ሽልማት ኖቤል ዓውዲ ሕክምና ንሰለስተ ተመራመርቲ ተዋሂቡ

ሽልማት ኖቤል ዓውዲ ሕክምና 2020

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተዓወትቲ እቲ ሽልማት፡ ብሪጣንያዊ ሚካኤል ሃተንን ኣመሪካውያን ሃርቨይ ኣልተርን ቻርለስ ራይዝን እዮም፡፡

ሽልማት ኖቤል ዓውዲ ሕክምና 2020 ኣኣ፡ ቫይረስ 'ሀፓታይተስ ሲ' (ወይቦ) ንዝረኸቡ ሰለስተ ተመራመርቲ ተዋሂቡ፡፡

ተዓወትቲ እቲ ሽልማት፡ ብሪጣንያዊ ሚካኤል ሃተንን ኣመሪካውያን ሃርቨይ ኣልተርን ቻርለስ ራይዝን እዮም፡፡

እቲ ኮሚቴ ሽልማት፡ እቶም ተመራመርቲ ነቲ ቫይረስ ምርካቦም ‘‘ ህይወት ሚልዮናት ኣድሒኑ እዩ’’ ኢሉ፡፡

እቲ ቫይረስ ጠንቂ መንሽሮ ጸላም ከብዲ ኮይኑ: ብዙሓት ሰባት ጸላም ከብዲ ክቕይሩ ካብ ዝገብሩ ምኽንያታት ቀንዲ እዩ፡፡

ኣብ 1960ታት፡ ደም ዝልገሰሎም ሰባት ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ንሕማም ጸላም ከብዲ ይቃልዑ ነይሮም፡፡

ወይቦ: 'ሀፓታይተስ ኤን ቢን' ኣብ መፋርቕ 1960ታት ዝተፈለጡ ኮይኖም፡ 'ሀፓታይተስ ሲ' ግን ምስጢራዊ ቀታሊ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ደም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ምትሕልላፍ ኣዝዩ ከቢድ ከምዝነበረ ዝገለጸ ኮሚቴ ሽልማት ሰላም፡ ዝተመሓየሹ መርመራታት ደም ብምምዕባሎም፡ ውጽኢታዊ መድሓኒታት ጸረ ቫይረስ ክስርሑ ከምዝተኽኣለ ሓቢሩ፡፡

‘‘ኣብ ታሪኽ ንፈለማ እዋን፡ እቲ ሕማም ንምሕካም ተኻኢሉ እዩ፤ ሄፓታይተስ ሲ ጠቕሊሉ ከጠፍእ ድማ ተስፋ ዝህብ እዩ’’ ኢሉ፡፡

ኣብዚ እዋን ኣስታት 70 ሚልዮን ምስቲ ቫይረስ ዝነብሩ ኮይኖም፡ ዓመታዊ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ይሞቱ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዋህዮታት ብከመይ ንመጠን ኦክስጅን ከምዘስተብህሉን ከምዝዋሀዱን ዘጽንዑ ተመራመርቲ ሰር ፒተር ራክሊፍ፣ ዊልያም ካንን ግሬግ ሰመንዛን ተዓወትቲ እቲ ሽልማት ምዕዋቶም ይዝከር፡፡