ሴራልዮን፡ ብምወላ ቻይና ክህነጽ ዝተወጠነ መዕርፎ ነፈርቲ ተሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, GREG BAKER
መንግስቲ ሴራልዮን ምስ ቻይና ኣትይዎ ዝነበረ ናይ 400 ሚልዮን ዶላር ዉዕል ምህናጽ መዕርፎ ነፈርቲ ከም ዝሰረዘ ኣፍሊጡ።
ህንጸት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣገዳሲ ከም ዘይነበረን ኣብ ክንድኡ እቲ ነባር መዕርፎ ነፈርቲ ከም ዝሕደስ፡ ሚኒስተር በረራታት እታ ሃገር፡ ካቢነህ ካሎን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቲ ዉዕል፡ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘይርከብ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ኤርነስት ባይ ኮሮማ ዝተኸተመ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝተስዓረሉ ፕርዚደንታዊ ምርጫ ክካየድ ሰሙን ምስ ተረፎ ዝተገብረ ኢዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፡ እቲ ስምምዕ ከስዕቦ ብዝኽእል ከቢድ ናይ ዕዳ ተጽዕኖ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ስምምዕ ተቓዊሞም ነይሮም።
ሴራልዮን ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማኣ ፍሪታዉን ዝርከብ ሓደ መዕርፎ ነፈርቲ ጥራይ ኢዩ ዘለዋ።
ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ናብታ ርእሰ ከተማ ክኣትዉ ዝደልዩ ገያሾ ሄሊኮፕተር ወይ ጃልባ ክጥቀሙ ይግደዱ።
እቲ ሚኒስተር በረራታት ወሲኹ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ ካብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ናብታ ርእሰ ከተማ ዘእቱ ድልድል ክስራሕ ተወጢኑ ኣሎ።
ሚኒስተር ካቢነህ ካሎን፡ ብምኽንያት ምስራዝ እቲ ዉዕል ክመጽእ ዝኽእለ ፊናንስያዊ ሳዕቤናት እንተሎ ዝፈልጦ ከም ዘየለ ክዛረብ ከሎ፤ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሴራልዮን፡ ዉ ፔንግ ምስራዝ ዉዕል ህንጸት መዕርፎ ነፈርቲ፡ ኣብ ዝምድና እዘን ሃገራት ጽልዋ የብሉን ኢሉ።
ባንክ ዓለም፡ ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ከምኡዉን ጂ8 ተባሂሎም ካብ ዝጽዉዑ ሃብታማት ሃገራት ናብ ኣፍሪቃ ካብ ዝወሃብ ኩሉ ልቓሕ እቲ ናይ ቻይና ከም ዝዓቢ ይግለጽ።
ኣካይዳ ቻይና ዘሰክፎም ክኢላታት እቲ ዓውዲ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ልቓሕ መጻወድያ ተእትወን ከም ዘላ ይገልጹ።
ቻይና ግና ነዚ ኣበሃህላ ትነጽጎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







