ቻይና ንወለድ-ኣልቦ ለቓሕ ኣፍሪቃ ክትስርዞ ምዃና ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻይና፡ ገለ ካብቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝሃበቶ ወለድ-ኣልቦ ልቓሕ ክትስርዝ ምዃና ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ገሊጹ።
ንሱ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ዋዕላ ምክልኻል ኮቪድ-19 ቻይናን-ኣፍሪቃን እዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ። ኣብ ርእሲኡ፡ ነተን በቲ ለበዳ ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት፡ ኣቐዲሙ ዝተገብረለን ምውንዛፍ ልቓሕ ክናዋሕ ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ።
ሺ ዢንፒንግ፡ ትካላት ፋይናንስ ቻይና፡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ምሕዝነታዊ ዝርርብ ብምክያድ "መንግስታዊ ውሕስነት ዘለዎ ንግዳዊ ልቓሕ ዝረኽባሉ ዕድል" ክፈጥራ'ውን ተላብዩ።
"ንምክልኻል ኮቪድ-19 ኣፍሪቃ ንምድጋፍ፡ ቻይና ምስ ሕቡራት ሃገራት፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ካልኦት መሻርኽትን ክትሰርሕ እያ። እዚ ድማ ንድሌት ኣፍሪቃ ብዘኽብር ኣገባብ ክካየድ'ዩ።"
ቻይና ክታበት ከተማዕብል እንተኺላ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብተን ቀዳሞት ተጠቀምቲ ከም ዝኾና ዢንፒተዛሪቡ። ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ ሆስፒታላት ምስራሕ ክትቅጽል ምዃና'ውን ቃል ኣትዩ።
ኣብታ ርእሰከተማ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ'ውን፡ ንቤት ጽሕፈት ማእከል ምቁጽጻር ሕማማት ኣፍሪቃ ዝኸውን ህንጻ ክትሰርሕ እያ።
ቻይና ኣብዚ እዋን እዚ እታ ዝበዝሐ ገንዘብ ንኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለቀሐት ሃገር እያ።
ቻይናውያን ሰብ መዚ፡ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተተሓሒዙ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐርበሎም ዝነበረ ሕቶ ምንዋሕ ክፍሊት ዕዳን ሕቶ ሓዲሽ ልቓሕን ጸማም እዝኒ'ዮም ሂቦሞ ነይሮም።
ብ13 ሚያዝያ 2020 ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ 25 ትሑት ኣታዊታት ዘለወን ሃገራት ዝነበረን ናይ 500 ሚልዮን ዶላር ዕዳ፡ ዝኸፍላሉ እዋን ብምንዋሕ 'ሩፍታ' ፈጢሩለን፡ ካብዚአን እተን 19 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት እየን።
ቻይና ግን ነቲ ዕድል ናይ ዕዳ ከተጽንዖ ከምዘድልያ እያ መልሲ ሂባትሉ።
መርበብ ሓበሬታ ደይሊ ማቫሪክ፡ ቻይና ንሃገራት ኣፍሪቃ 145 ቢልዮን ዶላር ከምትእውደን ብምጥቃስ፡ እዚ ሕጂ ሃገራት ኣፍሪቃ ንቻይና ዝሓተኣ ዘለዋ ሓገዝ፡ ቻይና እትህቦ ግብረ መልሲ ኣብ መጻኢ ርክባት ቻይናን ኣፍሪቃን ዓቢ ተራ ከምዝህልዎ'ያ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ'ሎ።
ሓደ ክስሓት ዘይክእል ከኣ ስግኣት ኮቪድ-19 ምስ ኣብቀዐ ሃገራት ቁጠባዊ ብድሆ ኣብ ቅድሚአን ተኾዲሙ ከምዝጸንሐን ፍሉጥ'ዩ፡ እቲ መድረኽ እቲ ኸኣ ንርክብ ኣፍሪቃን ቻይናን ክፍትኖ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







