ዘደንቕ ስጉምቲ ኣብ መርመራ ደም መንሽሮ

ናይ ደም መርመራ እተገብር ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሊቃውንቲ ሳይንስ፡ ነቲ ዝዓበየን ዝለዓለን ሸቶ ምህዞ መድሃኒት ዝሕግዞም ንሸሞንተ ሕማማት ዝርኢ ኣድማሳዊ መርመራ ደም መንሽሮ ንምዕዋት ትስፉዋት ምዃኖም ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ዩኒቨርሰቲ ጆንስ ሆፕኪንሰ ዝርከቡ ጉጀለ ተመራመርቲ፡ ሓደ ኣገባብ ብምጥቃም 8 ዓይነት ሕማም መንሽሮ ብኣግኡ ዝልለየሉ ኣድማሳዊ ኣገባብ ከምዘማዕበሉ ሓቢሮም።

እቲ ራእይ ዓመታዊ ናይ ጥዕና መርመር ብምክያድ ህላወ ካንሰር ብኣግኡ ብምልላይ ሂወት ምድሓን ኢዩ። እቲ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባላ "ኣዝዩ መሳጢ" ኢዩ ኢሎም ክኢላታት ዓዲ እንግሊዝ።

እቶም ኣብ ኣካላት ናይቶም ናይ ካንሰር ሕሙማት ዝርኣዩ ሕበጣት ድማ ገለ ኣሰራት ናይቶም ዝተለወጡ ዲኤንኤ [DNA] ፕሮቲንን ናብቲ ደም ይነጽጉ።

ዋህዮታት ናይ ጡብ መንሽሮ

ምንጪ ስእሊ, Science Photo Library

መግለጺ ስእሊ, ናይ ጡብ መንሽሮ በዚ ሓዲሽ መሳርሒ ክምርመር ይኽእል

እቲ ናይ ካንሰር መርመራ ነቶም ኣብ ካንሰር ዝግሃዱ ናይ 16 ጂን [genes] ለውጥታትን፡ 8 ዝዓይነቶም ፕሮቲን ናብ ኣካላትና ዝንጸጉን ኢዩ ዘተኩር።

ኣብ ልዕሊ 1,005 ብናይ ማህጸን፡ ጸላም ከብዲ፡ ከስዐ፡ ጣፍያ፡ ሻሕለለ፡ ረጒድ መዓንጣ፡ ሳምቡእን ጡብን ሕማም ካንሰር ዝተጥቕዑን፡ እቲ ሓማም ድማ ናብ ካልእ ክፍሊ ኣካላቶም ናይ ዘይተመሓላለፉ ሰባት መርመራ ኣካይዶም።

ብሓፈሻ፡ በቲ ዝተገብረ መርመራ ድማ 70% ሕማም ካንሰር ረኺቦም።

ዶክተር ክሪስቲን ቶማሴቲ፡ ካብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እዚ ኣቕዲምካ ነቲ ሕማም ናይ ምልላይ መስርሕ ኣዝዩ ተነቃፊ ክኸውን ከሎ ውጽኢቱ ግና ኣዝዩ መሳጢ ኢዩ። ከምዝመስለኒ ብካንስር ንዝስዕብ ሞት ኣብ ምንካይ ዓቢ ጽልዋ ክህልዎ ኢዩ"፡ ኢሉ።

ኣቐዲምካ ህላወ ሕማም ካንሰር ምፍላጥ፡ ንኽምፍዋሱ ዘሎ ተኽእሎ የዕብዮ። እዚ ሓድሽ ናይ ካንሰር መርመራ ንሓደ ሕሙም ትሕቲ 500 ዶላር ይውድእ ።