ሩስያ ኣብ ሱዳን እትሃንጾ መደበር ሓይሊ ባሕሪ እንታይ ዘጠቓልል'ዩ?

ሩስያ፡ ኣብ ሱዳን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትከፍት መደብ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

ትሕዝቶ ናይቲ፡ ሩስያ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ዘፍቅድ፡ ኣብ መንጎ ካርቱምን ሞስኮን ዝተበጽሐ ስምምዕ ክወጽእ ጀሚሩ።

ብመሰረት እቲ ሱዳንን ሩስያን ዝኣተውኦ ውዕል፡ እቲ ሩስያ ኣብ ፖርትሱዳን ክትሃንጾ መዲባ ዘላ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ን25 ዓመታት ዝጸንሕ'ዩ።

ኑክሌራዊ መራኽብ ዝርከብአን ክሳብ 4 መራኽብ ኲናት ሩስያ ኣብቲ ወደብ ክዕስክራ ክፍቀደለን ምዃኑ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈረመ ስምምዕ ኣነጺሩ።

ተንተንቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ስጉምቲ፡ ሩስያ ክህልዋ እትደልዮ ጆኦፖለቲካዊ ጽልዋ ንምዕባይ ዝዓለመ'ዩ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ሩስያ ኣብ ጎደቦኣ ዝነበራ ጽልዋ ከም ዝኸሰረት ይንገር። ሓደ ካብኡ፡ እታ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዝኣ ዝነኾት ኣርመንያ በታ ቱርኪ እትድግፋ ኣዘርባዣን ምስዓራ'ዩ።

ኣብ 2017፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር፡ ንፈለማ እዋን ናብ ሩስያ ኣብ ዝኸደሉ ንፕረዚደንት ቪላድሚር ፑቲን ንሃገሩ ካብ ኣመሪካ "ክሕልዋ" ሓቲትዎ ነይሩ።

እቲ ኣብ ሚያዝያ 2019 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ኣል-በሽር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብዝተፈላለየ ክስታት ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።

ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝወጸ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፖርት ሱዳን ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ መዓስከር: ኣስታት 300 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ክሰፍርዎ'ዮም።

መርከብ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN DEFENCE MINISTRY WEBSITE

ሞስኮ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንምስፍሕፋሕን ጽልዋታትን ኣመሪካን ቻይናን ንምብዳህ፡ ናብ ኣፍሪቃ ኣድሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ፖሎቲካ ይዛረቡ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓደ ፍሉጥ ናይ ጀርመን ጋዜጣ "ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ እያ" ዝብል ወረ ምስ ዘርገሐ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እቲ ወረ ሓቂ ዘይምዃኑ፡ ኤርትራ፡ ሩስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽትሃንጽ ዝኾነ ይኹን ውዕልን መብጽዓን ከምዘይኣተወት ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

እቲ፡ ንሓደ ምስጢራዊ ሰነድ መንግስቲ ጀርመን ብምጥቃስ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋን፡ ካብተን ሃገራት ናይ ውዕል መብጽዓ ከምዝተኣትወላን ዝሕብር'ዩ።

እተን ዝተጠቕሳ 6 ሃገራት ከኣ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን እየን።

ቻይና ብወገና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣገደስቲ ዝኾኑ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክትከፍት መደብ ከምዘለዋ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሓቢሩ ነይሩ።

ካብ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኬንያ፣ ሲሼልስ፣ ታንዛኒያን ኣንጎላን ቻይና ዝመረጸተን ሃገራት እየን።