ኢትዮጵያ፡ ምጽራይ ሓቅታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብታ ብዕፈናን ብኽቱር ድኽነትን እትፍለጥ ሃገረ ኢትዮጵያ ሓደ ኣስፋኒ ሰላምን ቁጠባዊ ዕብየት ከመዝግብ ዝኽእል መራሒን መጺኡ ተባሂሉ ተናኢዱ ነይሩ።

ኣብ 2019 እውን ነቲ 20 ዓመታት ዘቁጸረ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ሃዋሁ ኣይ ሰላም ኣይ ኵናት ስለዝፈተሖ ሽልማት ኖብል ሰላም እኳ እንተተዓወተ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኸሰተ ኵናት፡ መንግስቱ ብዝወሰዶ ስጉምትን ነቲ ናይ ዝጀመሮ ምምሕያሽ ከም ኣጀማምርኡ ስለዘይቐጸሎን ንኣደዳ ነቀፌታ ተቓሊዑ'ዩ።

እቲ ኣብ ሰነ 21 ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ'ውን ዓቢ ፈተና ኮይኑ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ'ሎ።

ንሎሚ ንገለ ካብቶም ኣብ እዋን ጎስጓስ ምረጹኒ ዓሚመዮም ዝበሎም ክንድህስስ ኢና።

"ኣስታት 45 ሽሕ እሱራት ተፈቲሖም"

ትካላት ተጣበቐቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስታት ኢትዮጵያ ንዝዳረግዎም ተቓወምቲ ይኣስሩ እዮም ብምባል ብተደጋጋሚ ይነቕፍዎም እዮም።

ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ሰልጣን ምስ መጽአ፡ እሱራት ፖሎቲካ ብምፍትሑ ብዙሕ ተወዲሱ እዩ።

ፍስሃ ተኽለ ኣብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ተመራማሪ እዩ፡ ፍስሃ፡ ዋላ እኳ ዝርዝር ናይቶም ዝተፈተሑ እሱራት እንዘይሃለወ ብዝሒ ናይቶም ዝተፈተሑ እሱራት 45 ሽሕ ክጽጋዕ ከምዝኽእል እዩ ግምቱ ዘቐምጥ።

እንተኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ኸኣ ብዙሓት ፖሎቲከኛታት ተቐይዶም'ዮም።

ትካላት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣሽሐት ፖሎቲከኛታት ከምዝተኣሰሩ ሰኒደን ኣለዋ

ንሱ፡ "ኣምነስቲ ኢንትርናሽናል ዝኣከቦ ጸብጻብ ኣብ ጦላይ [ወተሃደራዊ መዓስከር] ካብ ጥሪ ክሳብ መስከረም 2019 ኣብ ዝነበረ ግዜ ብውሕዱ 10 ሽሕ ሰባት ብጅምላ ተኣሲሮም" ይብል።

ብምስዓብ "ብተመሳሳሊ ኣቀዲሞም ኣብ ሳንቓለ [ማእከል መሰልጠኒ ፖሊስ] ዝተኣሰሩ ብውሕዱ 2000 እሱራት ኣለዉ" ይብል።

ላቲሻ ባደር ካብ ሁማን ራይትስ ዎች ኮይና "ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ ስልጣን ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ስልጣና ናይ ኣብይ ኣሕመድን ዝነበረ ምፍታሕ እሱራት ፖሎቲካ ኣዝዩ ዝንኣድ እዩ ነይሩ፡ እዚ ኸኣ ንብዙሓት ኣዳህሊሉ እዩ" ትብል።

ብምስዓብ "ኣብ መፋርቅ 2019 ድሕሪ እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ መፈንቅል መንግስቲ ተፈቲኑ ምስ ተብሃለ፤ መንግስቲ ብዙሓት ፖለቲከኛታት ክኣስር ጀሚሩ፡ እቲ ምእሳር ኣብ 2020'ውን ቀጸሉ፡ እቲ ምእሳር ኣብ ልዕሊ ፍሉጣት ፖሎቲከኛታት፤ ንስድርኦም፤ ንደገፍቶም፤ ንጋዜጤኛታትን ንስነጥበባውያን'ውን ኣረኻኺብሎም" ትብል።

"ግድብ ህዳሰ ኣብ ሱዳን ክስዕብ ዝኽእል ዝነበረ ከቢድ ዕልቕልቕ ተኸላሉ'ዩ"

ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብቲ ናብ ሱዳን ዝኣቱ ሩባ ኣባይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ እዩ ተሃኒጹ ዘሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ሓጽቢ፡ ኤለትሪክ ብምምንጫው ኣብ ቑጠባ ሃገሩ ዓቢ ግደ ከምዝህልዎ እዩ ተስፋ ኣንቢሩሉ ዘሎ።

እንተኾነ፤ እተን ዓመታዊ ማየን ካብዚ ሩባ ዝጽበያ ግብጽን ሱዳንን ብውሳነ ናይ ኢትዮጵያ ሕጉሳት ኣይኮናን፡ ከምውጽኢቱ'ውን ምስ ኢትዮጵያ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ምስሕሕባ ተጸሚደን ይርከባ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም መእመኒ ኢሉ ካብ ዘቕርቦም ሓሳባት፡ እቲ ሓጽቢ ንሱዳን ከጋጥማ ካብ ዝክክል ናይ ክረምቲ ዕልቅልቕ ዝከላኸል እዩ ዝብል እዩ።

ዓቢ ግድብ ህሳደ ኢትዮጵያ

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ገጽ ምምላእ እቲ ሓጽቢ ምስ ኣካየደት'ውን እንተኾነ ሱዳን ካብ ዕለቕልቕ ኣይተናገፈትን።

መሓመድ ባሽር ኣብ ዩኒቨርስቲ ማንቸስተር ተመራማሪ እዩ። "ናይ ሱዳን ዕልቕለቕ ካብ ነሓሰ ክሳብ መስከረም 2020 እዩ ኣጋጢሙ፡ ኢትዮጵየ ኸኣ ነቲ ሓጽቢ ኣብ ወርሒ ሓምለ እያ ኣካይዳቶ፡ ስለዚ እቲ ዕልቅልቕ ናይ ሱዳን ምስ ምምላእ ሓጽቢ ናይ ኢትዮጵያ ዋላ ሓንቲ ዘተሓሕዝ የብሉን" ይብል።

ኢትዮጵያ ነቲ ሓጽቢ ክትመልኦ ምስ ጀመረት፡ መጠን ማይ ሱዳን ነክዩ እዩ፡ እቲ ሓጽቢ መሊኡ ክፈስስ ምስ ጀመረ ግን እቲ ናብ ሱዳን ዝፈስስ ዝነበረ መጠን ማይ ብቅጽበት ናብቲ ዝነበሮ ተመሊሱ።

ሱዳን ኣብ መጀመርታ ነቲ ኢትዮጵያ ተካይዶ ዘላ ዓቢ 'ፕሮጀክት' ዘለዋ ደገፍ ትገልጽ ነይራ እያ፡ መሓመድ ባሽር ነዚ ኣመልኪቱ "ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዕልቅልቅ ሱዳን ዝህልዎ ጽልዋ፡ ኣብ መስርሕን እቲ ሓጽቢ ከመይ ክሰርሕን ተራእዩ እዩ ክፍለጥ ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝህሉ ምውህሃድ'ውን ክውስኖ'ዩ" ይብል።

"ኣብ ኣርባዕተ ዓመታት 20 ቢልዮን ፈልሲ ክንተክል ኢና"

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ክሳብ 2022 ኣብ ዘሎ ግዜ ዓመታዊ ሓሙሽተ ቢልዮን ፈልሲ ክትከል ምኳኑ ቃል ኣትዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሰነ ክሳብ መስከረም 2019 ኣብ መላእ ሃገር ልዕሊ ኣርባዕተ ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ገሊጹ። ኣብቲ እዋን ኣብ ሓደ መዓልቲ 353 ሚልዮን ፈልሲ ከምዝተተኸለ'ውን ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብ 2020 ሓሙሽተ ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ክሕበር እንከሎ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ኸኣ ሽዱሽተ ቢልዮን ፈልሲ ንምትካል ውጥን ወጺኡ ኣሎ።

እዚ ኹሉ ዝተብሃለ ድንቂ ኣንቅዶ እኳ እንተኾነ ሓቅነቱ ከተራጋገጽ ግን ኣዝዩ ኸቢድ እዩ።

ኣብ 2019 ቢቢሲ ነቲ ኣብቲ ዓመት ተተኺሉ ዝተብሃለ ፈልሲ ንምፍላጥ ኣብ ዝገበሮ ምጽራይ፡ ነቲ ዝተገለጸ ቁጽሪ ንምርግጋጽ ኣብ ዝገበሮ ፈተነ ውሑድ መርትዖታት እዩ ክረክብ ክኢሉ።

ሓደ ሰብኣያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፈልሲ ንምትካል ኣብ ኢዱ ፈልሲ ሒዙ ይርኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ትሽዓተ ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተተኸለ እዩ ዘግልጽ

እቲ ተተኺሉ ዝብሃል ዘሎ ብዝሒ ፈልስታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ ኣሃዝ እዩ፡ ብነጻ ኣካል ክጻረዩ'ውን ዝካኣል ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ብድሆ 'እቲ ዝተተኸለ ፈልስታት ይጸድቕ ኣሎ ድዩ?' ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ።

ክኢላታት ካብ ዝትከሉ ፈልስታት 30 ሚኢታዊት ናይ ምጽዳቕ ተኽእሎ ከምዘለዎም ክገልጹ እንከለዉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2020 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተተኸለ ፈልስታት እቲ 84 ሚኢታዊት ጸዲቑ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።

'ንጽላት ቴሌኮም ነጻ ክንገብሮ ኢና'

ኢትዮጵያ፡ ንኽልተ ትካላት ናይ ቴሌኮም ፍቃድ ስራሕ ሂባ [ሸይጣ] ኣላ፡ እዚ ኸኣ ብመንግስቲ "ዝዓበየ ስምምዕ ናይ'ዚ ዘመን" ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ኣሎ።

እቲ ስጉምቲ ምስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ንጽላት ቴሌኮም ናብ ናይ ዋንነት ብሕቲ ብምስግጋር 'ንጽላት ቴሌኮም ነጻ ክንገብሮ ኢና" ኢሉ ዝኣተዎ ቃል ብምንጽጻር ከምዝዶንጎየ ዝገልጽዎ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊድ እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ኢትዮ-ቴሌኮመ ዝብሃል ትካል ጥራይ እዩ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ። እንተኾነ እቲ ትካል ብሕጽረት ባጀትን ክኢላታትን ከምዝሳቀ'ዩ ዝግለጽ።

ዕላማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ክልተ ናይ ስራሕ ፍቃድ ንሓደሽቲ ውሃብቲ ኣግልግሊት ቴሌኮም ምሃብን [ምሻጥ] ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝርከብ ብርክታት ምሻጥን ዝብል እዩ ነይሩ።

ዳይረክተር ጀነራል ብዓለም መዚ ርክበት ኢትዮጵያ ባልቻ ረባ ምስ መደረ እናኣስመዐ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዳይረክተር ጀነራል ብዓለም መዚ ርክበት ኢትዮጵያ ባልቻ ረባ ምስ መደረ እናኣስመዐ

እንተኾነ፡ ኣቲ ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝነበረ ብርኪ ንምሻጥ ዝነበረ ውጥን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ መዓልቱ ስለዘሕለፈ፡ እቲ ዝተሓሰበ ክኸውን ኣይከኣለን።

ኣብ ወርሒ ግንቦት'ውን እቲ ንኤምቲኤን ተዋሂብዋ ዝነበረ ፍቃድ ተመንጢሉ፡ ከምቅያር ንሓደ ግሎባል ፓርትነርሽፕ ፎር ኢትዮጵያ ንዝተብሃለ ትካል ፍቃድ ንግዲ ተዋሂቡ ኣሎ።

ላዕለዋይ ኣማኻሪ ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ብሩኽ ታየ ንሮይቶርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ምድንጓይ ንትካላት ናብ ናይ ዋንነት ብሕቲ ንምስግጋር ሓደሽቲ ሕግታት ምንዳፍ ስለዘድልዩ፡ ብኸምኡ ምኽንያት ዝተፈጠረ ምዃኑ ኣብሪሁ።

እቲ ካልእ ብመንግስቲ ዝውነን ግዙፍ ትካል መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ነቲ መንገዲ ኣየር ናብ ውልቀ ትካል ንምቅያር ዝነበረ ውጥን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተገዲፉ እዩ።