'ዓለም ዓቕምታት ሓባር ዝጠልብ ኮቪድ ዝበሃል ጸላኢ ኣለዋ!'

ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት እትርከብ 'ዝተቖጽረት ብረት'

ምንጪ ስእሊ, UN

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት እትርከብ 'ዝተቖጽረት ብረት'- ብስዊድናዊ ካርል ሮይተርስዋርድ ዝተሰርሐት

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ካብ 1981 ኣትሒዙ ን21 መስከረም ከም መዓልቲ ሰላም ክትበዓል ወሲኑ ይሰርሕ ኣሎ። ኣብዛ ዕለት ከኣ ዋላ እውን እተን ኣብ ቀጥታዊ ግጭትን ኲናትን ዘለው ሓይልታት ን24 ሰዓታት ተዅሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ ክፍጽሙ ይጽውዕ።

እዛ ዓመት እዚኣ ብዘይካ እዚ ዓለማዊ ሓደጋ ኮይኑና ዘሎ ቫይረስ ንሓድሕድና ጸላእቲ ከምዘይኮንና ዘርኣየት ዓመት እያ።

ነብሲ ወከፍና ኣብዛ ፕላኔት እንነብር ሰባት ኮቪድ ብዝስመ ሓባራዊ ጸላኢ ንህደንን ንህደድን ኣሎና። ሓድሕዳዊ ጸገማት ብዘተን ልዝብን ክፍታሕ ይከኣል እዩ። ለበዳ ኮቪድ ግን ብሓባራዊ ዓቕምን ፍልጠትን ጥራሕ እዩ ዝግጠም።

ሎሚ ዝኾነት ትኹን ሃገር ንበይና ተነጺላ ንዝርገሐ ኮቪድ ክትዓግቶ ኣይትኽእልን እያ። ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ " ኩሎም ብዕጥቂ ብረት ዝጋጠሙ ዘለው መቐናቕንቲ ኮቪድ ንምምካት ኲናት ደው ከብሉን ናብ መኣዲ ዘተ ክምለሱን ጸዊዑ። እቲ መልእኽቲ ግን ናብ ዕጡቓት ሓይልታት ጥራሕ ዝቐንዐ ኣይኮነን። እንኮላይ ነቶም በትሪ ዘወጣውጡን ዝፋጠጡን ዘለው ሓይልታት ዝምልከት እውን እዩ።

"ሎሚ ናብ ሓድሕድ መቐናቐንቲ ዝትኮስ ጥይትን ቦምባን ክሳራ እዩ" ይብል ጉተርስ። " ትማሊ እውን ክሳራ እዩ ኔሩ። ግን ከኣ ታሪኽ ዓለምና ታሪኽ ኲናትን ህውከትን እዩ" ይብል ዳዊት። ዓለም ካብቲ ሚልዮናት ትንፋስ ዘጥፈአ ክልተ አዕናዊ ኲናት ዓለም ንደሓር ግን ተመሳሳሊ ሓደገኛ ኲናት ሳልሳይ ዓለም ከይስዕብ ባይቶ ሕቡራት ኣቚማ፡ ሃገራት ብሕጊ ክሕየባ ዘገድድ ኣድማሳዊ ውዕል ከቲመን።

ኣርማ ሰላም ዝኾና ረጋቢት ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ኒውዮርክ

ምንጪ ስእሊ, UN

መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ሰላም ዝኾና ረጋቢት ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ኒውዮርክ

" ፍቱን መድሃኒት ጎንጽን ግርጭትን ዝኾነ ዘተን ልዝብን እናሃለወ፡ ናብ ቦምባን ጥይትን ዘኽይድ ምኽንያት ክህሉ ኣይግባእን። እተን ብኲናት ዝተዳመያ ሃገራት ዳሕራይ ንጉዳያተን ሕጋዊ ልባስ ከልብሳ ናብ ሕግን ዳኝነትን ድምጸ ህዝብን እየን ዝኸዳ" ይብል ኪኢላ ኣፈታትሓ ግርጭት ኣቶ ኤልያስ ብዛዕባ'ዚ ኣርእስቲ እንክዛረብ።

ቀደም እውን፡ እቲ ኲናት ናይ መወዳእታ ምርጫ ክኸውን ኣለዎ እዩ ዝበሃል እሞ ከም ምርጫ እውን ክቕመጥ ኣይምተገበኦን። ምኽንያቱ፡ ዝኾነ ሓይሊ ዝተሰመዖ ዘበለ ዘተን ልዝብን ተሓሲሙ ናብ ሓይልን በትርን ስለዝኣቱ፡ ክብል ከኣ ርእይቶኡ ይውስኽ።

ኣብ እዋን ኮቪድ እምበኣር እቲ ሓባራዊ ጻዕሪ፡ ነቲ ካብ ጻት ንጻት ንዓለምና ኣንቀጥቂጡ ዘሎ፡ ዛጊት ክታበትን መድሃኒትን ዘይተረኽቦ፡ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ቀዚፉ፡ ኣብ ዝቕጽል ማዕበል-ደግሲ ካልእ ሚልዮን ህይወት ከይልክም ዘፍርሕ ዘሎ ኮቪድ ምምካት እዩ።

እቲ ከም ዕጥቅን ኣጽዋርን ዝረአ ንዋት ዓለም፡ ሓንጎልን ፍልጠትን ንለበዳ እቲ ቫይረስ ዝከላኸል ክታበትን መድሃኒትን ኣብ ምድላው ክውዕል ይግባእ። እቲ ዕርድን መከላኸልን፡ ትካላት ጥዕና፡ ሆስፒታላትን ክሊኒካትን፡ እቲ ሰራዊት ከኣ እቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ነቲ ለበዳ ዝገጥምዎ ዘለው ሞያውያን ሰራሕተኛታት ጥዕና እዮም።

ንሕቡራት ሃገራት፡ ዓመተ 2020፡ ዓመ ትምህርትን ምድምማጽን እያ። እቲ ኣብ 1945 ድሕሪ ደጊም አዕናዊ ኲናት ከይኽሰት፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን አህዛብ ዓለም ሰብኣዊ መሰላቶም ተኸቢሩ ዝበለጸ ናብራ ክነብሩ ንኽጽዕት ቤት ሓባር፡ ቤት ዘተን ልዝብን ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ክኸውን ዝቖመ ማሕበር ዋላ'ኳ ብዙሕ ክዕረን ክኽለስን ዘለዎ መዳያት እንተለዎ ኣብ ዓለም ሰላም ንምስፋን ዝከኣሎ ይገብር ከምዘሎ ሰነዳት ይዛረቡ።

ስለዝኾነ እቲ ባይቶ ኣብ መበል 75 ዓመታት ምምስራቱ፡ " ኣብ እዋን መኸተ ኮቪድ ድምጺ ሰላም ልዕሊ ማንም እዋን ኣገዳሲ እዩ። ህዝቢ ዓለም ኣብ ጉዳይ ሰላም ክዝትን ክዘራረብን ይግባእ" ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ቴማ ሰላም 2020 ከኣ ንሰላም ብሓባር ንቕረጻ ብሓባር ከኣ ንስርሓላ ዝብል እዩ። ነዛ መዓልቲ ብመልእኽቲ ሰላምን ፍቕርን ትሕትናን ኣኽብሮትን ንምልኣያ።

ኮቪድ ከይንቀራረብ የረሓሕቐና ኣሎ። ንሕና ከኣ ብሓባራዊ ዓቕምን ፍልጠትን ዘቀራርበና ክታበትን መድሃኒት ብምፍራይ ናብ ንቡር ህይወትና ክንምለስ ክንጽዕር ይግባእ። ዕድልናን መጻኢናን ብሓባር ስለዝኾነ ብሓባር ክንሓልም ግዴታ እዩ" ይብል እቲ ንሰላም ዝጽውዕ ሰነድ።

'ኣብዚ እዋን እዚ ንዓለምና ተስፋ እዩ ዘድልያ ዘሎ። ተስፋ ካብ ነብሲ ወከፍና፡ ተስፋ ካብቶም ዝያዳ ሓላፍነት ዘሎና ፖለቲካውያንን ማሕበራውያን መራሕትን፡ ተስፋ ካብ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣቦታት ሰላምን ይብል ኤርትራዊ ኣቶ ኤልያስ።

ሰላም ኣብ ዘለዋ ሃገርን ሕብረተሰብን ዕቤትን ምዕባለን ኣሎ። ሰላም ዝፈጥሮ ቁጠባዊ ዕድላት መዘና የብሉን። ንኣብነት ቅድሚ ክልተ ዓመት ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ምስተረጋገጸ፡ እቲ ንዕስራ ዓመት ቁጠብኡ ተረሚሱ፡ ሰላሙ ተሓሚሱ ዝጸንሐ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት "ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ" ኮይኑሉ፡ ወፊሩ ክኣቱ፡ ገይሹ ከምለስ ተመንዩ።

"መንደቕ ጽልኢ ብፍቕሪ ተሳዒሩ'ሎ" ምስ ተባህለ ሰበስልጣን ክልቲኡ መንግስታት ሕጂ ኣድህቦና ናብ ልምዓት እዩ። ነቲ ዝጠፍአ ግዜ ንምክሕሓስ ብዕጽፍታት ክንሰርሕ ኢና" እዮም ኢሎም።

እቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዘይፍትሓዊ ዝብሎ እገዳ ምስ ተላዕለ፡ እቲ ንዕድላት ወፍሪ ኤርትራ ዓንቂጹ ዝጸንሐ ኩነተ 'ኣይ-ሰላም ኣይ-ኲናት' ብወግዒ ስለዘብቀዐ፡ ዕድላት ወፍሪ ዝድህስሱ ሰብ ጸጋ ነጋዶ ጎዶቦ ናብ ኤርትራ ኣቕኒዖም።

ንዓመታት ደስኪሉ ዝጸንሐ ንጥፈታት ህንጻ ክኽፈት፡ ተሰሪቶም ሓዲግ መዲግ ዝጸንሑ ህንጻታት ክዛዘሙ፡ ጽገናን ክንክንን ዘድልዮም ኣባይቲ ክሕደሱ፡ መሳርሒ ህንጻ፡ ቴንዲኖን ቸሜንቶን ከኣቱ፡ ሞያውያንን ሰራሕተኛታት ጉልበትን እቲ ጽላት ክንቀሳቐሱ፡ ቁጠባ ሃገር ክበራበር ትጽቢት ተገይሩ።

ዘቤታዊ ትሪዝም ክበራበር፡ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ብገያሾ ከዕለቕልቕ፡ ሃብቲ ባሕሪ ክምዝመዝ፡ ወደባትን ማርሳታትን መራኽብ ገያሾን ጽዕነትን ከአንግድ፡ ሆቴላትን ኣብያተ መግብን ክሰርሕ፡ ማእከላት መዘናግዒ ክኽፈት ሽቕለት በሽ-በሽ ክብል ትጽቢት ተገይሩ። ንግዚኡ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት እኳ እንተተሰናኸለ ውዒሉ ሓዲሩ ግን እቲ ዕድላት ክኽፈት እዩ - ርሑቕ ከኣ ኣይክኸውንን እዩ ይብል ቢንያም ኣስመራ።

ካብን ናብን ምንቅስቓስ ሰባት ዘበራብር ቱሪዝም ንኹሉ ዓይነት ንጥፈታት መጓዓዝያ እውን የንቀሳቕሶ እዩ። ናይ ምድሪ ሰማይን ባሕርን መሳለጥያታት መጓዓዝያ፡ ነፈርቲ፡ ተሽከርከርቲ፡ መራኽብን ጃላቡን ካብን ናብን ሰብን ንብረትን ብምጉዕዓዝ ንቑጠባ ሃገር ሙቐት ይፈጥራሉ።

እዛ መዓልቲ ከኣ ነተን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዕርቂ ብምእዋጀን ሰላም ዘንገሳ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ሰላም ንህዝቢ ሓንቲ ሃገርን ጎረባብትን እንታይ ዓይነት ክብሪ ከምዘለዎ ኣብ ጽንብል ምኽፋት ዶባት ተራእዩ እዩ ዝብል ዳዊት፡ ሕጋዊ ብዝኾነ ዘየማትእ ሕግን ስርዓትን እቲ ተኸፊቱ ዝተዓጽወ ዶባት ዳግማይ ክርሖን ምሉእ ሰላም ክኸውንን ምንዮቱ ይገልጽ።