ቅልውላዉ ትግራይ፡ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ ሰባት ንምድሓን 'ምቁራጽ ተጻብኦ' ክግበር ትካላት ረዲኤት ጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, EU Live Web
ኣብ ብሪጣንያ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ዋዕላ መራሕቲ ጉጅለ-7 ሃብታማት ሃገራት ዓለም ብዛዕባ'ቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ ኣልዒሉ ክዝቲ ምዃኑ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፈልትማን ሓቢሩ።
መራሕቲ ቀንዲ ትካላት ረዲኤት፡ ካልኦት ሰብመዚ ኣመሪካን ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ዘካየድዎ ክፉት ሓበራዊ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጉዳይ ትግራይ ኣጀንዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክኸውን ዝግብኦ ምዃኑ'ውን ተዛሪቡ።
"ኣኼባ ጉጅለ-7 ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ክካየድ'ዩ። ኢትዮጵያ ድማ ሓደ ካብ ኣጀንዳታቱ'ያ። እዞም መራሕቲ፡ ናይ ዓለም ኣጀንዳ ክውስኑ ዝኽእሉ'ዮም። ጉዳይ ኢትዮጵያ ድማ ኣገዳሲ ምዃኑ ወሲኖም ኣለዉ" ኢሉ።
ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ኣለዎም ዝበለ ፈልትማን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዞባዊ ምርግጋእን'ውን ካብቶም ጠመተ ክረኽቡ ዘለዎም ጉዳያት ምዃኖም ኣሚቱ።
ኣብቲ ብቐጥታ ብማንዛ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተኻየደን ብጋዜጠኛ ሲ-ኤን-ኤን (CNN) ንዕማ ኣልባቒር ዝተመርሐን መድረኽ፡ ሓላፊ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ማርክ ሎውኮክ፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ ኮሚሽነር ዓለምለኻዊ ሽርክነት ሕብረት ኣውሮጳ ጁልታ ኡርፒላይነን ብጻያ ኮሚሽነር ህጹጽ ቅልውላዉ ጃነዝ ሌናርኪክን ተሳቲፎም።
ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ (Norwegian Refugee Council) ያን ኤገላንድ፡ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወርን፡ ተኸታታሊት ጾታዊ ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩነታት ግጭት ዝኾነት ፕራሚላ ፓተንን'ውን ኣብቲ ናይ ማንዛ ኣኼባ ተሳቲፎም ነይሮም።
እቲ መድረኽ ንሃገራት ናይቲ ዞባ ዘግለለ ምዃኑ፡ "ግጉይ ትረኻ" ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ግረብመልሲ፡ "ኣድላይነት ዘይብሉን ዘይሃናጽን ምዃኑ፡ ንናጻ ኣተሓሳስባን፡ ንሰብ ብጽሒት ኣካላት ናይቲ ዞባን ዘይምስታፉ ዘርእዮ'ዩ" ኢሉ።
"እቲ ኣዝዩ ዘድሊ ዘሎ፡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራን ሳዕቤናትን ናይቲ ኩነታት ሚዛናውን ዝርዝራዊን ልዝብ ምክያድ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ "ዋላ'ኳ ሰብኣዊ ሳዕቤናት እቲ ግጭት ዝግብኦ ህጹጽነትን ዕቱብነትን ክወሃቦ እንተለዎ፡ ንገበናት ህወሓት ምሕጻብ" ግን ንዞባዊ ምርግጋእን ሰላምን ዘየገልግል'ዩ ክብል ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ነቒፉ።
ነቲ ብሰንኪ ኲናት ስዒቡ ዘሎ ዓጸቦን ጥምየትን ንምፍታሕ፡ ኩሎም ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ምቁራጽ ተጻብኦታት ከካይዱን፡ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይ ጸገም ናብቲ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢታት ክኣቱ ከፍቅዱን እቶም መራሕቲ ጸዊዖም ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 350,000 ኢትዮጵያውያን ኣብ ናይ ዓጸቦ ኩነታት (5ይ ደረጃ ስእነት መግቢ) ከምዝርከቡ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ክልል ትግራይን፡ ምስቲ ክልል ዝዋሰኑ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን'ዩ ተኻይዱ።
"ድሕሪ'ቲ ናይ 2011 ናይ ሶማልያ ዓጸቦ ዝተራእየ ናብ ደረጃ 5 ዝበጽሐ ዝለዓለ ቁጽሪ'ዩ" ይብል እቲ ጸብጻብ።
እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዓጸቦ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ።
ኮሚሽነር ብሄራዊ ትካል ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ምትኩ ካሳ፡ ምስ ሚንስተር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፡ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ገበርቲ ሰናይ ብምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዛት የቕርብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ገለ ካብቶም ኣብቲ መደረኽ ዘልዓልዎም ቀንዲ ጉዳያት
ብተደጋጋሚ ክቐርብ ዝጸንሐ ምሕጽንታታት ነቶም ቀንዲ ህጹጻት ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ለውጢ ከምዘይገበረን፡ ካብ ቃላት ዝሓለፈ ግብራዊ ስጉምቲ ክውሰድ እቶም መራሕቲ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ጸዊዖም።
ትካላት ረዲኤት ኣብ ገለ ቦታታት ኣትዮም ከምዘለዉ ዝሓበረ፡ ሓላፊ 'ኖርወጂያን ረፊዩጂ ካውንስል' ያን ኤገላንድ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ግን ረዲኤት ይኹን ሰራሕተኛታት ረዲኤት ከምዘይራኣዩ ጠቒሱ።

ምንጪ ስእሊ, EU
ሓላፊት ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ፡ ሳማንታ ፓወር ብወገና፡ ጉዳይ ትግራይ ኣጀንዳ ባይቶ ጸጥታ ክኸውን ኣለዎ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ "መቕዘፍቲ" ክትብል ዝገለጸቶ ግጭት ንምፍታሕ ኩሎም ወገናት ሰላማዊ ፍታሕ ከናድዩ ጸዊዓ።
ባይቶ ጸጥታ፡ "ምቁራጽ ተጻብኦታት ንምግባር ንክሰማማዕ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ጸቕጢ ክገብርን፡ [ንሓይልታት] ኤርትራን ኣምሓራን መግትኢ ክገብረሎምን" ኣለዎ ኢላ።
ሕብረት ኣውሮጳ "ኣብ ጎኒ'ቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደው ክንብል ግዴኣና'ዩ" ዝበለት ሓላፊት ዓለምለኻዊ ምትሕግጋዝ እቲ ሕብረት ጁልታ ኡርፒላይነን ብወገና፡ ነቶም ዝተፈጸሙ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ንምጽራይ "ዘይሻራዊ መርመራ" ክካየድ ጠሊባ።
"ወተሃደራዊ ፍታሕ ከምዘየሎ ኩላትና ንፈልጥ ኢና" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ኲናት ደው ክብልን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከምዝወጸ ብወግዒ ክረጋገጽ ኣለዎ ኢላ።
እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ "ኣሸባሪ" ኢሉ ብወግዒ ዝኾነኖ ህወሓት ክዘራረብ ቅሩብ ከምዘይኮነ'ዩ ክምጉት ምጽንሑ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, EU
"ዕስራ ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ኩነታቶም ኣይፍለጥን" ክብሉ'ውን እቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳ ብዛዕባ'ቶም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሽመልባን ሕጻጽን ክወጹ ዝተገደዱ ኤርትራውንያን ተዛሪቦም።
ፍልይቲ ተኸታታሊት ጉዳያት ጾታዊ-ዓመጽ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኩነታት ግጭት ፕራሚላ ፓተንን'ውን፡ ዋላ'ኳ ምሉእ ቁጽሪ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ግጭት ትግራይ እንተዘይብላ፡ ሓያሎ ጸብጻባት ከምዝበጽሓ ብምግላጽ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ውሕስነት ክረኽባ ጠሊባ።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉን፡ ኣብቲ ክልል ቅትለት፡ ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ዓጸቦን ዕንወትን ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







