ኣመሪካውያን ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝእግድ መምርሒ ይዝተየሉ'ሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣምባሳደራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ምኽፋት ዶባት ናይ'ቲ ሕብረት ክዝትዩ'ዮም።
ኣብቲ ካብ 1 ሓምለ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ ዝተወሰና ትሑት ለበዳ ኮቪድ-19 ሃገራት ዝመጽኡ በጻሕቲ ናብ ኣባል ሃገራት ናይ ሕብረት ክገሹ ክፍቀደሎም'ዩ።
ዜጋታት ናይታ፡ ልዑል መጠን መልከፍቲ ዝራኣየላ ዘሎ ኣመሪካ ግን፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዝርዝር ከም ዘይኣትዉ ግምታት ኣሎ።
ከም ብዓል ሩስያን ብራዚልን ዝበላ ሃገራት'ውን ካብቲ ዝርዝር ክወጻ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ እቲ ቫይረስ ብናህሪ ይላባዕ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ብራዚል እታ ኣዝያ ዝተሃሰየት ሃገር ናይቲ ዞባ ኮይና'ላ። ብዓለም ደረጃ'ውን፡ ብቑጽሪ ሞት ካብ ኣመሪካ ቀጺላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ'ላ- ዛጊት ልዕሊ 50, 000 ሞይቶም ኣለዉ።
በዚ መሰረት፡ ብራዚል፡ ፐሩ፡ ቺለ፡ ፓናማን ስዑዲ ዓረብን እተን ዝኸፍአ ለብዒ ዝተራእየለን ተባሂለን በቲ ሕብረት ተኸፊለን ኣለዋ።
ኣብ ኣመሪካ፡ መጠን ሞት ልዕሊ 120,000 ክበጽሕ እንከሎ፡ ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ዜጋታት ተለኺፎም ኣለዉ።
ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ሓያል ደግሲ ክረአ ምጅማሩ'ውን ንሰብመዚ ጥዕና ኣሻቒሉ ይርከብ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነቲ ኣብ ቅልውላዉ ኣትዩ ዘሎ ቁጠባ ናይቲ ዞባ ንምብርባር፡ በጻሕቲ ክኣትዉ ንምዕዳም'ዩ ነቲ ስጉምቲ ዝወስድ ዘሎ።
ሃገራት ኣውሮጳ፡ ካብ 15 ሰነ ጀሚረን'የን ንበጻሕቲ ዶባተን ክኸፍታ ጀሚረን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







