ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ‘ታሪኻዊ’ ሽልማት ኖቤል ኬሚስትሪ ተዓዊተን

ኢማኑኤላ ቻርፐንተርን ጀኒፈር ዶውናን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢማኑኤላ ቻርፐንተርን ጀኒፈር ዶውናን፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ምዕራይ ሰረት ዘርኢ ብዝገበረኦ ኣበርክቶ፡ ሽልማት ዓውዲ ኬሚስትሪ ዝተማቐላ ፈላሞት ተመራመርቲ ኮይነን ኣለዋ

ሰረት ዘርኢ (ጂን) ንምዕራይ ዘኽእል መሳርሒ ዝመሃዛ ክልተ ተመራመርቲ፡ ተዓወትቲ ሽልማት ኖቤል ኬሚስትሪ 2020 ኮይነን።

ተመራመርቲ ኢማኑኤላ ቻርፐንተርን ጀኒፈር ዶውናን፡ ኣብ ቴክኖሎጂ ምዕራይ ሰረት ዘርኢ ብዝገበረኦ ኣበርክቶ፡ ሽልማት ዓውዲ ኬሚስትሪ ዝተማቐላ ፈላሞት ተመራመርቲ ኮይነን ኣለዋ።

እቲ "መቐዝ ሰረት ዘርኢ" ('ጀነቲክ ሲዘርስ') ዝብል ሽም ዘለዎ ምህዞ፡ ኣብ ናይ ህይወታውያን መፈጠር (ዲ-ኤ-ንኤ) ኣድላዪ ምስትዕርራይ ንምግባር ዘኽእል እዩ።

እዘን ተመራመርቲ ነቲ ዝወሃበን ሽልማት 10 ሚልዮን ክሮና (1,110,400 ሚልዮን ዶላር) ክማቐላኦ እየን።

ፕሮፌሰር ኢማኑኤላ፡ ነቲ ዜና ምስሰምዐት ኣዝያ ከምዝተሓጎሰት ብምግላጽ ''መጀመርታ ክትሰምዖ ብጣዕሚ ዘገርም እዩ፤ ናይ ብሓቂ ኣይመስለካን፡ ግን ድማ ሓቂ እዩ'' ኢላ።

ፕሮፌሰር ቻርፐንተር ብወገና ''ብፍላይ ብመገዲ ሳይንስ ንምጉዓዝ ድልየት ንዘለወም መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ኣወንታዊ ትርጉም ከምዝህልዎን፡ ኣብ ሳይንስ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ብዘካይደኦም መጽናዕቲታ ኣበርክቶ ክገብራ ከምዝኽእላን ከምዘርእይ ተስፋ ይገብር'' ኢላ።

ባዮኬሚስት ፐርኔላ ዊቱንግ-ስታፍሼድ፡ ኣብ ኣበርክቶ እዘን ተመራመርቲ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ'' ዲ-ኤን-ኤ ኣብ ዝደለኻዮ ቦታ ምቑራጽ ምኽኣል ኣብ ሳይንስ ህይወታውያን መሰረታዊ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ'' ኢላ።

ነቲ መስርሕ ምእራም መፈጠር ዘርኢ ስነጥበባዊ ምስሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነቲ መስርሕ ምእራም መፈጠር ዘርኢ ስነጥበባዊ ምስሊ

ፕሮፌሰር ቻርፐንተር ኣብ ባክተርያ መጽናዕቲ ኣብ እተካይደሉ እዋን ቅድሚኡ ዘይፍለጥ 'ሞለኪዩል' ረኺባ፤ ኣካል እቲ ተፈጥሮኣዊ ስርዓት ምክልኻል እቲ ህይወታዊ ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጻ።

እቲ CRISPR-Cas ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስርዓት ንዲ-ኤን-ኤ ቫይረሳት እናነጸለ ጉድኣት ከም ዘየብጽሑ ይገብሮም፤ ከም ጀነቲካዊ መቐዝ ምዃኑ እዩ።

ኣብ 2011 (ኣውሮጳ) ፕሮፌሰራት ቻርፐንተርን ዶውላን፡ ናይቲ ባክተርያ ጀነቲካዊ መቐዝ ደጊምካ ንምስራሕ ብሓባር መጽናዕቲ ጀሚረን። ሞለኪዩላዊ ትሕዝቶ እቲ መቐዝ እውን ንምቕላል ሰሪሐን።

ብተፈጥሮኦም መቐዛት እቲ ባክተርያ ንጂን እቲ ቫይረስ የለልይዎ እዮም። እተን ተመራመርቲ ግና እቶም ባክተርያታት ኣብ ዝደለኻዮ ሞለክዩል እቲ ቫይረስ ንክቖርጹ ምግባር ከምዝከኣል ኣርእየን።

ነቲ ዲ-ኤን-ኤ ምቑራጽ ድማ ኮድ እቲ ህይወታዊ ምቕያር ዘኽእል እዩ።

ጂን ምእራም ከምዝተኽኣለ ዝገልጽ ኬሚስት ክሌስ ጉስታሰን፡ ጀነቲከዊ ሕማማት ምሕካም ይልመድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እዘን ተመራመርቲ፡ እቲ ኣብ 2012 ዝረኸበኦ ጀነቲካዊ መቐዝ፡ ኣብ ብዙሕ ጥቕሚታት እዩ ዝውዕል ዘሎ።

ኣብ ምርካብ ሓደሽቲ መሐከሚታት መንሽሮ ሓዊሱ ካልኦት ምህዞታት እውን ኣበርክቶ እናገበረ ይርከብ።

እቲ ቴክኖሎጂ ብዘርኢ ዝመሓላለፉ ሕማማት ንምሕካምን ምድሓንን እውን ዓብዪ ተስፉ ተገይሩሉ እዩ።

እንተኾነ እዚ ምዕራይ ጂን ስግኣት ዘሕደረሎም ሰባት እውን ኣይተሳእኑን። ጂኖም ወይ መፈጠሮም ዝተኣረመ ቆልዑ እንተተወሊዶምን፡ ኣብ ዝቕጽል ወለዶ ዝተፈለየ ኣቋውማ ዘለዎም ሰባት ክፈጥሩ ከምዝኽእሉ የገንዝቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፈላሚ እርማት ጂን ዝተገበረሉ ቆልዓ ክውለድ ዝገበረ ቻይናዊ ዶክተር፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ከምዝተፈረደ ይፍለጥ።