ኮሮናቫይረስ፡ ምሉእ ዓለም ክመሃሮ ዝደሊ ናይ ኮሌጀ ትምህርቲ

ወዲ 59 ዓመት ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ሲሶ ህዝቢ ዓለምና ኣብ ገዝኡ ተወሺብሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ኣጸጋሚ ግዜ ብኸመይ ሕጉሳት ንኽኾኑ ናብ ሳይንስ ተመሊሶም ኣለው።

ብ26 መጋቢት 2020 ጥራሕ 1.3 ሚልዮን ሰባት ብቀጥታ ሳይንስ ጥዕና ንክመሃሩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ያሌ (Yale University) ተመዝጊቦም።

ብዛዕባ ሳይንስ ክትሓስቡ ከለኹም፡ ናብ ሕሊናኹም ዝመጽእ ሓጎስ ወይ ሕጉስ ምዃን ዝብል ዘይክኸውን ይኽእል። ብፍላይ ኮቪድ-19 ካብ ዝመጽአሉ ኣትሒዙ ግን ዘይከሓድ ድልየት ህዝቢ ወሲኹ እዩ።

ብመሰረት ዩኒቨርሲቲ ያሌ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ 26 መጋቢት፡ ካብ ኣሜሪካ ጥራሕ ዝተመዝገቡ ተመሃሮ ቁጽሮም ብ295 ሚእታዊት ዕብየት ኣርእዩ እዩ።

ካብ ካናዳ፣ ህንድን ብሪጣንያንን ዝተመዝገቡ ተመሃሮ'ውን ብብዝሒ ኣለው።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ብኣካልን ብኢንተርነትን [ኦንላይን] እትምህር ፕሮፌሰር ላውሬ ሳንቶስ ኣብ ናይ 300 ዓመት ታሪኽ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ብኢንተርነት ንምምሃር ተመሃሮ ዝተመዝገብሉ እዋን ከም ዝኸነ ብምግላጽ፡ ርብዒ እቶም ተመሃሮ ዝሕዝ ምዃኑ ትዛረብ።

"እቲ ዝገርም ነገር፡ አብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንቲ ዝተርኣየ ነር'ዩ። ካብ መጋቢት 2018 ክሳብ መወዳእታ ለካቲት 2020፡ 500 ሸሕ ተመሃሮ ኢና መዝጊብና። ኣብዘን ሰለስተ ሰሙን እዚአን ግን ልዕሊ ዕጽፊ እዚ ቁጽሪ እዮም ኮይኖም" ትብል።

ስድራቤት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚኦም ካብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ጀሚሩ ክሳብ ሰራሕተኛታት ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡዎም ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ዓለምን ደረጃን ዘለው ዝርከቡዎም ከም ዝኾኑ ገሊጻ።

እታ ፕሮፌሰር፡ እቲ ልዑል ቁጽሪ ምዝገባ ተመሃሮ ኣብ እዋን ቅልውላው ንነገራት መፍትሒ ክህብ ካብ ምድላይ ዝነቅል ከምኡ'ውን ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ክዕጸው ብምኽኣሎም ዝተርኣየ ምዕባለ እዩ ክትብል ትገልጾ።

ሕጉሳት ክትኮኑ ዝሕግዙኹም ማዕዳታት፡

1. ነብሰናን ከባቢናን ምፍላጥ

ንድሕረትን ንቕድሚትን ከይበልኩም ኣብ ውሽጢ ሰብነትኩም ዝስምዓኩም ዘሎ ስምዒት ምስትውዓልን፣ ኣብ ዙርያኹም ብዛዕባ ዝኸውን ዘሎ ነገር ንምፍላጥ ሓሙሽተ ደቓይቕ ውሰዱ።

2. ምስ ሰባት ጥቡቕ ዝምድና ምግባር

ብዛዕባ ተሞኩሮኹምን ተሞኩሮኦምን፡ እንተኽኢልኩም ድማ ብዛዕባ ጽቡቕ ዝኸይድ ዘሎ ነገር ምስ ሰባት ኣዕልሉ። ካብ ጭንቀት ናጻ ምዃን ኣይከኣልን፤ ግን ድማ ንሓደ ሰብ ሎሚ መዓልቲ እንታይ ኣሐጒሱካ?

ኣብ ገዛኹም ውዑይ ማይ ነይሩ'ዶ? ፍሉይ ስምዒት ዝፈጠረልካ ዘነቐዓቕሕ ምስሊ [ቪድዮ] እንታይ ነይሩ? ኢልኩም ምሕታት ትኽእሉ'ዶ?

3. ምምስጋን ተለማመዱ

ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብኣገባብ ዝተፈጸመ ነገር እንታይ ነይሩ? መንከ ዓብዪ እጃም ነይሬዎ? ዝብል ጽሓፉዎ። ሓሓሊፍኩም ድማ እቲ ዝበላዕኹምዎ ወይ ዘሐጎሰኩም ነገር በዓልቲ ቤትኩም ወይ ጎረበትኩም ዘይኮነ፡ ሓደ ዘይትፈልጡዎ ሰብ ዝገበሮ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኣብዚ ግዘ፡ ናይ ሰብኣውነት ስምዒትኩም ከተዕብዩ ምኽኣል ኣገዳሲ'ዩ፤ እዚ ድማ ከም ሓደ ማሕበረሰብ ካብ ሓደ ዘጸግም ኩነታት ንምውጻእ ዘለኩም ዓቕሚ እተለልይሉ ክኸውን ይኽእል።

ተመራመርቲ ሕጉስ ህይወት ዝኾኑ ሙሁራት ባህሪ ሕጉሳት ሰባት እንተጽንዑ፡ ሕጉሳት ዘይኮኑ ሰባት ድማ ተመሳሳሊ መገዲ ተጠቒሞም ክሕጎሱ ይኽእሉ'ዶ ዝብል ኣንፈት የጽንዑ።

ፕሮፌሰር ሳንቶስ፡ መሰረት ዝበዝሓ ሕጉሳት ከይንኸውን ዝገብሩና ነገራት ዝተጋገየ ርድኢት ምዃኑ ትገልጽ።

"ሕጉስ ህይወት ብዘለና ገንዘብ ወይ ቁሳዊ ሃብቲ እንረኽቦ ይመስለና። ናተይ ተመሃሮ ጽቡቕ ውጽኢት ማዕረ ሓጎስ እዩ ኢሎም ይሓስቡ። እንተኾነ፡ ዘካየድናዮም መጽናዕታ እቶም ምኽንያታት እዚኦም ከም ዘይኮኑ የመላኽቱ" ትብል።

ስለዚ፡ ሰባት "ንሕማቓት ክልሰ ሓሳባት ዝህቡዎ ቦታ ንከይዓቢ" ኢና ብዛዕባ ሓጎስ ንምህር ኢላ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ለበዳ ዝርኣየሉአ እዋን "ሰባት ብሓቂ ጽቡቕ ህይወት ንክህልዎም ዘኽእሉዎም ድልየታት ኣብ ምእራም ኢና ነተኩር" ኢላ።

ተመራማሪት ስነ ኣእምሮ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርኒያ ኤሚሊያና ሲሞን-ቶማስ፡ እቲ ዓብዪ ጸገም ዝኾነ ቅልውላው እንተጋጥም ክስዕብ ብዛዕባ ዝኽእል ነገር ርግጸኛ ዘይምዃን እዩ ትብል።

ኮሮና
ኮሮና

ስርዓት ነርቭ ሰብነትና፡ ሓደ ነገር እንተጋጥም ኣብ ከባቢና ምስ ዘለው ነገራት ዝራኸበሉ መገዲ ክእልሽ ብዝገብሮ ኩነታት ዝተሃነጸ'ዩ ኢላ፤ ከም ኮቪድ-19 ዝበለ ብፍጥነት ዝቀያየር ቅልውላው ምስ ዘጋጥም ግን እዚ ኣጸጋሚ ይኸውን።

በዚ ምኽንያት ሰባት፡ ናብ ስራሕ ክኸይድ'ዶ ይኸውን? በቲ ሕማም ክልከፍ ተኽእሎ'ዶ ይህሉ? ስድራይ እንተሓሚሞም ንምሕጋዝ ዓቕሚ ክረክብ ድየ? ብዝብሉ ጥርጣረታት ይስዓሩ።

እዚ ሕማም ድማ፡ ናይ ሰባት ምርኻባት ብኣካለዊ ምርሕሓቕ ክድረቱ ስለ ዝገበረ፡ ብጭንቀትን ጥርጣረን ክትውጠር ናይ ምግባር ተኽእልኡ ዓብዪ እዩ። ስለዚ እንታይ ኢና ክንገብር ዘለና?

"እቲ ደስ ዘብል ዜና እዚ ብ1918 ዝነበረ ጉንፋዕ ኣይኮነን፤ ምስ ሰባት ከራኽና ዝኽእል ቴክኖሎጂ ኣለና እዩ። ብኣካል እንተዘይኮነ'ውን ኣብ ትኽክለኛ ሰዓት ግን ናይ ሰባት ሰሓቕን ስምዒታቶምን ክንርእዮ ንኽእል፤ ንርከብ'ውን" ትብል ፕሮፌሰር ሳንቶስ።

ኣብ ከምዚ ሕጂ ምዕጻው ምንቅስቓሳትን ካብ ገዛኻ ዘይምውጻእን ዝበሉ ኣጋጣሚታት፡ ሰባት ከም ዝተርሓሓቑ ጥራሕ ንከይሓስቡ ዝገብሩዎም መገዲታት ብምጥቃም ድማ እቲ ጊዜ ንክሓልፉዎ ሰብ ሞያ ይምዕዱ።

ዛንታ ኣብ ተውሽቦ ኮይኖም ብመስኮት ተቐልቒሎም ዝደርፉ፣ ሰሰናዩ ዝምነዩ ጥልያናውያን ርእሰ ዜና ዓለም ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ብሕታውነቶም ንክርስዑን ተስፋ ንከሕድሩን ይገብር ካብ ዘሎ ፍጻሜታት እዚ ዓለም ኮይኑ ይጥቀስ።