ኮቪድ-19፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት 'ን28 መዓልታት ክጸንሕ ይኽእል'

ሞባይል ስልኪ ዘጽርይ ዘሎ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮቪድ-19 ከምጽእ ዝኽእል ቫይረስ ኣብ ከም መተዓዳደጊ ገንዘብ፣ ናይ ሞባይል ስልክን ዘይዝዕጉ ሓጺንን ን28 መዓልታት ብህይወት ክጸንሕ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ኣፍሊጦም።

ሃገራዊ ኤጀንሲ ሳይንስ ኣውስትራሊያ ኣብ ዘውጽኦ መጽናዕቲ 'ሳርስ - ኮቭ-2' ዝብል ሳይንሳዊ መጸውዒ ዝተዋህቦ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ እንግምቶ ንነዊሕ ሰዓታት ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት ክጸንሕ ይኽእል’ዩ ይብል።

ኮሮናቫይረስ ሰባት ክስዕሉ፣ ከሀንጥሱ ወይ ድማ ብዘይ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክዘራረቡ ከለው ካብ ኣፎም ክወጽእ ብዝኽእል ነጠብጣብ ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ይፍለጥ።

እንተኾነ፡ እዚ ሓድሽ መጽናዕቲ ተመራመርቲ እቲ ቫይረስ ካብቶም ብኣእዳው እንነኻኽኦም ናውታት ክሓልፈሉ ዝኽእል መጠን ልዕሊ እቲ ክንግምቶ ንኽእል እዩ ተባሂሉ።

ቅድሚ ሕጂ ተመራመርቲ ብርሃን ኣልትራ ቫዮሌት (ዩቪ) ነቲ ቫይረስ ክቐትሎ ከም ዝኽእል ተዛሪቦም ነይሮም።

ቅድም ኢሎም ብዝተኻየዱ መጽናዕታት’ውን ኮሮናቫይረስ ኣብ መተዓዳደጊ ገንዘብን ጠራሙዝን ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ መዓልታት ከምኡ’ውን ኣብ ፕላስቲክን ዘይዝዕጉ ነገራትን ድማ ክሳብ ሽዱሽተ መዓልቲ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ’ዩ።

እዞም ኣውስትራሊያውያን ተመራመርቲ ኣብ ዘካየዱዎ መጽናዕቲ ግን እቲ ቫይረስ ኣብ ጸልማትን 20 ዲግሪ ሴልሽየስ ሙቐት ኣብ ዘለዎን ክፍሊ ከምኡ'ውን ኣብ ጠራሙዝን ቴሌፎንን ክሳብ 28 መዓልታት ክጸንሕ ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም።

ኮሮናቫይረስ ሙቐት ኣብ ዘለዎ ክፍሊ እንተኾይኑ እውን ንነዊሕ ሰዓት ክጸንሕ ከም ዝኽእል እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

40 ዲግሪ ሴልሽየስ መጠን ሙቐት ኣብ ዘለዎ ክፍሊ ዝተቐጠ ቫይረስ ክሳብ 24 ሰዓታት ናብ ሰባት ክመሓላለፍ ይኽእል እዩ።

ብኣንጻሩ፡ ሰዓል ዘምጽኡ ቫይሳት ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት እንተተቐሚጦም ክሳብ 17 መዓልታት ክጸንሑ ይኽእሉ። እቲ ቫይረስ ኣብ ዓለባ ንልዕሊ 14 መዓልታት ከም ዝጸንሕ እቲ መጽናዕቲ ገሊጹ ኣሎ።

ስለዝኾነ ድማ ሰባት ብተደጋጋሚ ሞባይሎም ብዝግባእ ከጽርዩን ኢዶም ክሕጸቡን ከም ዘለዎም ብምዝኽኻር፡ ጥንቃቐ ክግበር ኣተሓሳሲቦም።

እንተኾነ ነዚ መጽናዕቲ ዝቃወሙ ሰብ ሞያ ኣለው።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርዲፍ፡ ሰዓል ኣብ ዘምጽኡ ቫይረሳት ዝምልከት መጽናዕቲ ዘካይድ ዝነበረ ፕሮፌሰር ሮን ኢካልስ፡ እቲ ቫይረስ ን28 መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት ክጸንሕአ እዩ ምባል ሰባት ንዘይተደለየ ምስንባድ ክቃልዑ ምግባር እዩ ኢሉ።

እቲ ፕሮፌሰር ሰባት ዝስዕሉ ወይ ዘሀንጥሱ እንተኾይኖም እቲ ቫይረስ ካብ ሰብነቶም ብዝወጽእ ራሕሲ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ክመሓላፍ ከም ዝኽእል ክዝንጋዕ ከምዘይብሉ የረድእ።

ፕሮፌሰር ማይክሮባዮሎጂ ዝኾነ ኢማኑኤል ጎልድማን ድማ እቲ ቫይረስ ኣብ ዝተፈላለዩ ብኢድና እንተናኽፎም ኣቑሑ ጸኒሑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምትሕልላፍ ዓቕሙ ኣዝዩ ትሑት እዩ ይብል።

ነቲ ኣብ ጸልማትን መጠን ሙቐትን ተጠቒሙ ዘካየዶ መጽናዕቲ ድማ “ንሕና እንነብረሉ ዓለም ኣብ ግምት ዘዕተወ መጽናዕቲ ኣይኮነን” ክብል ነጺጉዎ።