“ቅድሚ ኮቪድ፡ ኣብ ላዕልን ታሕትን ዓራት ሸሞንተ ሰባት ንድቅስ ነይርና- ሕጂኸ?”

ምንጪ ስእሊ, PNetabay/MOI
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሕማም ኮሮናቫይረስ፡ ብሰንኪ ስግኣት ለበዳ ዝተቛረጸ ኣካዳምያዊ ዓመተ ትምህርቲ 2019/2020 ብግቡእ ንኽውዳእ ናይ 10 ሳምንታት ሕጽረት ዝለዘኸተለ፡ ተማሃሮ ናብ ዝቕጽል ክፍሊ ንኽሓልፉ፡ ቅድሚ ምጅማር ኣካዳምያዊ ዓመት 2020/2021 ናይ ግድን ንዝተረፎም ትምህርቲ: ክውድእዎ ከምዘለዎም፡ ስለዘኾነ፡ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ኣብ 6 ሓምለ ተማሃሮ ኮሌጃት ድማ 13 ሓምለ ትምህርቶም ዳግም ክጅምሩ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ: ኣቶ ሙሳ ናይብ ብዝሃቦ መግለጺ ከኣ ተማሃሮ ኮሌጃትን ቴክኒክን ተማሃሮ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ እታ ሃገር ትማሊ ሽዱሽተ ሓምለ ስሩዕ ትምህርቶም ጀሚሮም ኣለው።
ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ዓስራይ ክፍሊ ዝመሃር ሰሚር፡ ትምህርቲ ክጅምር'ዩ ምስ ተሃባለ ንኣዋርሕ ምስ ዝተፈልዮም ደቂ ክፍሉ ንክራኽበ ከምዝተሃንጠየ ይገልጽ። ተቐማጢ ከተማ ባጽዕ ተማሃራይ ኮሌጅ ኢንስቲትዩት ኤርትራ (ማይ ነፍሒ) ግን፡ ዳግማይ ትምህርቲ ምጅማሩ ጽቡቕ ነገር እኳ እንተኾነ ግን፡ " እቲ ሕማም ምትእኽኻብ እዩ ዝጸልእ፡ ንሕና ድማ ካብ ኩሉ ዞባታት ኣብ ሓደ ተኣከቡ ንብሃል ስለዘለና ስክፍታ ኣለኒ" ይብል።
ኣብ ኮሌጅ ሕርሻ ሓመልማሎ እትምሃር ነባሪት ደቀምሓረ ብወገና "ቅድሚ ኮቪድ፡ ኣብ ሓደ ክፍሊ ኣብ ላዕልን ታሕትን ዓራት ክሳብ ሸሞንተ ሰባት ኢና ንድቅስ ነይርና፤ ሓደ ሓደ ግዜ'ውን ኣብ ሓደ ዓራት ክልተ ሰባት ንድቅሰሉ እዋን ነይሩ፤ ብዛዕባ'ዚ ተሓሲቡሉ ክኸውን እትስፎ" ክትብል ስግኣታ ሓቢራ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 215'ዩ በጺሑ ዘሎ፡ ካብዚኦም እቶም 56 ሰባት ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ክፋነዉ እንከለዉ 159 ድማ ኣብ ትሕቲ ሕክምና፡ ሕክምናዊ ናብዮት ኣብ ምርካብ ይርከቡ።
ዝርገሐ እዞም ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብዞባ ምስ እንርእዮ፡ ብጀካ ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ዞባ ጋሽባርካ፡ ዞባ ደቡብ፡ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕርን ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ተራእዩ እዩ።
ተማሃሮ 11 ክፍሊ ኣብ ዘዘበኦም ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ እዮም ዝምሃሩ፡ ተማሃሮ ኮሌጃትን ግን ነተን ኣብ ዞባ ማእከል (ሰለስተ) ኣብ ዞባ ደቡብ (ክልተ) ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ(ሓንቲ) ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ዓንሰባ(ሓንቲ) ዘለዋ ኮሌጃት ከይዶም ክምሃሩ እዮም ዘለዎም።
በዚ መሰረት ናይ ኮሌጃት ትምህርቲ ክጅምር እንተኮይኑ ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብ ሽዱሽተኤን ዞባታት ዝመጽኡ ተማሃሮ ክትረክብ ንቡር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተማሃራይ ኮሌጅ ኢንስትትዩት ኤርትራ (ማይ ነፍሒ) "እዚ ሕማም ንበይንኻ ስለዝተጠንቀቕካ ጥራይ እትወጽኦ ኣይኮነን፡ ጥንቓቀ ናይ ነብሲ ወከፍ ሰብ እዩ ሓባራዊ ጥዕና ክሕሉ ዝኽእል: ኣብ ኤርትራ ብኮሮናቫይረስ 'ሬድ ዞን' ዝብሃል የለን፡ ምስ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጸአ ሰብ [ተማሃራይ] ክትራኸብ ግን ዝፈጥሮ ስክፍታ ኣሎ" ይብል።
ኤርትራ ኣብ 2 ምያዝያ ምሉእ ዕጽዋ ምስ ኣወጀት ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብ 39 በጺሑ እዩ ደው ኢሉ ነይሩ፡ እቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዝነበሩ 39 ሰባት ምሉእ ንምሉእ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ምስ ተፋነዉ ድማ ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ሳምንታት ዝኾነ ሕሙም ይኹን ተሓካሚ ኮሮናቫይረስ ዘይብላ ኮይና ነይራ።
ኣብ ኣስመራ ሓሓሊፉ መርመራ ምስ ተኻየደ ግን ክልተ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም።
እቲ ቁጽሪ ካብ 42 ናብ 215 ክብ ዝበለሉ ግን፡ ካብ ሱዳን ኢትዮጵያ ጅቡትን የመንን ብፍኑው ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣተዉ ምኳኖም ኣብ መመዓልቱ ካብ ሚኒሰትሪ ጥዕና ኤርትራ ዝውሃብ ሓበሬታታት የመልክት።
እዚ እናኾነ እቲ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኮነ ዕጽዋ ሕጂ'ውን ብወግዒ ኣይተላዓለን ዘሎ። "ህዝቢ ኣብ ዕጽዋ ኣንከሎ ትምህርቲ ምኽፋት ድኣ ከመይ'ዩ?" ዝብል ሕቶ ድማ ብዙሓት ጉጅም ክብልሉ ይስምዑ እዮም።
ተቓማጢ ካምፓላ ኤርትራ እስማዒል በሪህ "ኣነ ኣብ ቀዳምነት ምስራዕ ጌጋ ዘሎ ኮይኑ ይስምዓኒ" ይብል።
"ሰብ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ዕጽዋ እዩ ዘሎ፡ ክንደይ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝነብር ዝነበረ ሰብ ከኣ: ኣይኮነን ኣብ ከም ኤርትራ ብሰንኪ ውሑድ ደሞዝ ንጽባሕ ዘይተዓቑረሉስ፡ እተን ንዜጋታተን እኹል ዝኸፍላ ሃገራት'ውን ህዝበን ተጠላቕዮም እዮም" ይብል።
እስማዒል ብምስዓብ "ትምህርቲ ምኽፋት ዘይኮነስ ነቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ገዝኡ ተዓጽዩ ዘሎ ህዝቢ ነዛ ድራር እለቱ ክሰርሕ እንተዝፍቀደሉ እዩ ዝሓሸ ነይሩ" ይውስኽ።
ብዙሓት ሃገራት ንኮሮናቫይረስ 'ተቆጻጺርናዮ' ኢና ኣብ ዝበላሉ እቲ ለበዳ ዳግማይ ክደግሰን ተራእዩ እዩ፡ ስክፍታ እስማዒል'ውን ካብዚ ዝነቐለ'ዩ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ ከተማ በይጂንግ ንልዕሊ 50 መዓልታት ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከየጋጠማ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሓደሽቲ መልከፍቲ ስለዝበዝሐ ሓደ ክፋል ናይታ ከተማ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ከምዝኣቱ'ዩ ተገይሩ።
ኣብቲ ዢንፋዲ ዝበሃል ዕዳጋ ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 517 ሰባት፡ እቶም 45 ብኮቪድ-19 ከምዝተለኸፉ ተረጋጊጹ፡ እንተኾነ ብምልኦም እቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዝጸንሑ ነበርቲ በይጂንግ ዝኾነ ምልክታት እቲ ሕማም ዘይተራኣዮም እዮም ነይሮም።
ኤርትራ'ውን እቲ ለበዳ ካብ ጎሮባብታ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመለሱ ዜጋታት ይርአ ስለዘሎ ምስ ምጅማር ትምህርቲ ነቲ ለበዳ ከየብእሶ ስክፍታ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







