'ሕማም ዓሶ ኣብ ዕድመ ሓደ ወለዶ ክጠፍእ ይኽእል እዩ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንነዊሕ ዘበናት ምስ ደቂ ሰብ ዝተጉዓዘ፡ ምኽንያት ሞት ብዙሓት ሰባት ዝኾነ - ሕማም ዓሶ፡ ኣብ ዕድመ ሓደ ወለዶ ምጥፋእ ይከኣል እዩ ይብል ሓድሽ ዝወጸ ጸብጻብ።
በብዓመቱ ብሕማም ዓሶ ዝተጠቕዑ 200 ሚልዮን ሰባት ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ፡ እቲ ሕማም ድማ ዝያዳ ንህጻናት እዩ ዝቐትል።
እቲ ሓድሽ ዝወጸ ጸብጻብ ከምዘርእዮ፡ ሕማም ዓሶ ካብ ዓለምና ዝጠፍኣሉ ግዜ 'ርሑቕ ኣይኮነን'። ግን ድማ፡ ነዚ ንምግባር፡ ዓመታዊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ የድልይ።
ሕማም ዓሶ እንታይ እዩ?
ዓሶ፡ ፕላስሞድየም ብዝበሃል ጽግዕተኛ (ፓራሳይት) ዝፍጠር ሕማም እዩ።
ካብ ሰብ ናብ ሰብ ድማ፡ ብኣነስተይቲ ጣንጡ ኣቢሉ ይመሓላለፍ።
ብሕማም ዓሶ ዝተለኸፉ ሰባት፡ ሓያል ረስኒን ምንቅጥቃጥን የጋጥሞም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ጽግዕተኛ ህዋስ፡ ኣብ ጸላም ከብዲ ንዝርከቡ ዋህዮታት ከምኡ ድማ ንዋህዮታት ቀይሕ ደምን የጥቅዕ። ዋሕዲ ደም፡ ካልእ ምልክት ሕማም ዓሶ እዩ።
ቀስ ብቐስ ድማ እቲ ሕማም፡ ናብ ሓንጎልን ካልእ ኣካላት ሰብነትን ይዝርጋሕ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ንሞት ከቃልዕ ይኽእል።
በብዓመቱ፡ ብሕማም ዓሶ፡ 435,000 ሰባት ይሞቱ። መብዛሕተኦም ከኣ ህጻናት እዮም።
ኣንጻር ሕማም ዓሶ ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ዛጊድ ብዙሕ ምምሕያሻት ኣሎ።
ካብ 2000 ንደሓር:
- ቁጽሪ ሕማም ዓሶ ዘለወን ሃገራት ካብ 106 ናብ 86 ጎዲሉ
- ቁጽሪ ብሕማም ዓሶ ዝተጠቕዑ ሰባት ብ 36% ነክዩ
- መጠን ሞት ብ 60% ነክዩ
እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ጽዑቕ ናይ ምክልኻል ስራሓት እዩ። ምዝርጋሕ መድሓኒት ጸረ ባልዕ ዝተነጸጎ ዛንዜራ (ላምስያ) ከምኡ ድማ ዝሓሸ መድሓኒታት ነዚ ውጽኢት ኣብ ምምጻእ ልዑል ተራ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ሓድሽ ጸብጻብ ንምንታይ እዩ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ሕማም ዓሶ ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእ - ዓብዪ ዓወት እዩ።
እዚ ሓድሽ ጸብጻብ፡ 'ሕማም ዓሶ ንሓዋሩ ምጥፋእ ይካኣልዶ? ክንደይ ዝኣክል ገንዘብከ የድልዮ?' ዝብል ንምፍላጥ ብውድብ ጥዕና ዓለም ዝተሰርሐ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት እዩ እቲ መጽናዕቲ ተጀሚሩ።
ኣርብዓን ሓደን ናይ ዓለምና ቀንዲ ልቃውንቲ ሕማም ዓሶን ሰብ ሞያ ቁጠባን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ሕማም ዓሶ ኣብ 2050 ምጥፋእ ከምዝከኣል እዮም ደምዲሞም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







