቡን ጀርመን ከኣ ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ፍልጠት ክንደየናይ እዩ ዝብል ንምፍላጥ ዕላማ ሒዞም እዮም ከይዶም።

በዚ ክልቲኦም ተመራመርቲ ዓብዪ ክብርን ኣፍልጦን ረኺቦም።

ይኹን እምበር፡ ሺያን ከምዚ እናበለ ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ምስ ጸንሐ ዕሾኽ ኾይኖም ኣእጋሩ ዘድምዩዎ ሕልኽላኻት ክገጥሙዎ ጀሚሮም።

መግለጺ ቪድዮ, ጨና ለሚን ኣብ መጽናዕቲ ጠቓሚ እዩ!

1949፡ ማኦ ሪፐብሊክ ኮሚዩኒስት ህዝብታት ቻይና ከም ዝተመስረተ ዝኣወጀሉ ዓመት እዩ።

ሽዑ ንሽዑ ድማ ቻይና፡ ኣመሪካ ሕማቕ ጸላኢተይ እያ ኢላ ኣዊጃ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሑል ኲናት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ቢሮ መርመራ ኣመሪካ (ኤፍቢኣይ) ሺያን ሺንሰንን ፍራንክ ማሊናን ኮሚዩኒስ እዮም ብምባል ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት እዮም ኢሉ ይእውጅ።

እንተኾነ ኣብቲ እዋን ሺያን ሰላሊ ከምኡ’ውን ኣባል እቲ ሰልፊ ከም ዝኸነ ዘረጋግጽ መረዳእታ ክርከብ ኣይተኽኣለን ነይሩ።

ይኹን’ምበር፡ ሺያን እቲ ኣመሪካ ሂባቶ ዝነበረት ፍቓድ ድሕነት ተመንዚዑ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብትእዛዝ ፕሬዝደንት ኤይሰን ሀወር ናብ ቻይና ይምለስ።

ምስ በዓል ቤቱን ኣብ ኣመሪካ ምስ ዝተወለዱን ክልተ ደቁ ድማ ብጀልባ ተጻዒኑ ናብ ሃገሩ ጉዕዞ ይጅምር።

ሽዑ፡ ብዝኾነ ኣጋጣሚ መሬት ኣመሪካ ክረግጽ ከም ዘይደሊ ተዛሪቡ ነይሩ።

ከምቲ ዝበሎ’ውን ናብ ኣመሪካ ኣይተመለሰን።

ሺያን ሺንሰን ናብ ቻይና ክኣቱ ከሎ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ዝኾነ ነገር እዩ ጸኒሑዎ።

ኣብ ቤተ መዘክር ሺያን ዝርከብ ሚሳይል

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቤተ መዘክር ሺያን ዝርከብ ሚሳይል

ናይ ጅግና ኣቀባብላ ተገይርሉ መሬት ዓዱ ረጊጹ።

ቻይና ኣብቱ ግዜ ብዛዕባ ሮኬት ሳይንስ ድሩት ፍልጠት እዩ ነይሩዋ።

ሺያን ምስ መጽአ ድሕሪ 15 ዓመታት ግን ናይ መጀመርታ ሮኬት ናብ ህዋ ልኢኻ።

ሺያን ብርክት ዝበሉ ተመሃሮ ዘሰልጠነ ኮይኑ ንሱ ብዘካየዶ ምርምር ኣብ ቻይና ዝተሰርሑ ሮኬታት ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ተተኲሶም ምንባሮም ይግለጽ።

እዚ ኣብ ግዜ ኲናት ገልፍ 1991 እዩ።

ክሳብ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣመሪካን ቻይናን ብዝተፈላለየ መልክዑ ኣብ ኲናት ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣመሪካውያን ግን ብዛዕባ ሺያን ዘለዎም ሓበሬታ ድሩት ክኸውን ከሎ፡ ትውልደ ቻይና ዝኾኑ ኣመሪካውያን ግን ጅግንኦም’ዩ።