ሃና ጥላሁንን መሓዙታን፡ ሕርሲ ዝከታተል መሳርሒ ምሂዘን

ሃና ጥላሁን ሓንቲ ካብቶም መቆጻጸሪ ሕርሲ ዝሰርሑ መናእሰይ'ያ

ሃና ጥላሁንን መሓዙታን ምሩቓት ዩኒቨርሲቲ ጅማ 2010 ዓ.ም (2018) እየን።

ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርተን ቅድሚ ምዝዛመን ግና፡ ሕርሲ ኣደታት ካብቶም ኣዝዮም ዘተሓሳስቡወን ጉዳያት ሓደ ነይሩ።

"ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝኾንና ሕርሲ ንሕና'ውን ዝገጥመና ነገር'ዩ" ይብላ።

እሞማ፤ እዚ ሓሳብ ኣብ ኣየር ዝተርፍ ሓሳብ ከይኸውን፡ ኣብ መመረቒ ወረቐተን ነዚ ዝኸውን ሓሳብ ኣስፊረን። ትሕዝቶ ዘካይድኦ መጽናዕቲ፡ ሕርሲ ዝቆጻጸር መሳርሒ ምምሃዝ ዘኽእል ነይሩ።

ብጉጅለ ኣብ ዝሰርሐኦ መጽናዕቲ ዚያዳ እናማዕበልኦ ብምምጻእ፡ ናብ ምህዞ ተሰጋጊረን።

ነዚ ምህዞ ካብ ዝሰርሓ ሓንቲ ዝኾነት ጓል 23 ዓመት ሃና ጥላሁን፡ እዚ ናይ ኣደታት ሕርሲ ዝከታተል መሳርሒ ንምምሃዝ ንዩኒቨርሲቲ ጅማ ሓዊሱ፡ መዋለዲ ሆስፒታላት ጦር ሃይሎችን ካልኦትን ዘይረን ከም ዝተዓዘባን ናይቲ ዓውዲ ሓካይም ከም ዘማኸራን ትዛረብ።

እዚ ጥራሕ ከይኮነስ፡ ሓንቲ ኣደ ክትወልድ ቀሪባ ድያ ዝብል ንምፍላጥ፡ ከምቲ ሓካይም ዝገብርዎ ንሰን እውን ኣጻብዕተን ናብ ማህጸን ኣደታት ሰዲደን ነቲ ኩነታት ክርደኣ ፈቲነን እየን።

ብድሕሪ እዚ፡ ንሰን ዝሰርሐኦ ሕርሲ ዝከታተል መሳርሒ፡ ብዘይ ዝኾነ ምትንኻፍ ነታ ኣደ ኾነ ንሓካይም ዝህልዎ ሓገዝ ክግንዘባ ምኽኣለን ትገልጽ።

እዚ ናይ ምህዞ ስራሕ ብመልክዕ መቐነት ዝተዳለወ ኾይኑ፡ ኣብ ከብዲ ብምቕማጥ ሓንቲ ኣደ ሕርሲ ምጅማራን ዘይ ምጅማራን ዘመላኽት'ዩ።

ክንደይ ዝኣክል መድሓኒት ከም ዘድልያ ዝሕብር መሳርሒ ከም ዝተገጠመሉ'ውን ሃና ትገልጽ።

ንሳ ከም እትብሎ፡ እቲ መሳርሒ ዝኾነ ዓይነት ናይ ኤሌክትሪክ ጨረር ዘይብሉ ኾይኑ፡ ኣብታ ኣደ ኾነ ኣብቲ ጥንሲ ዘሕድሮ ዝኾነ ዓይነት ጽዕንቶ የለን።

"ልክዕ ከም መሳርሒ ኣልትራ ሳውንድ ኾይኑ፡ እቲ ኣፈላላይ ኣልትራሳውንድ ብምስሊ ኾይኑ ናትና ብቑጽሪ'ዩ ውጽኢትኻ ዝገልጽ" ትብል።

እዚ መሳርሒ ብቐሊሉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዝተዓደጉ ናውታት እንትምዕብል፡ 2500 ብር ጥራሕ እየን ወጻኢ ገይረናሉ።

ካብን ናብን ንምንቅስቓስ'ውን ዘይከብድ ኾይኑ፡ 1.5 ኪሎ ግራም ጥራሕ ይምዘን።

እዚ መሳርሒ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምቁርራጽ መብራህቲ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብባትሪ ንክሰርሐኦ ድማ መደብ ከም ዘለወን ሓቢራ።

ሃና ሽልማቱን ስትቀበል

ሕርሲ ኣደታት ዝከታተል መሳርሒ

ሓኪም መዋልዳንን፡ ፕሬዝደንት ማሕበር ሓካይም መዋልዳን ዝነበሩን፡ አቶ ያለው ላይቀር ሓንቲ ኣደ፡ ኣብ ሕርሲ ኾይና ምድፋእ ኣብይዋ እንተደኺማ፡ እቲ ሕርሲ ንምቅልጣፍ፡ ዝወሃብ መድሓኒት (Augmentation)፤ ብካልእ ወገን ድማ፡ እትወልደሉ መዓልቲ ኣኺሉ ሕርሲ እንተዘይጀሚሩዋን ናይ ማህጸና በሪ ዝተዓጸወ እንተኾይኑን፡ ሕርሲ ንክትጅምር ዝውሰድ ( Induction) ከም ዝብሃል የብርሁ።

እዚ ኩነታት ንምርዳእ እታ ኣደ ብእተርእዮ ምልክት ከም ዝውሰን'ኳ እንተገለጹ፡ ኢድካ ናብ በሪ ማህጸን ሰዲድካ ምርኣይ ግን ግድን ከም ዝኾነ ይዛረቡ።

ናይ ማህጸን በሪ ዕጹው እንተኾይኑ ዋላ ሓንቲ ኣጻብዕቲ ምእታው'ውን ኣይክኣልን ዝበሉ እቶም በዓል ሞያ፡ ናይዚ ዓቐን ኣፋውስ ንምሃብን ንምዕቃንን ከም ዘኽእል ይገልጹ።

እዚ ዘርኢይ መሳርሒ ኣብ ኣሜሪካን ዓዲ ኢንግሊዝን ከም ዝርኣዩ እንተልዓሉ'ውን ኣብ ኢትዮጵያ ግን፡ ከም ዘይገጠሞም ሓቢሮም።

ከምዚ ዓይነት መሳርሒ፡ ብሓንሳብ ኩነታት ወሊድን ሕርስን 10 ኣዴታት ንምክትታል ዝኽእል'ዩ ድማ ይብሉ።

"ከምዚኦም ዝበሉ መሳርሕታት ብንኡሽቶ ሓይሊ ሰብ ቕልጡፍ ስራሕ ክትሰርሕ ልዑል እጃም ኣለዎም" ብምባል ምህዞ እዘን መናእሰይ ይንእዱ።

ብፍላይ ሓንቲ ኣደ ክትወልድ እንከላ ዝኾነ ሰብ ክርእያ ኣይብሉን ዝብል ልምዲ ኣብ ዘለሉ ሃገር፡ ኣደታት ናጻ ኾይነን ሰብነተን ሰብ ክነኽአን ከም ዘይደልያ ብምግላጽ፡ "ኣደታት ስለዝሽቑረራን ሕጉሳት ስለ ዘይኾናን፡ ሰብነተን ከይፍታሕታሕ ኣኪበን ይሕዘኦ'የን" ይብሉ።

እዚ መሳርሒ ድማ እዚ ጸገም ኣብ ምፍታሕ እጃም ክህልዎ ከም ዝኽእል ሓቢሮም። ኾይኑ ግና፡ ገሊኡ ቴክኖሎጂ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ጽልዋ ክህልዎ ስለ ዝኽእል ብኣግባቡ ክጽናዕ ኣለዎ ይብሉ።

ውድድር መናእሰይ ኣፍሪቃ

ኣፍሪቃውያን መናእሰይ ምህዞ ስርሖም ዘቕረብሉ እዚ ውድድር፡ ኣካዳሚ ሳይንስ መናእሰይ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ማሕበር ምልላይ ሳይንስ ኣብ ኣፍሪቃን፡ ሚኒስቴር ምህዞን ቴክኖሎጅን ብምትሕብባር ዘዳለውዎ'ዩ።

ኣብዚ ንመላእ መናእሰይ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጻውዒት ውድድር 129 ሓሳባት ምህዞ ዝቐረቡ እንትኾን፡ ካብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ መናእሰይ ካሜሩን፣ ቤኒን፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያ፣ ናይጀሪያ፣ ቶጎን ኡጋንዳን ናብ መወዳእታ ዙርያ ሐሓሊፎም።

ስራሕቲ ሕርሻ ዘቀላጥፉ፣ ናይ ገዛ ዐዕዮታት ዘቃልሉ፣ ምስ ወሊድ ብዝተትሓሓዘ ሞት ኣደታትን ህጻናትን ንምንካይ ዝሕግዙን ካልኦትን ድማ ንምርኢት ቐሪቦም።