ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ወይቦ ከይላባዕ ኣጠንቂቑ

ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ረኽሲ ዓሶ ወይቦ (yellow Fever) ከይላባዕ ስግኣት ከምዘለዎ ኣጠንቂቑ።

እቲ ትካል፡ ብሕማም ዓሶ ወይቦ ዝተጠርጠሩ ኣብ ወርሒ መጋቢት 3 ሰባት ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብ 6 ሚያዝያ ግን 85 በጺሖም።

ካብቶም ዝተጠርጠሩ፡ ዛጊት እቶም 8 በቲ ሕማም ከምዝተጠቕዑ ተረጋጊጹ'ሎ።

ክታበት እናተውሃበ ዝጸንሐ እንተኾነ'ኳ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ኣብ ገለ ርሑቕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣዝዩ የስግእ እዩ ኢሉ።

ዓለም ለኻዊ ጉዕዞ ዝገበሩ ሰባት እዚ ክታበት ክወስዱ ክግደዱ ጸኒሖም እዮም።

"እቲ ስግኣት ብሃገር ደረጃ ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ኢና ተገንዚብና። እቲ ምልክት ተራእዩ ዘሎ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጉራጌ እዩ ኣብ ገጠር ከባቢ እዩ። ኣብ ሓጺር እዋን ከምዚ ዓይነት ምልባዕ፡ ዓብዪ ስግኣት ዝፈጥር እዩ" ይብል መግለጺ እቲ ትካል።

ኢትዮጵያ፡ ነዚ ብመንከስቲ ጣንጡ ዝመሓላለፍ፡ ሓደገኛን ቀታልን ሕማም ንምክልኻል፡ ኣብ ገለ ኣስጋኢ ዝኾኑ ከባብታት መደብ ክታበት ክተካይድ ጸኒሓ እያ።

ገለ ምልክታት ዓሶ ወይቦ፡ ብርቱዕ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ጽርውርው ምባል፡ ምንቅጥቃጥን ምዕጻው ሸውሃትን እዮም።