ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ኣመልኪታ መምርሒ ኣውጺኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ኮሮናቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከይመሓላለፍ ንምክልኻልን፡ ከምኡ'ውን ብመሰረት መምርሒ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ንኹለን ኣብያተክርሰትያን ካብቲ ህዝቢ ዝሳተፎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንግዚኡ ደው ኣቢልዎ ከምዘሎ ገሊጻ።
ኣገልገልቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ኮይኖም ስርዓተ ጸሎቶም ክፍጽሙን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ብመጒልሒ ድምጺ ክከታተል ኣተሓሳሲባ። ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ዓለም ሃያማኖታዊ ኣገልግሎታት ብመንገዲ ኢንተርነት ብቐጥታ ከምዝመሓላለፍ ኮይኑ'ሎ።
ኣብ ኤርትራ ግን ኣገልገሎት ኢንተርነት ኣዝዩ ድኹም ብምዃኑ ከምዚ ዓይነት ኣግልግሎት ክህብ ዓቕሚ የብሉን።
ብተወሳኺ፡ ዘይተርፍ ስርዓተ_ቤተክርስትያን ዝህቡ ካህናት ግቡእ መከላኸሊ ክጥቀሙ እቲ መግለጺ ጸዊዑ።
ብዛዕባ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ድማ፡ እቲ ሬሳ ብውሑዳት ሰባት ተሰንዩ ንቤተክርስትያን ክመጽእን፡ በቶም ውሑዳት ሰባት ድማ ክቕበር ኣተሓሳሲባ።
ኩሉ ኣብ ግዜ ቀብሪ ዝግበር ባህላዊ ልማዳትን ማሕበራዊ ውራያትን ንግዚኡ ደው ክብል'ውን እታ ቤተ-ክርስትያን ተማሕጺና።
እዚ ብዓርባዕተ ኣቡናት ዝተፈረመ መምርሒ፡ ህዝቢ ኩሉ ብሚኒስትሪ ጥዕና ዚወሃብ መምርሒታት ብዕቱብ ከተግብሮ ተላብዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







