ብራዚል ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት ስኢና

ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሞት ካብ ዝተመዝገለን ሃገራት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ብራዚል፡ ዛጊድ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ተሓቢሩ ኣሎ። ዝርግሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ ብምድንጓዩን ክረምቲ ይቐራረብ ምስምህላዉን ተዛሚዱ ነቲ ለበዳ ከጋድዶ ከምዝኽእል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ብራዚል ጄሮ ቦልሴናሮ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ካብ ዝሕግዙ ሜላታት ሓደ ዝኾነ ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ኣብ ምትግባር ዝሑቱል ስለዝኾነ ለበዳ እቲ ቫይረስ ይጋፋሕ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ብራዚል ዘሎ ናይ ኮሮናቫይረስ ኩነታት ኣዝዩ ዘሻቕል ከምዝኾነን ዛጊድ 15 ምኢታዊት ኣባጽሕ ጥራይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝረኸቡ ትካል ምርምር ጥዕና ፍዮክሮዝ ሓቢሩ።

ኮንግረንስ ብራዚል መንግስቲ እታ ሃገር ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ይፍትሽ ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ቦልሴናሮ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእል ዝተዋደደ ሃገር ለኻዊ ዕማማት ብዘይምክያዱ ኢሉ እውን ኣብ ክታበታት ኮሮናቫይረስ፣ ገደብ ምንቅስቓሳትን ምስ ምጥቃም ‘ሰስክ’ ን ተዛሚዱ ዘንጸባርቖም ሓሳባት ከንቅፎ ጸኒሑ’ሎ።

ተቓወምቲ ውድባት ፕረዚደንት እታ ሃገር ነቲ ለበዳ ኣቕሊሉ’ዩ ዝርእዩ ብዝብል ንናይ ፖለቲካ ከስቢ ኢሉ ዕድጊት ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣደንጉዩ ኢሎም ይነቕፍዎ። ኣብ ብራዚል ኣብ ክልል ኣማዞን ንፈለማ እዋን ዝተረኸበ ‘ጋማ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓዊስካ ካልኦት ብናህሪ ዝጋፍሑ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ ምርካቦም ነቲ ለበዳ ከምዘጋደዶ ተገሊጹ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን መዓልታዊ ብማእኸላይ ክሳብ 70 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተገለጸ ኮይኑ 80 ምኢታዊትን ልዕሊኡን ብጽኑዕ ዝሓመሙ ዝድቅሱሉ ዓራውቲ ብኮሮናቫይረስ ብዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተትሓዘን ክራማት ድማ ነቲ ለበዳ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ዝያዳ ከጋድዶ ከምዝኽእል ይግመት።

ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና ብራዚል ማርሴሎ ኮይሮጋ ኣብ ትዊተር ገጹ ንግዳያት ሞት “ኣቦታት፣ ኣደታት፣ መቕርባትን ኣዝማድን” ኣብ ጎኖም ከምዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ “ኣብ ብራዚል ኢሉ’ውን ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ 5 ምኢቲ ሽሕ ሰባት ሞይቶሙና” ኢሉ።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሒዳር ጀሚሩ ኣብ ሰሙን ብማእኸላይ መዓልታዊ ልዕሊ 1500 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ከምዝሞቱ ተሓቢሩ’ሎ። ካብ ብራዚል ቀጺላ ዝለዓለ መጠን ሞት ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ኣመሪካ ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ብራዚል ብሰብ ሞያ መከላኸሊ ሜላታት ኮሮናቫይረስ ተባሂሎም ዝተጠቐሱ ነገራት ኣብ ምትግባር ዝሕታለ ስለዘርኣየ መልከፍቲ ክውስኽ ኪኢሉ ክብል ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ይነቕፍዎ።