ሱዳን ምስ ሩስያ ዝገበረቶ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ናይ ምህናጽ ስምምዕ ደጊማ ክትሓስበሉ'ያ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሱዳን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወተሃደራዊ መዓስር ሩስያ ንምህናጽ ዝኣተወቶ ስምምዕ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ምዃና ኣፍሊጣ።
እቲ ኣብ ዘበነ ስልጣን ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣል-በሽር ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ሩስያ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ወተሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ዘፍቅድ'ዩ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል መሓመድ ኣል-ሑሴን ንተለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ልኡኽ ሩስያ ከምዝተዘራረቡን፡ እቲ ስጉምቲ ንረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ዘገልግል ምዃኑ ተዛሪቡ።
"እቲ ስምምዕ ንዓና ዘርብሓና እንተኾይኑን፡ ንረብሓታት ሩስያ ዝሕሉ እንተኾይኑን፡ ጸገም የለን" ክብል ጀነራል መሓመድ ገሊጹ።
ሰብመዚ ሩስያ ንመግለጺ ናይቲ ጀነራል ከምዝሰምዕዎ ብምግላጽን፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ምስ ሱዳን ከምዝተራኸቡ ብምሕባር፡ ነቲ ኩነታት ክፈትሕዎ ከምዝኽእሉ ዘለዎም ተስፋ ኣይሓብኡን።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ወተሃደራዊ መዓስከር ሩስያ ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክህነጽ ኣጽዲቑ ምንባሩ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN DEFENCE MINISTRY WEBSITE
እቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ኣል-በሽር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዝተፈላለየ ክስታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።
ብመሰረት እቲ ሽዑ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፡ እቲ መዓስከር ኑክሌራዊ ዝርከብአን 4 መራኽብ ኲናትን ኣስታት 300 ኣባላትን ከስፍር ተወጢኑ ነይሩ።
ሞስኮ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንምስፍሕፋሕን ጽልዋታትን ኣመሪካን ቻይናን ንምብዳህ፡ ናብ ኣፍሪቃ ኣድሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ፖለቲካ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







