ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ነታ ትሕይል ዘላ ቻይና ክብድህ ኣለዎ ክብል ሓላፊ ኔቶ ጸዊዑ

ኣብ ሓንቲ ኣብ ምብራቓዊ ቻይና እትርከብ ግዝኣት ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት 23 ሚያዝያ 2019.

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ "እናማዕባለ ንዝመጽእ ዘሎ ሓይሊ ቻይና ግብረመልሲ ምሃብ ከድሊ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣመሪካ እትርከበን ኣባላት ሃገራት ናይቲ ኪዳን፡ ኣብቲ ኣብ ብራስለስ፡ ቤልጂም ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ይሳተፋ ኣለዋ።

እቲ ኣኼባ፡ ንደገፍ ናይታ ቀንዲ መዋሊትን መራሒትን ናይቲ ኪዳነ ዝኾነት ኣመሪካ ንምውሓስ ዝዓለመ'ዩ ተባሂሉ።

ዋና ጸሓፊ የንስ ስቶልተንበርግ እቲ ዋዕላ፡ ንቐጻልነት ናይቲ ኪዳን "ኣገዳሲ ህሞት'ዩ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንፈለማ እዋ'ዩ ኣብ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኔቶ ዝሳተፍ ዘሎ።

እዚ ኪዳን፡ ልዕሊ 30 ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣባል ዝገበረ ገዚፍ ፖለቲካዊን ወተሃደራውን ትርጉም ዘለዎ ልፍንቲ እዩ።

ኣበጋግስኡ ድማ፡ ንካልኣይ ኲናት ዓለም ስዒቡ ዝተፈጥረን ንምስፍፋሕ ስርዓት ኮምኒዝም ንምግታእ ዝዓለመን እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት፡ ገለ መራሕቲ ሃገራት ኣባል እቲ ልፍንቲ ኣብ ኣድላይነቱ ሕቶ ብምልዓሎም ንሓደጋ ተሳጢሑ ነይሩ።

ብፍላይ ድማ፡ ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሃገሩ 'ድሕነት ሃገራት ኣውሮጳ ንምውሓስ እዚ ኩሉ ገንዘባዊ ወጻኢ ምግባር ኣየድልያን' ምባሉ ስዒቡ፤ እቲ ልፍንቲ ንፋስ ኣትዩዎ ነይሩ።

ዋና ጸሓፊ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)፡ የንስ ስቶልተንበርግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብኣንጻሩ፡ ንዕኡ ስዒሩ ዝመጽአ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ነቲ 72 ዓመታት ዘቑጸረ ልፍንቲ፡ መሊስካ ንምጥንካር ሃገሩ ተሪራ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣመሪካ ይሕድስ ኣሎ።

ጆ ባይደን፡ ትማሊ ኣብቲ ዋዕላ፡ "ግልጺ ክገብረልኩም ዝደሊ ሓደ ነገር፤ ኔቶ ንረብሓ ኣመሪካ ኣዝዩ ጠቓሚ ልፍንቲ እዩ" ኢሉ።

ነፍሲወከፍ ኣባላት፡ ድሕነተን ንምውሓስ ዝምልከት ኣንቀጽ 5 ቻርተር እቲ ኪዳን ንምኽባር ሃገሩ 'መንፈሳዊ ግዴታ' ከምዘለዋ ተዛሪቡ።

ኔቶ፡ ፈለማ ብ12 ኣባል ሃገራት ብ1949 እዩ ተመስሪቱ ነይሩ። ሕዚ ግና 30 ሃገራት ብኣባልነት ተጸምቢረንኦ ይርከባ።

ኔቶ ስለምንታይ እዩ ኣብ ቻይና ዘትኩር ዘሎ ?

እቲ ዝተነድፈ መግለጺ ቕዋም እቲ ዋዕላ ከምዝብሎ፡ 'ባህግታትን ባህርያትን ቻይና ነቲ ሕጊ-መሰረት ዝገበረ ዓለመለኻዊ ርክባት ንሓደጋ ዘሳጥሕን ንረብሓታት ሃገራት እቲ ልፍንቲ ዝጻባእን እዩ' ዝብል ይርከቦ።

ብምቕጻል፡ እቲ ገና ዕላዊ ዘይኮነ መግለጺ፡ ቻይና ኣጽዋራት ኑክሌር ተስፋፍሕ ከምዘላን ምስ ሩስያ ዘይግቡእ ወተሃደራዊ ምትሕብባራት ተሳልጥ ከምዘላን ይኸስስ።

"ግልጽነት ዝጎደሎ ምንቅስቓስ ቻይናን፤ እተቃለሖ ዘላ ስኑዕ ሓበሬታን ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ" ይብል እቲ ቅዋም።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ጄክ ሱሊቫን፡ ዝርርባት ኔቶ ኣብ ዛዕባ 'ሓበራዊ ድሕነት' ዘትኮረ ኮይኑ፡ እናዓበየ ንዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊ ዓቅሚ ቻይና ድማ ብኸመይ ይብዳህ ዝብል ዝርቦ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ፡ ሚስተር ስቶልንባርግ ብወገኑ፡ "እዚ ማለት ናብ ካልእ ዙር ዝሑል ኲናት ንኣቱ የለናን፤ ቻይና ድማ ኣንጻርናን ጸላኢትና ኣይኮነትን" ኢሉ።

እንተኾነ ግን፡ ሓበራዊ ድሕነትና ንሓደጋ ዘሳጥሑ ተግባራታ ብሓባር ክንምክቶ ኣለና ኢሉ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ረሲፕ ጣዪብ ኤርዶጋን ኣብ ኣኼባ ኔቶ 13 ሰነ 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ጆ ባይደን ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ፡ ረሲፕ ጣዪብ ኤርዶጋን

ቻይና ካብቶም ኣብ ዓለም ዝዓበየ ወተሃደራውን ቁጠባውን ዝውንኑ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ እቲ ኮምኒስታዊ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ህይወት ዜጋታት ብጥብቂ ዝቆጻጸር እዩ።

ኔቶ እቲ መዓልታዊ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊ ዓቕምታት ቻይና ስግኣት ኣባላቱ እናኾነ ዝመጽአ ይመስል።

ከምኡ'ውን እታ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ እትምስርቶ ዘላ ወተሃደራዊ መዓስክራት፡ ነቲ ልፍንቲ ድቃስ ዝኸልእ እዩ።

ኔቶ ነዚ ተሪር ቅዋም ዝሓዘ፡ ንቻይና ዝነቅፍ መግለጺ ጂ7 ምውጽኡ ስዒቡ እንትኸውን፡ እቲ ጉጅለ ብፍላይ፡ ምንጪ ኮቪድ-19 ብዕሊ ክጻረን ኣብታ ሃገር ዝፍጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጠጠው ክብሉን ምኽሳሱ ዝዝከር እዩ።

ቻይና ብወገና፡ ኣብ ለንደን ብዝርከብ ኢምባሲኣ ኣቢላ፡ እቲ ብጉጅለ ሸውዓተ ዝወጽአ መግለጺ 'ኣብ ሕሶት፣ ሕሜትን በለካ ለኽዐካን ዝመስረተ' ክትብል ነጺጋቶ ኣላ። .

ወሃቢ ቃል እቲ ኢምባሲ ከምዝበሎ፡ "ረብሓታት ቻይና ንምጉዳእ ዝግበር ምንቅስቓስ ጠጠው ይበል፤ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ምትእትታው ድማ ይትረፍ" ክብል ወሲኹ።