ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ከምዝጀመሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ዝኣተዉ ሓይልታት ኤርትራ፡ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክወጹ ከምዝጀመሩ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ገሊጻ።
ቢልለኒ ስዩም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ክልል ከወጹ ከምዝተሓተቱን፡ ብመሰረት ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ከወጹ ከምዝጀመሩን ተዛሪባ።
ኣብቲ ድሮ ሸውዓተ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኩሎም ወገናት፡ ቅትለትን ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽን ዝርከብዎም ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ ተጣበቕቲ ይኸሱ። ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ንምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ክነጽግዎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወርሓት መጋቢትን ሚያዝያን ናይዚ ዓመት፡ ካብ ትግራይ ክወጹ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ስምምዕ ከምዝተገብረ ምግላጾም ይዝከር።
እታ ኣፈኛ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ'ሎ ንዝብል ክሲ ብምንጻግ፡ እኳ ድኣ መንግስቲ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ንምቕራብ ምስ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ሓያሎ መሻርኽቲ ናይ ረዲኤት ትካላት ይሰርሕ ኣሎ ክትብል ተዛሪባ።
ነቲ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቕርብዎ ነቐፌታታት ኣብ ዝሃበቶ ግብረመልሲ'ውን፡ "ብባህሪኡ ትዕቢት ዝመልኦን፡ ናይ ልዕልና ቃና ዘለዎ፡ ተጻባኢ ኣገባብ ዝተኸተለን ኣዕናዊ ውጽኢት ዘለዎን'ዩ" ክትብል ነጺጋቶ።
እቲ ብ3 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ ናይ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታን ሰራዊት ፈደራልን ዝተወልዐ ግጭት፡ ኣብቲ ክልል ሰፊሕ ምፍንቓል፡ ሞትን ስደትን ዝርከብዎ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብታ ዕለት፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ዝዓበየ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊኦም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ብ4 ሕዳር ኣዚዙ።
መራሕቲ ህወሓት ግን 'ናይ ቅድመ-ምክልኻል' ስጉምቲ ከምዝወሰዱ'ዮም ዝምጉቱ።

ምንጪ ስእሊ, PM Office/video
ኣብቲ ኲናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።
ኣስታት 2 ሚልዮን ካብ ኣባይቶምን ዝነብርሉ ከባቢታትን ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ልዕሊ 60,000 ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ። ብሓፈሻ ኣስታት 5 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ኮይኖም ኣለዉ።
ኣብቲ ክልል ኣብ ዝነበራ መዓስከራት ተዓቚቦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት'ውን ኣብቲ ኲናት ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ነይሮም'ዮም።
እቲ ኣብ ውሽጢ ናይ ሳምንታት እዋን ክእዛዘም ምዃኑ ዝተነግረሉ ኲናት፡ ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ምህላዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣመዓባብላ ናይቲ ኵናት
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጸኣ ፖለቲካውን ሕገመንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ጠንቂ ናይቲ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኣብ መጋቢት 2018 ዝጀመረ ኮይኑ ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣንን ምድኻምን ምድፋእን ህወሓት ካብቲ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዓብላልነት ዓትዒትዎ ዝነበረ ፈደራላዊ ስልጣንን ዝተኣሳሰር'ዩ።
ኣብ ሕዳር 2019፡ ኢህወዴግ ውሁድ ገዛኢ ሰልፊ ክኽውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ህወሓት ነቲ ውሳነ ስለ ዘይተቐበሎ ከም ዝወጽእ ኣነጺሩ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይቲ ዓመት ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ፍትሕ ወግዓዊ ኮይኑ።
በዚ ድማ ብልጽግና ገዛኢ ሰልፊ ኮይኑ፡ ህወሓት ከኣ ከም ተቓዋሚ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ዝምራሕ ብልጽግና ደው ኢሉ።
ኣብ መጋቢት 2020 ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ነቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተናውሐ ድሕሪ ምግላጹ፡ ህወሓት ነቲ ለበዳ ብዝከላኸል ኣገባብ ክካየድ ይኽእል'ዩ ዝብል ምጉት ብምልዓል ነቲ ምንዋሕ ኣይተቐበሎን።
እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይቲ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ከብቅዕ ዝነበሮ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ንውሳነ ኮሚሽን ምርጫ ብምርዓም፡ ዕድመ ስልጣን ፈደራላውን ክልላውን መንግስታት ክናዋሕ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ህወሓትን እቲ ንሱ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብወገኖም፡ እቲ ውሳነ "ዘይሕገመንግስታዊን" "ዘይሕጋውን" ብምባል ንውሳነ ናይቲ ቤትምኽሪ ነጺግዎ።
ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ክልቲኡ ባይቶታትን ኣፍልጦ ከም ዘይህቦም'ውን ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ'ውን፡ እታ ኣፈጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረትን ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ህወሓትን ዝነበረት ወ/ሮ ኬርያ ኢብራሂም እቲ ውሳነ ከይሓለፈ እንከሎ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020 ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ወሪዳ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንውሳነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ቤት ምኽሪ ፈደረሽንን ድሕሪ ምጽዳቑ ኸኣ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ምርጫ ከካይድ ብ12 ሰነ 2020 ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ክልላዊ ምርጫ ከካይዶ'ኳ ብወገን ትግራይ ጠለብ ቀሪቡሉ እንተነበረ፡ ስለዝነጸጎ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ከቕውም ተገዲዱ።
ብ9 መስከረም 2020 ድማ ምሉእ ብምሉእ ህወሓት ዝተዓወተሉ ክልላዊ ምርጫ ተኻይዱ።
ድሕሪ'ዚ ክልቲኦም ወገናት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም፡ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ኣትዮም።
እቲ ዝነበረ ወጥርን ምትፍናንን እናገደደ ድሕሪ ምምጽኡ ድማ፡ ተኽእሎ ኵናት እናዓበየ መጺኡ።
ብወገን ህወሓት፡ ዝርርብ ክካየድ እንተኾይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስርት፡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፈትሕን ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ክፍጠርን ዝብል ቅድመ ኵነት ቀሪቡ።
እንተኾነ ግን፡ እቲ እናኸረረ ዝመጸ ምትፍናንን ወጥሪን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕን ሰፊሕን ኲናት ኣምሪሑ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ቅልውላዉ ፈጢሩ ይርከብ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







