ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወጽእ ህዝቢ 'ብተደጋጋሚ' ይጠልብ ከምዘሎ ግዝያዊ ከንቲባ መቐለ ኣረጋጊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ምንጪ ስእሊ, ERITREA - MOI

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ህዝቢ 'ብተደጋጋሚ' ይሓትት ከምዘሎ ግዝያዊ ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ቢቢሲ፡ ብዛዕባ'ቲ እቲ ግዝያዊ ከንቲባ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ሓደ ህዝባዊ ኣኼባ ዝሃቦ መልሲ ዝሓዘ ቪድዮ ምውጽኡ ምስ ተወከሶ፡ ምስ ህዝቢ ተዘራሪቦምሉ ከምዝነበሩ ሓቢሩ።

"እቲ ሕቶ ብተደጋጋሚ ብልመጸ፡ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መድረኽ ጸዊዕና፡ እቲ ናይ እዚ ሰሜን ጀነራል'ውን መጺኡ ነቲ ሕቶ መልሲ ክህበሉ'ዩ ተገይሩ" ክብል ኣቶ ኣታኽልቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ጠቒሱ።

እቲ ካብ ህዝቢ ዝቐረበ ሕቶታት "ምስ ናይ ኤርትራ፡ ምስ ናይ ልኡላውነት ናይ ክልል ዶብ ዝተሓሓዝ" ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣታኽልቲ፡ "ነዚኦም ዓይነት ጉዳይ ምላሽ ክህብ ዝግብኦ እቲ ዝምልከቶ ናይ ኮማንድ ፖስት ኣካል" ምዃኑ እቲ ጀነራል ምላሽ ሂቡሉ ነይሩ ክብል'ውን ተዛሪቡ።

ላዕለዋይ ኣዛዚ እዚ ሰሜን ሰራዊት ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል በላይ ስዩምን ግዝያዊ ከንቲባ መቐለ ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰን ዝርከብዎም ሓለፍቲ ብ25 ታሕሳስ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝርከብ ኣደራሽ ተረኺቦም ሕቶታት ህዝቢ መሊሶም ምንባሮም ማዕከናት ዜና መንግስቲ ፈደራል ጸብጺበን ነይረን።

ኣብቲ ኣኼባ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ሙሉ ነጋን ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሚኒስተር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዶ/ር ኣብርሃም በላይን ተረኺቦም ነይሮም።

ብመሰረት ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዘሕለፎ ውሳነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ንዶ/ር ሙሉ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክምስርት ከምዝሾሞ ይዝከር። ብዙሓት ተጋሩ ግን ነቲ ውሳነ ከምዝቃወምዎ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ንሰሙናት ዝቐጸለ ዉግእ "ሓገዝ ኤርትራ" ከም ዝረኸበ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ኤርትራን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIA GOVERNMENT

"ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሕማቕ እዋን ኣብ ጐድንና ደው ብምባል ምሕዝነቶም ኣመስኪሮም'ዮም" ክብል'ውን ናእዳኡ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተንታኒ ኣፍሪቃ ኣለክስ ደቫል ብወገኑ፡ ካብ "እሙናት መንጭታት" ረኺበዮ ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት፡"ወትሃደራት ኤርትራ ኣብ ምዝራፍ ንብረት" ኢድ ከምዝነበሮም ገሊጹ ነይሩ።

ገለ ኤርትራውያን ከም ዝበልዎ ወትሃደራት ኤርትራ፡ እንኮላይ መቕርቦም፡ ኣንጻር ሓይልታት ህወሓት ኣብ ብርክት ዝበሉ ግንባራት ክዋግኡ ምጽንሖም መስኪሮም።

ኤርትራ ግን ወተሃደራታ ኣብ ትግራይ ከም ዘየለዉ'ያ እትዛረብ።

ኣብ መጀመርታ እዋናት ናይቲ ግጭት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ "ኢድና ኣየእተናን" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ ብመራሕቲ ትግራይ ዝቐርብ ዝነበረ ክስታት ምትእትታው ኤርትራ፡ ብክልቲኦም መንግስታት ምንጻጎም ይዝከር።

ብሰንኪ ዝጸንሐ ምቁራጽ መስመራት መራኸቢታትን ኢንተርነትን፡ ኣብቲ ግጭት ንዝተፈጥረ ኩነታት ብጭቡጥ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኩነታት ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ግዝያዊ ከንቲባ ኣብቲ ቪድዮ እንታይ'ዩ ኢሉ?

ኣቶ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ፡ ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቁራጽ ቪድዮ ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ይስማዕ።

"ክወጹ እኒአዎም፡ ልምንታይ ኣትዮምና ዝብል ነገር ንግዝያዊ ምምሕዳር [ዝቐርብ]መዓልታዊ ሕቶ'ዩ።

"መድረኽ ኣዘጋጂና'ውን፡ ዝምልከቶም ወታሃደራዊ ኣመራርሓ መልሲ ክህቡ ተገይሩ'ዩ።

"ኣብኣ ዝተዋህበት መልሲ፡ [እቲ ናይ ኤርትራ ሰራዊት] ንምንታይ ከምዝኣተወ፡ እቲ ብኡ ወገን ክሕሉ ተዘጋጅዩ ዝነበረ ናይዚ ዓዲ'ዚ ዓበየ ሓይሊ ዘለዎ እዝ ብድሕሪት ክውጋእ ስለዝተገበረ፡ ብኡ ዝከላኸል ዓቕሚ ዘይምንባሩ ምእታዎም፡ ኣብ ዝሓጺር ግዜ ካብ ዓድና ክወጹ ይስራሕ ከምዘሎ፡ ቃል ብቓል ተነጊራ'ያ።

"እዚኣ ምስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምትሕሓዝ ምምኳር ጌጋ'ዩ" ይብል ኣቶ ኣታኽልቲ።

ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ክልል ዝምልከት "ዝተማልአ ምላሽ ንምርካብ" ንኣዛዚ ሰሜን እዝ ዝኾነ ጀነራል በላይ ምውካስ ከምዝሓይሽ ብምግላጽ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይመርጽ ኣቶ ኣታኽልቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።