'ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ሃገራት ተማርጽ ኣላ'- ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ዝኾነ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘድለያ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሓቢሩ። ነዚ ዕላምኣ ንምትግባር ድማ ኣርባዕተ ሃገራት ከምዝሓጸየት ኣመልኪቱ።
ካብ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኬንያ፣ ሲሼልስ፣ ታንዛኒያን ኣንጎላን ቻይና ዝመረጸተን ሃገራት እየን። ካልኦት ሃገራት'ውን ኣብ ትልሚ ቻይና እንተሃለዋ'ኳ ኣየኖት ከምዝኾና ኣይተገለጸን።
እንተኾነ ንመግለጺ መንግስቲ ኣሜሪካ ስዒቡ ብወገን እተን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ዝተወሃበ ርእይቶ የለን።
ቻይና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ጂቡቲ ካብ ዘለዋ ወተሃደራዊ መዓስከር ብተወሳኺ ብዉሑዱ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት'ያ ትልማ ከተፈጽም ትዳሎ ዘላ።
በዚ መሰረት መዓስከራት ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪን ኣጋር ሰራዊትን ንምኽፋት ውጥን ብምሓዝ ዝርርብ ከምዝጀመረት ይግለጽ።
ብዘይካ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራት ሚያንማር፣ ታይላንድ፣ ሲንጋፖር፣ ኢንዶኒዢያ፣ ፖኪስታን፣ ሲሪላንካ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ታጃኪስታን ካልኦትን ወተሃደራዊ መዓስከራት ንምኽፋት መደብ ከምዘለዋ ተፈሊጡ'ሎ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







