ኮቪድ 19፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ሚልዮን በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ እታ ናይ መጀመርታ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ኮይና።
ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሓዲሽን ብቅልጡፍ ዝላባዕን ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ከምዝተረኸበ ኣብ ዝሓበርሉ እዩ እቲ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ከምዝበጽሐ ዝሕበር ዘሎ።
ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሆስፒታላትን መደበራት ጥዕናን ብሕሙማት ኮሮናቫይረስ ስለዝመልኣ ብርቱዕ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ስሪል ራማፎዛ፡ ነዚ ዘሎ ብርቱዕ ናህሪ መልክፍቲ ንምግታእ ተሪር ዕጽዋ ክእውጅ ከምዝኽእል ብዙሓት ዝግምትዎ ዘለዉ'ዩ።
ሚኒሰትር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ ዝወሊ ምክሂዘ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት እቲ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኣየሉ እዋን ክሳብ ሎሚ ኣብታ ሃገር 1,004,413 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉን ካብዚኦም እቶም 26,735 ከምዝሞቱን'ዩ ሓቢሩ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ መዓልቲ ብማእከላይ ገምጋም 11,700 ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝግብ ብምንባራ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን ብምንጽጻር ብ39 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእያ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሮቡዕ፡ ሓሙስን ዓርብን ኸኣ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ 14000 ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝግብ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ 501.V2 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብታ ሃገር ነቲ ብዝሒ መልከፍቲ ኣነሃሂርዎ ክኸውን ከምዝኽእል'ዩ ዝግመት።
ቅድሚ ሰሙን፡ ዓባይ ብርጣንያ ካብዚ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ብምስጋእ ካብን ናብን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር በረራታት ደው ኣቢላቶ እያ።
ካልእ ሓዲሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ'ውን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝተራኣየ ዝዝከር ኮይኑ፡ ምስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዝብሃል ዘሎ ኮሮናቫይረስ ግን ነንበይኖም'ዮም።
ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ንደቡብ ኣፍሪቃ ስዒባ ዝበዝሑ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዘለዉዋ ሃገር ሞሮኮ ኮይና ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ፡ 432,079 መልከፍቲ 7,240 ሞት ተመዝጊቡ'ሎ።
ሃገረ ግብጺ ኸኣ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዓ ኣላ፡ ኣብታ ሃገር 131,315 መልከፍቲ 7,352 ሞት ተመዝጊቡ ኣሎ። 130,230 መልከፍቲ 4,426 ሞት ኣመዝጊባ ዘላ ቱንዝያ ኸኣ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ተሰሪዓ ኣላ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







