መንግስቲ ኤርትራ፡ 'ምምሕዳር ጆ ባይደን ግጭትን ዘይምርግጋእን ንምፍጣር የሳውር ኣሎ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ፡ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንመራሕቲ ህወሓት[ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ] ትድግፍ ምንባራን ነዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ተከሲቱ ዘሎ ኩነታት ናብ ኤርትራ ከተላግቦ ምህቃናን መሰረት ኣልቦ እዩ ምባሉ ዋሽንግተን ፖስተ ኣቓሊሓ።
ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ጸብዳቡ፡ ንምምሕዳር ጆ ባይደን ጣልቃ ብምእታውን ብታህዲድን "ግጭትን ዘይምርግጋእን ንምፍጣር የሳውር ኣሎ" ብምባል ከሲስዎ።
ብተወሳኺ፡ "እዚ ኹሉ ተግባራት ከአ ነቲ ተረፍመረፍ ናይ ስርዓት ህወሓት ትንፋስ ንምስኳዕ ዝዓለመ እዩ" ምባሉ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺባ።
ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ፍልልያት ተጋዲዱ፡ ብኣቆጸጽራ ኣውሮጳ 3 ሕዳር 2020 ኲናት ምስተወለዐ፡ ሰበስልጣን ትግራይ መንግስቲ ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሕጋዝ ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወን ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ምስ ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ከም ዘለዉን ገሊጾም ነይሮም።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ወታሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣለዉ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክነጽጉዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለ ዝተንሳቐሰ ናይ ድሕነት ስግኣት ዝሓደሮ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ኣብ ዶብ ዘለዉ ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸረ ገሊጹ።
ኣብ ምጅማር እቲ ኵናት ኣብ 14 ሕዳር ሰራዊት ህወሓት ናብ ኣስመራ ደብዳብ ናይ ሚሳይል ከምዘካየዱ ምስ ገለጹ ኤርትራ ነብሳ ንምክልኻል ኢላ ነቲ ኵናት ከምዝተጸንበረቶ ዝገልጹ'ውን ኣለዉ።
ብ27 ሕዳር'ውን ብተመሳሳሊ ናብ ኣስመራ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ምክያዱ ይዝከር። ኣመሪካ ትርከበን ሓያሎ ሃገራት: ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ብተደጋገሚ ክጽውዓ ጸኒሓን እየን።
ሓይልታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኩሎም ኣብ ትግራይ ዝዋግኡ ዘለው ወገናት፡ ቅትለትን ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ተጣበቕቲ ይኸሱ። ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ምንጪ ስእሊ, united nations
ተወሳኺ ጸቕጢ ንምፍጣር'ውን ኣመሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ይፍጸም ኣሎ ዝተብሃለ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓመጽን ራስያን ግብረ መልሲ ብምሃብ ኣብ ልዕሊ ዝርዝሮም ዘይገለጸቶም መራሕቲ ኤርትራ፡ ካብ ህወሓትን ክልል ኣምሓራን ዝርከብዎም መራሕቲ ኢትዮጵያን ናይ ቪዛ እግዳ ኣንቢራ ትርከብ።
ፕረስ ሰክሬታርያት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝኾነት ብሌነ ስዩም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ክወጽእ ጀሚሩ ኣሎ ኢላ ነይራ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቀድም ኣቢሉ፡ ብመንገዲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኩሎም ኣባላት ህወሓት ግብረሽበራውያን እዮም ኢሉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ንሸወዓተ ኣዋርሕ ብዘይምቁራጽ ዝካየደ ዘሎ ኵናት ኣሽሓት ሰባት ከምዝሞቱን ዓሰርተታተት ኣሽሓት ናብ ሱዳን ከምዝተሰዱን ይግለጽ።
ብዘይካ እዚ ኣስታት 90 ሚኢታዊት ህዝቢ ናይታ ክልል ተጸባዩ ህጹጽ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎን ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንዝበዝሐ እቲ ሓገዝ ዝድልዩ ህዝቢ ክብጽሖ ከምዘይክኣለ ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ይገልጻ።
ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ።
ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ከኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ። ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።
እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ። እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







