ጋይም ክብረኣብ፡ ኣብ ዝሑል-ኵናት፡ ተራ ሶቬየት ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከመይ ይመስል ነበረ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እተን ንናጽነት ኤርትራ፡ ብብረት ዝቃለሳ ዝነበራ ውድባት ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ጸጋማዊ ኣተሓሳስባን ጸግዕን'ዩ ነይሩወን። ምስ ኣመሪካ ጽኑዕ ቅርበት ንዝነበሮ ስርዓት ሃይለስላሰ ዓልዩ ማሕበርነታዊ ጭርሖ ዘልዓለ ስርዓት ደርግ እውን ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ'ዩ ነይሩዎ።
እንተኾነ ንሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብሰላማዊ መገዲ ክምልስ ኣይከኣለን ስለዘይከኣለን ኵናት ስለዝቐጸለን ተሳዒሩ ካብ ዝእለ 30 ዓመቱ ኮይኑ ኣሎ።
ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብእስትራቴጂካዊ ኣገዳስነቱ ዝርእየኦ፡ ኣብ ዝሑል ኵናት ተጸሚደን ነንሰዓብተን ዝድግፋ ዝነበራ ሓያላን ሃገራት ሕብረት ሶቬትን ኣመሪካን ከኣ፡ እናተገማጠላ ንስርዓታት ኢትዮጵያን ሶማልን በብመርገጺታቶም ይድግፈአን ነይረን።
ብፍላይ ሕብረት ሶቬት ካብ 1974-1991 ኣብ ኢትዮጵያ ጽዑቕ ምትእትታው ከምዝነበራ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ኣብዛ ሕጂ ዝተሓትመት ካብ መሓዛ ናብ ተጻይ ("From Ally to Enemy") እትብል መጽሓፉ ኣብ ሰነዳት ተመርኲሱ ገሊጹዎ ኣሎ።
"ንመዛግብ ሶቬት ሕብረትን ምብራቕ-ጀርመንን እንተዘይረኽቦም ነይረ እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ክትሕተም ኣይምኸኣለትን ነይራ" ከኣ ይብል ንኣገዳስነት እቲ ሰነዳት ብምጕላሕ።

ምንጪ ስእሊ, Gaim
ትሕዝቶ መጽሓፍ
እታ መጽሓፍ 'ብእዋን ዝሑል-ኵናት፡ ተራ ሶቬየት ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከመይ ይመስል ነበረ?' ካብ ዝብል ዛዕባ'ያ ትብገስ። ኰይኑ ድማ፡ ኣብ'ዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ 'ኤርትራ ከመይ ኢላ ናይቲ ብሕብረት ሶቬት ዝተደገፈ ሽድሽተ ዓበይቲ ወራራት ኰነት?' ንዚብል ሕቶ መልሲ ሂቡሉ ኣሎ።
እዛ 274 ገጻት ዝሓዘት፡ ዓሰርተ ምዕራፋት ዘሎዋ መጽሓፍ፡ ካብ ምእታው ሕብረት ሶቬት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ክሳብ ኣብ ውግእ ኣፍዓበት ዘጓነፉ ኩነታት' ትገልጽ።
ፕሮፈሰር ጋይም፡ ሕብረት ሶቬት፡ ኣብ 70'ታት ምስ ምምጻእ መንግስቱ ሃይለማርያም ናብ ስልጣን ኣብቲ ዞባ ከምዝኣተወትን፡ ርክብ ሕብረት ሶቬትን ሶማልያን ከመይ ከምዝነበረን፡ ሕብረት ሶቬት ብኸመይ ንሶማል ገዲፎም ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝሰገሩ፡ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኣዲስ ዝነበረ ኣምባሳደር ሶቬት ሕብረት (ኣናቶሊ ራታኖቭ) እንታይ ተራ ከምዝተጻወተን ሓፈሻዊ መደብን ዕላማን ሶቬት ሕብረት ኣብ ቀይሕ ብዝምልከት ዳህሲሱዎ ኣሎ።
ትሕዝቶ እቲ ምዕራፋት ብተርታ ቅድሚ ምግላጽ፡ ሃለዋት'ቲ ዘመን ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ ምግላጽ ኣገዳሲ እዩ ይብል ፕሮፌሰር ጋይም።
"ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ውድባት ኤርትራ ተሓኤን ህዝባዊ ግንባርን ንዕርድታት ኢትዮጵያ ብምጥቃዕ ን95% መሬት ኤርትራ ሓራ ኣውጺኦም ናጽነት ሎሚ'ዶ ጽባሕ ትረጋገጽ ይብሉ ነበሩ። ኢትዮጵያ ከኣ ብ1977 ምስ ሕ.መ.ኣ. ዝጸንሓ ርክብ ብምቍራጽ ናብ ሶቬት ሕብረት ስለተጸግዐት ምሒር ብርኩት ኣጽዋር ረኸበት።
ኣብቲ እዋን'ቲ ዉድባት ኤርትራ ስኒት እውን ስለዘይነበረን ኢትዮጵያ ብኣጽዋርን ኣማኸርተ ሕብረት ሶቬት (ክሳብ መዓርግ ጀነራል)፡ ተሓጋገዝታ፡ (ደቡብ የመን፡ ምብራቕ ጀርመን፡ ክዩባ) ኣብ መዳያት ዉግእ፡ ጸጥታ፡ ብሎጂስቲክ ስለዝደገፋኣ፡ ንመብዛሕትኡ እቲ ሓራ ወጺኡ ዝነበረ ቦታታት ኣምለሰቶ። ክልቲአን ውድባት ከኣ ነናብ ደጀነን ናብ ባርካን ሳሕልን ተደፍኣ። ብርክት ዝበለ ዓበይቲ ወራራት እውን ኣካየደት። "
ይኹን እምበር ሕብረት ሴቬት ብኣማኸርታን አጽዋራን ንስርዓት ደርግ ብምድጋፍ ክሳብ ክንድኡ ዕንወት እናኸተለት ውድባት ኤርትራ ኣፈን መሊአን ክዅንና ኣይከኣላን ይብል ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ተመኩሮ ዝነበሮ ፕሮፈሰር ጋይም ክብረኣብ።

ምንጪ ስእሊ, Gaim
ምዕራፋት መጽሓፍ "ካብ መሓዛ ናብ ተጻይ"
እተን ቀዳሞት ምዕራፋት፡ ኣብ ሓፈሻዊ ታሪኽ ምትእስሳር ሶቬት ሕብረትን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝተሞርኰሳ ኰይነን ብዛዕባ ስትራተጂካዊ ረብሓ ሶቬት ሕብረት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገልጻ'የን።
ንድሕሪት ብምምላስ ድማ ሶቬት ሕብረት ምስ ግብጺ ዝነበራ ርክብ፡ ስዒቡ ኸኣ ኣብ ሶማልያ ዝተጻወተቶ ተራ፡ ምስ ስርዓት ደርግ ብዝተገብረ ውዕል ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕምቈት ይገልጻ።
ኣብ'ቲ ዝስዕብ ምዕራፍ፡ ብዛዕባ እቲ ድርብ ዝዕማሙ ስትራተጂ - እዚ ማለት እቲ ብድፍኢት ሶቬት ሕብረትን ምብራቕ ጀርመንን ንደርግን ህዝባዊ ግንባርን ኣብ ናይ መላዘቢ ሰደቓ ንምምጻእ ዝተገብሩ ፈተነታትን ውጽኢቶምን ይገልጹ። እቲ ዝተፈተነ ዕርቀ-ሰላም ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምቝራን ምዃኑ ስለ ዘይተረፎ መልሲ ህዝባዊ ግንባርን ሰውራዊ-ባይቶን እንታይ ከም ዝነበረ ይገልጽ።
ምዕራፍ ሸውዓተ ብዛዕባ ሕብረት ሶቬት ዝተጻወተቶ ተራን ኣብ ዉሽጥ ህዝባዊ ግንባር ዝፈጠሮ ምስሕሓብን - እዚ ማለት ኣብ መንጎ መሪሕነትን ማሕበር ተማሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ከምኡ'ውን ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዝተኸሰተ ምፍሕፋሕ - ብሰፊሑ ይገልጾ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ብረታዊ ይዅን ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ውጽኢቱ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብ ምዕራፍ ሸውዓተ ብዝርዝር ሰፊሩ ይርከብ።
ምዕራፍ ሸሞንተ፡ ነቲ ብቀጽሪ ሕብረት ሶቬት ሰላማዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝተፈተነን ዝፈሸለን ጕዳያት መምያ ስለ እተቕርብ፡ እታ ኣዝያ ኣገዳሲት ምዕራፍ ከይኰነት ኣይትተርፍን እያ።
ፕሮፌሰር ጋይም ከም ዝገልጾ፡ "መንግስቱ ባዕሉ ትርጉም ዘይብሉ ዉጹእ ጽልእን ሕርቃንን ስለ ዝነበሮ ኣብ ትርጉም ዘሎዎ ዝርርብ ክብጻሕ ፍቓደኛ ኣይነበረን" ይብል። ወሲኹ ድማ "መንግስቱ ማእለያ ዘይነበሮ ሓገዝ ይረክብ ስለ ዝነበረ ንኤርትራ ብሓይሊ ንምድምሳስ ዝከኣል ይመስሎ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ እቶም ዝቐርቡ ዝነበሩ ናይ ዕርቂ ዛዕባታት መኣዝኖም ዝሰሓቱ ስለ ዝነበሩ ፍሽለት ኣብ ልዕሊ ፍሽለት ኰይኖም ተረፉ" ብምባል ይገልጾም።
እቶም ብኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ዓበይቲ ወራራት ህይወት ሰብን ንብረትን ዘዕነው መሰክሕ ነበሩ። ኣብቶም ቀዳሞት ሰለስተ ወራራት ኢትዮጵያ ክትደፍእ፡ ኣብ'ቶም ዝተረፉ ድማ ክትዕገትን ክትድፋእን ተዘንቱ እታ መጽሓፍ። ኣብቲ መንግስቱ ሓንሳብን ንሓዋሩን (ላንዴላ ለመጨረሻ) ብምባል ብወግዒ ዝኣወጆ ሻድሻይ ወራርን ድሕሪ ዓመት፡ ኣብ መጋቢት 1983፡ ዝተኻየደ ሰላሕታ ወራርን ብዙሕ ደም ከምዝፈሰሰ ደራሲ ጠቒሱዎ ኣሎ።
ኣብቲ ዘመን'ቲ ለዮኒድ ብርዥነቭ ሞተ (1982)፡ ብኣንድሮፖቭ ከኣ ተተክአ። ሽዑ ሶቬት ሕብረት ኣብ ፖሊሲ-ወጻኢ ለውጥታት ከተኣታቱ ጀመረት።

ብሸነኽ መንግስቱ ጕድለታት ክገሃዱ ጀመሩ። ድሌት ሶቬት ሕብረት ኣብ ኢትዮጵያ ብቑዕ ማርክሳዊ-ሌኒናዊ ስርዓት ክተክል ነበረ - ብመሪሕ ሰልፊ (ግንባር-ቀደም) (vanguard party) ዝምራሕ ሰልፊ - መንግስቱ ግን ፍቓደኛ ኣይነበረን። ዓመታት ጸኒሑ ግን ድልየት ሶቬት ከማልእ ዋላ'ኳ እንተተገደደ ኣብቲ ስርዓቱ ሸፈጥ ከም ዝነበረ ተጋህደ።
ኣይጸንሐን ሚካኤል ጎርባቸቭ ብ1985 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ተወሳኺ ለውጢ ተኣታተወ። ሶቬት ሕብረት ኣብ ሳልሳይ ዓለም ተፍስሶ ዝነበረት ሓገዝ ዳግመ-ግምት ክትህብሎም ጀመረት። እቲ ናይ 1984-1985 ጥምየት ንቍጠባ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣዳኸሞ።
ኣብ ምዕራፍ ትሽዓተ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ማእለያ ዘይነበሮ ኣጽዋር እቲ ዝድለ ለውጢ ከምጽእ ከም ዘይከኣለ ድሕሪ ምግንዛብ ሶቬት ሕብረት ንመንግስቱ ሃይለማርያም ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዝ መጠኑ ከም ዘጉደሎን እቲ ለውጢ ንሰውራ ኤርትራ ትንፋስ ከምዝመለሰሉን ትትርኽ።
ፕሮፈሰር ጋይም ከም ዝገልጾ፡ መንግስቱ ድኣ'ዩ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ምእማን ኣብዩ'ምበር ሶቬት ሕብረት ሓርነታዊ ገድሊ ኤርትራን ትግራይን ናብ ዓወት ገጾም ይግስግሱ ከም ዝነበሩ ተረዲኡዎም ነይሩ ይብል።

ምንጪ ስእሊ, ART IN ALL OF US/GETTY IMAGES
ኢትዮጵያ ንገድሊ ኤርትራ ንኽትስዕር ኣብ ዘጠራጥር ኵነታት በጺሑ ክነሱ መንግስቱ ጌና እኹል ሓገዝ ካብ ሶቬት ሕብረት ይረክብ ነይሩ'ዩ። ኰይኑ ድማ ኣብ ዉግኣ ኣፍዓበት (መጋቢት 1988) ኢትዮጵያ ተሳዕረት፣ ወተሃደራዊ ሚዛን ከኣ ናብ ኤርትራ ዛዘወ። ሰሜንን ምዕራብን ኤርትራ ብምሉኡ ሓራ ወጽአ። እዚ ኣብ ምዕራፍ ዓሰርተ ሰፊሩ ይርከብ።
ኣብ ዉግእ ኣፍዓበት (ናደው) ብርክት ዝበሉ መኰንናት ሶቬት ሕብረት ክማረኹን ሓደ ኸኣ ተቐትለ። ኣፍዓበት ንብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ብጭራስ ለወጠቶ - ዝተማረኸ ኣጽዋር፡ ቆላሕታ ዓለም ብምርካብ፡ ሶቬት ሕብረት ድማ ናብ ምቕባጽ ገጻ ኸደት።
ብ1989 ከኣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ንወትሃደራት መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ትግራይ ደፊኦም ስለዘውጽኡዎም ንኤርትራ ብኣየር'ምበር ብመሬት ዝኣቱ ንብረትን ሓይልን ኣይነበረን።
ሕብረት ሶቬትን ንመጨረሽታ ግዜ ንኢትዮጵያ ክትሕግዝ ብዓሰብ ኣጽዋር ከተእቱ እኳ እንተፈተነት እቲ ኵነታት ኣብ ዘይመሓይሸሉ ደረጃ በጽሐ።
ኣይደንጎየን እቲ ኵነታት ናብ 24 ግንቦት 1991 ገጹ ገስገሰ፣ መንግስቱ ጨሪሱ ተሳዕረ፡ ኤርትራ ኸኣ ሓራ ወጸት። ብ 26 ታሕሳስ 1991 ከኣ ሕብረት ሶቬት ከም ሕብረት ምውዳቓ ፕሮፈሰር ጋይም ገሊጹዎ ኣሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







