ሩስያ፡ ኣብ ሱዳን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ መደብ ከምዘለዋ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን፡ ሃገሩ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትከፍት ምስ ሱዳን ክተሰማማዕ ፍቃድ ከምዝሃበ ማዕከናት ዜና ሩስያ ሓቢረን።
ሩስያ፡ ንሓይሊ ባሕራ ዘገልግል ማእከል መዕረፍን መዓረይን ከምእትከፍትን ከባቢ 300 ኣባላት ከምዝህልዎ'ውን ተፈሊጡ።
ብመሰረት እቲ ወጺኡ ዘሎ ሓበሬታ፡ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፖርት ሱዳን ክስራሕ'ዩ።
ሞስኮ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንምስፍሕፋሕን ጽልዋታትን ኣመሪካን ቻይናን ንምብዳህ፡ ናብ ኣፍሪቃ ኣድሂባ ትሰርሕ ከምዘላ ተንተንቲ ፖሎቲካ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN DEFENCE MINISTRY WEBSITE
ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓደ ፍሉጥ ናይ ጀርመን ጋዜጣ "ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ እያ" ዝብል ወረ ምስ ዘርገሐ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል እቲ ወረ ሓቂ ዘይምዃኑ፡ ኤርትራ፡ ሩስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽትሃንጽ ዝኾነ ይኹን ውዕልን መብጽዓን ከምዘይኣተወት ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።
እቲ፡ ንሓደ ምስጢራዊ ሰነድ መንግስቲ ጀርመን ብምጥቃስ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋን፡ ካብተን ሃገራት ናይ ውዕል መብጽዓ ከምዝተኣትወላን ዝሕብር'ዩ።
እተን ዝተጠቕሳ 6 ሃገራት ከኣ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን እየን።
ቻይና ብወገና፡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣገደስቲ ዝኾኑ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክትከፍት መደብ ከምዘለዋ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሓቢሩ ነይሩ።
ካብ ሰራዊት ኣሜሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኬንያ፣ ሲሼልስ፣ ታንዛኒያን ኣንጎላን ቻይና ዝመረጸተን ሃገራት እየን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







