ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ኤርትራን ወተሃደራዊ መዓስከራት ሃገራት ወጻኢን

ዜርእስላሰ ረድኢን፡ ኣርሄ ሓመድናካን
መግለጺ ስእሊ, ዜርእስላሰ ረድኢን፡ ኣርሄ ሓመድናካን

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንቲ፡ ሓደ ፍሉጥ ናይ ጀርመን ጋዜጣ "ሩስያ ኣብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ እያ" ዝብል ወረ ምስ ዘርገሐ፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር እቲ ወረ ሓቂ ዘይምዃኑ፡ ኤርትራ፡ ሩስያ ወተሃደራዊ መዓስከር ንኽትሃንጽ ዝኾነ ይኹን ውዕልን መብጽዓን ከምዘይኣተወት ሓቢሩ።

እቲ፡ ንሓደ ምስጢራዊ ሰነድ መንግስቲ ጀርመን ብምጥቃስ ዝሰፈረ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወታሃደራዊ መዓስከራት ክትሃንጽ መደብ ከም ዘለዋን፡ ካብተን ሃገራት ናይ ውዕል መብጽዓ ከምዝተኣትወላን ዝሕብር'ዩ።

እተን ዝተጠቕሳ 6 ሃገራት ከኣ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ኤርትራ፡ ማዳጋስካር፡ ሞዛምቢክን ሱዳንን እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እስራኤል ካብ 2016 ጀሚራ ኣብ ኤርትራ ምስጢራዊ መደበር መስሪታ ንዝብል ጸብጻብ፡ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገረብመስቀል እቲ ጸብጻብ ንምድንጋር ዝዓለመ'ዩ ብምባል ነጺግዎ።

ኣብ መጋቢት 2020'ውን፡ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ግብጺ ከተአንግድ ትቀራረብ ኣላ ንዝብል ወረ "መሰረት ዘይብሉ'ዩ" ክትብል ነጺጋቶ ነይራ።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሽዑኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ብሓደ ኣራብ ዊክሊ ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ማዕከን ዜና ዝወጸኣ ጸብጻብ "ዝተደጋገመን ዘሰልቹን ናይ ሓሶት ሓበሬታ'ዩ" ክብል ኮኒኑዎ።

እቲ ብሳባሓት ክሃን ብዝተባህለ ተንታኒ ፖለቲካ ማእከላይ ምብራቕ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ፡ ግብጺ ኣብታ ካብ ደሴታት ዳህላክ ሓንቲ ዝኾነት ደሴት ኖራ፡ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ምስ ኤርትራ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ቀሪባ ከምዘላ'ዩ ዝሕብር።

ይኹን እምበር፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ንተመሳሳሊ ክስታት ክነጽግዎ'ዮም ጸኒሖም።

ንምዃኑ ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዓይነት መግለጽታት ብተደጋጋሚ ዝስማዕ? ኣገዳስነት ረብሓታትን ወተሃደራዊ መዓስከራት እንታይ'ዩ ንምብራህ፡ ተንተንቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገምጋሞም ኣካፊሎሙና ኣለው።

ኣርሄ ሓመድናካ

ምንጪ ስእሊ, ኣርሄ ሓመድናካ

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ባይቶ ስዊድን፡ ንሸሞንተ ዓመታት ኣባል ሶሻል ዲሞክራትስ ኮይኑ ዘገልገለ ኤርትራዊ-ስዊድናዊ ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ

ኣመጻጽኣን ኣገዳስነት ወተሃደራዊ መዓስከራት

ሓንቲ ሃገር ኣብ ወጻኢ ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት እንከላ ብዙሕ ነገር ኣብ ግምት ዘእተወን፡ እቲ ዝምስረት መደበር፡ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ ድልየታት እታ ሃገር ዝሓቖፈ'ዩ ክብል ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ ይገልጽ።

ታሪኽ ምቛም ወተሃደራዊ መዓስከራት ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎን እዩ።

ግሪኻውያን ካብ ከባቢ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ቅድመ ልደተ ክርስቶስ፡ ረብሓታቶምን ሓይሎምን ንምሕላው ኣብ ዝተፈለለዩ መስመራት ንግድን ዕዳጋታትን ወተሃደራዊ ህላወ ይገብሩ ምንባሮም መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።

ቀጺሉ'ውን ከም ፈረንሳ፡ ኢጣልያ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ምስፍሕፋሕ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብ መስመራት ንግድን ሕምብርቲ ንግድን ከምኡ'ውን ዞባዉን ዓለማዉን ሓይሊ ናይ ምዃን ሕልሞም ኣብ ምትግባር ተጸሚዶም ወተሃደራዊ መዓስከራት ከፊቶም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ብቐንዱ ግን ሃገራት ረብሓታተን ንምክልኻልን ንምድልዳልን ወተሃደራዊ መዓስከራት ይኸፍታ ከምዝነበራ'ዩ ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ ይግለጽ።

ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኤውሮጳ ኣብ ክልተ ተኸፊላ። እቲ ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ሰልፊ እቲ ምዕራብ ድማ ኣብ ትሕቲ ርእሰማልነት ዝኣምን ስነ-ሓሳብ ተመቓቒሉ ኣብ ሓያል ወጥርን ወድድርን ኣትየን።

ካርታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, FrankRamspott/getty images

ኣመሪካ፡ ዴስነት ኣብ ምዕራብ ኤውሮጳ ከየስፍሕፍሕ ሰሜን ኪዳን ኣትላንቲክ ዝበሃል ወተሃደራዊ ኪዳን ክትምስርት እንከላ መቀናቕንታ ሕብረት-ሶቭየት ምስ ምብራቓውያን ሃገራት ኮይና ዋርሶው ፓክት ዝብል ወተሃደራዊ ኪዳን ኣቚማ።

ክልቲኣን ሃገራት ሚዛን ሓይለን ከይጎድል ገዚፍ ወተሃደራውን ቁጠባውን ወፍሪ ኣዋፊረን ከምዝነበራ ኣቶ ኣርሄ ሐመድናካ ይገልጽ።

እዘን ሓያላን ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ምስቲ ናይታ ሃገር ጆኦ-ፖሎቲካዊ ኣቀማምጣን ኣገዳስነትን ተመርኲሰን ብቐንዱ'ውን እተን ሃገራት ንረብሕአን ዘሳሲ መንግስቲ ደልየን ኣብ ወተሃደራውን ስለያውን ስራሓት ከምዝዋፈራ ይሕብር።

"እተን ሓያላን ሃገራት ከም በዓል ኣመሪካ፡ ሩስያ ኣብ ዘገድሰን ቦታታት ኣጽኒዐን ንነውሕ ዝጠመተን ቁጠባውን ጸጥታውን ረብሓታት ተሞርኲሰን ወተሃደራዊ መዓስከራት ይኸፍታ" ይብል።

ዘርእስላሰ ረዳእ'ውን እዘን ሓያላን ሃገራት እቲ ናተን ጽልዋን ረብሓን ኣብ ምድልዳል ኣብ እስትራተጂካዊ ቦታታት ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራት ብምዃን ነተን ዘይተሰማመዓ ሃገራት እናኣፈራርሓ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኤሽያ፡ ማእከላይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣስፋሕፊሐን ይብል።

እዚ ኣብ ዝሑል ኩናት ዝነበረ ውድደር ድማ ምስ ምፍራስ መንደቕ በርሊን ኣብ 1989 ኣብቂዑ ኣብ ዓለም ተዛማዲ ሰላምን ምርግጋእን መጺኡ።

ምፍራስ መንደቕ በርሊን ድማ ንታሪኽ ዓለም መበል 21 ክፍለ ዘመን ካብ ዝቐየሩን ክስተታት እቲ ዝዓበየ ከምዝነበረን ኣብ ዓለም ድማ ሓዲሽ ግሎባላዊ ስርዓት ኣትዩ። ኣብ 90ታት ድማ ኣመሪካ ንዓለማዊ ስርዓት ዓብላሊት ኮይና ጸብልል ኢላ ተራእያ።

ይኹን እምበር፡ ዓለም ነቲ ዝተረኸበ ሰላምን ርግኣትን ከየስተማቐረት ብ11 መስከረም 2001፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ብጉጅለ ኣልቃዒዳ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ብዝተጨውያ ነፈርቲ ተኻየዱ።

ኣመሪካ ንግበረ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልቃዒዳ ንምድምሳስን ንመራሒኣ ኦሳማ ቢን ላደን ንምቕንጻልን ናብ ኣፍጋኒስታን ካልኦት ሃገራትን ሰራዊታ ክትልእኽ ጀመረት።

ኣመሪካ፡ ንምንቅስቓስ ግበረ ሽበራውያንን ንግበረ ሽበራ ዝድግፋ ሃገራትን መስመራትን ንምምካን ድማ ኣብ ኤሽያ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃ ገዚፍ ሰራዊት መዓስከራትን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ክትከፍት ከምዝጀመረት ኣቶ ዘርእስላሰ ረዳእ ይገልጽ።

ዕጡቓት እስላማውያን ጉጅለታት ብወገኖም ንመሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾናን ድኹማት ሃገራት ዓለም ስግኣት ብምዃኖም፡ ረብሓታት እዘን ሓያለን ሃገራት መጥቃዕቲ ክገብሩ ብምጅማሮምን፡ ኣመሪካን ካልኦት ሓደሽቲ ዞባውያን ሃገራትን ረብሕኣን ንምክልኻል ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ወተሃደራዊ መዓስከራት ከፊተን ይርከባ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣመሪካ ነቲ ብሒታቶ ዝጸንሐት ዓብላሊት ዓለማዊ ስርዓት፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት እታ ብቑልጡፍ ቑጠባውን ተክኖሎጂካውን ዕብየት ተርኢ ዘላ ሃገረ ቻይና ከምኡ'ውን በታ ንነዊሕ እዋን መቐናቕንታ ዝኾነት ሩስያ፡ ሓያል ብድሆ ይገጥማ ከምዘሎን ሃገራት ዓለም ድማ ነዚ ምዕባለታት ብምርኣይ ናብ ዝኣምንኦ ደምበ ክጸጋግዓ ይቀዳደማ ከምዘለዋ ኣቶ ኣርሆ የረድእ።

ሓይሊ ባሕና ቻይና ኣብ ጁቡቲ

ምንጪ ስእሊ, CHINA NEWS SERVICE

መግለጺ ስእሊ, ሓይሊ ባሕና ቻይና ኣብ ጁቡቲ

ስትራቲጂካዊ ኣገዳስነት ኤርትራ

ኤርትራ፡ ኣብ ኣገዳሲ ስትራቴጂካዊ ጆኦ-ፖሎቲካዊ ቦታ ተደኲና ብምህላዋ ብሓያላት ሃገራት ዓለም ተጠማቲት ከምዝገበራን፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ማለት ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ቅድምን ድሕሪ ናጽነትን ኤርትራ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ተገዳስነቶም ኣርእዮም ከምዝነበሩ ኣቶ ዘርእስላሰ ይሕብር።

ኣብ 40ታት ኣብ 50ታት ኣብ ቃኘው ኣብ እዋን ዝሑል ኩናት ናይ ኣሜሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝነበረን፡ እዚ ድማ ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮን ይገልጽ።

"ኤርትራ ናጽነታ ትርከብ'ዶ ኣይትርከብ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ሳዕቤናት ነይርዎ። ምኽንያቱ እተን ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበራ ዓበይቲ ሃገራት ነቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ከም ሓደ ረቛሒ ይጥቀማሉ ነይረን። ኤርትራ ናጽነታ ክትረክብ ወይ ከኣ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣለዋ ኣብ ዝበሃል"።

እዚ ክትዕን ወተሃደራዊ መዓስከራትን ድማ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዓቢ በሰላ ከምዝገደፈ ይሕብር።

ኣቶ ኣርሄ ሓመድናካ ብወገኑ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝበዝሐ ነዳዲ ዓለምና ዝመሓላለፈሉ ኣገዳሲ መስመር ንግድን ንኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብቐሊሉ እትቆጻጸረሉ ወተሃደራዊ መትኒ ብምዃኑ ካብ ቀደም ኣትሒዘን ኩለን ሓያላን ሃገራት፡ ነቲ ዞባ ምስ ረብሕአን ኣተሓሒዘን ከምዝጥምተኦን ክቆጻጸርኦ ከምዝፍትናን ይገልጽ።

ወደባዊት ከተማ ባጽዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወደባዊት ከተማ ባጽዕ

ድሕሪ ናጽነት'ውን እንተኾነ፡ ወላ እኳ ብዙሕ ሓበሬታ እንተዘየለ ብዙሓት ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ክኸፍታ ጽዒረን እየን ዝበል ዜርእስላሰ፡ ኤርትራ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዓበይትን ናእሽቱን ደሴታት ሰለዘለዋ፡ እስራኤል ነቲ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ዝመጽኣ ምፍርራሕ ንምግታእ ኣብተን ደሴታት ወተሃደራዊ መዓሰከር ክትከፍት ድልየት ከምዝነበራ ዝሕብር ምንጭታት ከምዘሎ ይገልጽ።

እዚ ኣብ ጅቡቲ ተኸፊቱ ዘሎ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ከይተኸፍተ'ውን ኣብ ገለ እዋን ሓደ ኣመሪካዊ ጀነራል ናብ ኤርትራ በጺሑ ምንባሩ የረድእ።

ብድሕሪኡ'ውን ኢራን ኣብቲ ከባቢ ድልየታት ኣርእያ ከምዝነበረትን ብዙሕ ጽንጽንታት ከምዝጸንሓን፡ ኣብዚ እዋን ድማ ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዋ እዚ ድማ ነቲ ናይ ኤርትራ ስተራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘርኢ'ዩ ይብል።

እዘን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ስለምንታይ ንኤርትራ ቀሪበንኣ ኣብ ዝብል፡ እስራኤል ብሃገራት ዓረብ ተኸቢባ ብምህላዋ፡ ኣመሪካ'ውን ንምንቅስቓስ ግበረሽበራውያን ንምምካን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ረብሓ ንምክልኻልን፡ ኢራን'ውን ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ወጥሪ ብቐሊሉ ኢዳ ከተእቱ ዝብል እዩ ብምባል ዘርእስላሰ ይገልጽ።

እዘን ኩለን ሃገራት ንኤርትራ ሓልየን ዘይኮነስ ረብሓታተን ድልየታተንን እተሳሲ ሃገር ደልዮም ከምዝመጽኡን ዝሓበሩ ክልቲኦም ተንተንቲ፡ ንመሬት ኤርትራ ድማ ከም መሰጋገርን መሰልጠን ቦታ እምበር ንኻልእ መዓላ ከምዘይዕውልዎ ይገልጹ።

ኣብ ጁቡቲ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጥልያን ከምኡ'ውን ጃፓን ወተሃደራዊ ህላወ ኣለወን
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጁቡቲ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጥልያን ከምኡ'ውን ጃፓን ወተሃደራዊ ህላወ ኣለወን

ወተሃደራዊ መዓስከር ረብሓ ኣለዎ'ዶ

ዝብዝሓ እዘን ኣብ ካልኦት ሃገራት ወተሃደራዊ መዓስከራት ዝኸፍታ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ግጭት ዝኣተዋ ኮይነን፡ መብዛሕትኡ እዋን ነቲ ግጭት ናብ ካልኦት ሃገራት ሒዘንኦን ከምዝኸዳን፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ዝፈቐደት ልኡላዊት ሃገር ድማ ልኡላውነታ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ከምዝጽሎን ኣብ ኲናት ከምትኣቱን ኣቶ ዘርእስላሰ ይገልጽ።

ልኡላውነት እታ ሃገር'ውን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዝኣቱ ዝሓበረ ዘርእስላሰ፡ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ እዘን ሃገራት ዝገብርኦ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገልጋሊ እዘን ሓያላን ሃገራት ኬንካ ከምእትተርፍ ወሲኹ የረድእ።

"ታሪኽ ከም ዝሕብረና እተን ናይ ወጻኢ መዓስከራት ኣብ ዘአንግዳ ሃገራት ብስራሕ ዝመጽኡ ኣባላት ዝኾነ ይኹን ገበን ምስ ዝገብሩ ምስተን ሃገራት ናይ ኢሚዩኒቲ/ውሕስነት ስምምዕ ስለዘለዎም እቲ ዝፈጸምዎ ገበን ስለዝሸፋፈን ኣይሕተቱን እዮም። ብእኡ መጠን እውን ብዙሕ ናይ ዓመጽ፡ ብልሽውና ኣከያይዳ ኣሎ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነሲ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገርካ ዘሎ ፖለቲካዊ ድሞክራስያዊ ኣከያይዳታት እውን ብዙሕ ግዜ ይጸልዎ እዩ" ይብል።

ኣርሄ ሓመድናካ'ውን መብዝሕትኣን እዘን ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘለወን ሃገራት ጥዑይ ምሕደራን ወይ'ውን ፍታሓዊ ዝኾነ ስርዓት ዘለወን ኣይኮናን ይብል።

"እቶም ስርዓታት ንስልጣኖም ንምንዋሕ ዲፖሎማስያውን ቁጠባውን ሓገዛት ዝረኽብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣንጻሩ ዝተላዕለ ናዕቢ ወይ ግጭት እንተተኸፊቱ እተን ሃገራት ክሕግዛ ይኽእላ እየን። ገለ ጥቕምታት ኣሎዎ። ብዓቢኡ ግን ነተን ርእሰ ሓያላን ኣዝዩ ነዊሕ ዝጠመተ ስለዝኾነ ኣብቲ ዞባ ናተን ጸብልትነትን ህላውኣንን ከረጋግጻ ይሕግዘን"

ወተሃደራት ኤውሮጻዊ ሕብረት ኣብ ጁቡቲ

ምንጪ ስእሊ, CARL DE SOUZA/getty images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጁቡቲ ዝርከብ ሰራዊት ፈረንሳ

እቲ ቁጠባዊ ረብሓ ከኣ፡ እተን ወተሃዳራዊ መዓስከራት ዘለወን ሃገራት ካብ ናይ ኣጽዋርን ታዕሊምን ደገፍ እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝተጋነነ ረብሓ ከምዘይብለን ዝገልጽ ዘርእስላሰ፡ እታ ሓያለ መዓስከራት ሓያላን ሃገራት ዘለዋ ጅቡቲ ካብ ክራይን ንበጻሕቶም ናይ ታክሲ ኣገልግሎት ካብ ምሃብን ሓሊፋ ብዙሕ "ዝረአ ቁጠባዊ ረብሓ ኣለዎ ኢልካ ክትዛረብ ዝከኣል ኮይኑ ኣይስምዓንን" ይብል።

ህላወ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ጁቡቲ ድማ፡ ንኹሎም ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ዘለው ወገናት ከም ክልተ ዝብልሑ መላጸ ተባሂሉ'ዩ ዝግለጽ።

ጅቡቲ ወላ እኳ ከባቢ 300 ሚልዮን ዶላር ዓመታዊ እቶት ከም እትረክብ እንተተገልጸ፡ በቲ ኻልእ ወገን ግን፡ እታ ሃገር ማእከል ሰፈር ስለያታት ናይዘን ሓያላን ሃገራት ኮይና ትርከብ።

እዚ ኣብ ጁቡቲ ተኣኻኸኺቡ ዘሎ ማዕስከራት ዓበይቲ ሃገራት ብገለ ምስሕሓብ ግጭት እንተተፈጢሩ ከኣ፡ ጅቡቲ ናብ ዓውደ ወግእ ክትቅየር ትኽእል እያ።

ኤርትራ ብወገና፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ስትራተጂካዊ ቦታ ተደኲና ብምህላዋ ኣቓልቦ ናይ ብዙሓት ሓያለን ሃገራትን ጎረቤታ ኢትዮጵያ'ውን ንቐይሕ ባሕሪ ክትቆጻጸሮ ድልየት ከምዘለዋ ክገለጽ ጸኒሑ'ዩ።

ኤርትራ ንተጻብኦ ጎረባብታ ሃገራት ኣብ ሓያላን ሃገራት ተጸጊዓ ክትምክቶ ትኽልእ'ዶ ንዝብል ከኣ፡ ኣቶ ዜርእስላሰ ክምልስ እንከሎ፡

"ንዝኾነ ነገር ኣብ ታሪኽ ተሞርኩስና ክንርእዮን ክንግምግሞን ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት ደቡብ ኮርያ፡ ንኣሜሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ብምርካባ ረቢሓ'ዶ እንተይልካ ኩሉ ግዜ ክልቲአን ኮርያታት ኣብ ሓደጋ ኒዩክለራዊ ኲናት እየን ዝርከባ" ይብል።

ዜርእስላሰ ረዳኢ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይጀርያ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣቶ ዘርኣስላሰ ረዳእ

ወላ እኳ ደቡብ ኮርያ ብቑጠባ እንተረቢሓ፡ ምስ ቻይና ዘለዎም ቕልስ ንኸዕወቱ ድጎማ እናገበሩ በዝን በትን ንብረት ብምእታው ቁጠባዊ ረብሓ ከምዝረኸበት እንተተዛረቡ ብዓቢኡ ግን እቲ ኒዩክለሳዊ ኲናት ኣንጻላሊይዋ ምህለው ይዛረብ።

ኤርትራ'ውን ዋላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጻባእቲ ሃገራት እንተለውዋ፡ እቲ ቀንዲ መፍትሒ ወተሃደራዊ መዓስከር ምትካል ከምዘይኮነን'ዩ ዜርእስለሰ ዝኣምን።

"ብዙሕ ግዜ ታሪኽ እተን ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘለወን ሃገራት ከም ዘረድኣና፡ ወተሃደራት ናይዘን ዓበይቲ ሃገራት በዓል ዩናይትድ ዓረብ ኢማራት፡ ቱርኪ፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ ኣሜሪካ እውን እንተኾነት፡ ብዙሕ ግዜ ብኣብቲ ከባቢኻ ዝርከባ ሃገራት ብዓይኒ ጥርጠራ ከምእትረአ እዩ ዝገብር። ። ኩሉ ግዜ ሓደጋ ክወድቀና እዩ ዝብል ፍርሕን ኣተሓሳስባን ኣሎ። እዚ ድማ ንዓኻ ከም ሃገር፡ ምስተን ኣብ ጎረባብትኻ ዘለዋ ሃገራት እቲ ምትእምማን ዘለዎ ዝምድናታት ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል።

እዚ ድማ ንዝያዳ ሓደጋ የቃልዓካ እምበር ዝኾነ ጸጥታዊ ቁጠባውን ረብሓ ኣይህብን'ዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

እቲ ቀደም ኤርትራ ዝነጸገቶ ወተሃደራዊ መዓስከር ስለምንታይ ሕጂ ኣድልዩ? ኣብዚ እዋን እዚ ንሩስያ ምሕጋዝ ማለት መርገጺ ምሓዝ ማለት ስለዝኾነ ኣብ ዓይኒ ምዕራባውያን ምእታው እዩ። ስለዝኾነ፡ እቲ ዝርከቦ ወተሃደራውን ንዋታውን ጸጥታውን ሓገዝ ንሓጺር ግዜ ስለዝኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ንኤርትራ ከምዘይረብሓ ይገልጽ።

ኣቶ ኣርሄ'ውን ብወገኑ፡ እዘን ሃገራት ወላ'ኳ ኣንጻር ሽበራውያን ሓይልታትን ቅርሰናን ክቃለሳ እንተመጽኣ፡ ዝያዳ ናተን ፖለቲካዊ ስትራተጂ ከምኡ'ውን ረብሓታተን ኣቐዲመን ከምዝሰርዓ'ዩ ዝገልጽ።

ሰራዊት ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀርኒ ኣፍሪቃ

ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣገዳሲ መጓዓዓዚ መስመር ነዳዲ ስለዝኾነ ብዙሓት ዞባውያንን ኣህጉራውያን ሓይልታትን ፡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ከፊተን ይርከባ። ። ብሓፈሻ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ቀርኒ-ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኩነታት ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን በብእዋኑ ብሰንኪ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ እናበኣሰ ይኸይድ ኣሎ።

ርእሰ ሓያላን ሃገራት ምዕራብ፡ ርሑቕ ምብራቕን ማእከላይ ምብራቕን፡ ንቀይሕ ባሕርን፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝገብርዎ ምትእትታው ብጋህዲ ክረኣ ጸኒሑ'ሎ።

ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ'ውን ብሰንኪ ኣብቲ ሃገራትን ዘሎ ፖሎቲካዊ ቅልውላው፡ መሰረታዊ ፖሎቲካውን ቁጠባውን ዕድላቱ ተጨፍሊቑ፡ ኣብ ልዕሊዑ ንነዊሕ ዘመናት ዝቐጸለ ኣደራዕ ተሰኪሙ ኣደዳ ስደትን ሞትን ኮይኑ ይርከብ።

እዚ ርግኣት ዝሰኣነ ዞባ ድማ ኣብ ኣስካፊ ኩነታት ከምዘሎ ኣቶ ዜርእስላሰ ረዳእ ይገልጽ።

ሱዳን፡ ኣብ እዋን መሰጋገሪ መንግስቲ ምህላዋ፡ ኣብዚ እዋን ድማ ብዙሕ ጸገማትን ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዘጓነፋን፡ እቲ ዘሎ ምዕባለታት ግን ኣወንታዊ ከምዝኾነ ክሰሓት የብሉን ይብል።

ኢትዮጵያ'ውን ብወገና ብሰንከ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ዓሌታዊ ምትፍናን ጎንጽን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍልይ ዝበለ ዘይምርግጋእን ዕግርግርን ከየስዕብ ስክፍትኡ ይገልጽ።

ኤርትራ'ውን ብወገና እቲ ዘሎ ሕማቕ ምሕደራ፡ ጉድለት ናይ ደሞክራሲ፡ ኣብ ወልቀምልኪ ዝተመርኮሰ 'ናይ ገባርን ሓዳግን ስልጣን ዘለዎ መንግስቲ ብምዃኑ እታ ሃገር ኣብ ቁጠባውን ሰኣብውን ቅልውላው ኣቲያ ትርከብ።

እዚ ፍትሒ ዝጎደሎ ኣስራሕሓ ድማ ነቲ ዞባ ኣብ ከቢድ ስግኣትን ወጥርን ኣእቲይዎ ከምዘሎ ኣቶ ኣርሄ ወሲኹ የረድእ።

ነዚ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዞባውያን ሓይልታት ዝግበር ቁሩቁስ ኣብ መንጎ ግብጽን ሱዳንን ከምኡ'ውን ኢትዮጵያን ግብጽን ዘሎ ምፍጣጥ ፈለግ ኒል፡ ኣብ መንጎ ግብጺ፤ ስዑዲ ዓረብ፤ ኢማራትን ብሓደ ወገን ድማ ኢራን፤ ቀጠር፤ ቱርኪ ውድድር ነቲ ዞባ ስላምን ርግኣት ከሊእዎ ከምዘሎ ኣቶ ኣርሄ የሕብር።

ኤርትራ፡ ኣብቲ መላግቦ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሓውሲ ደሴት ዓረብን ከምኡ'ውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንወተሃደራዊ መዓስከራት ክኾና ዝኽእላ ሓያለ ደሴታት ስለዘለዋ ጸጥታኣን ልዑላውነታን ኣብ ምዕባለን ርግኣትን መጻኢኣ ኣገዳሲ ምዃኑ እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ ይሕብሩ።