ደቡብ ኣፍሪቃ ተላዒሉ ዘሎ ናዕቢ ንምህዳእ ወተሃደራት ኣዋፊራ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሲራል ራማፎሳ፡ ነቲ ብማእሰርቲ ጃኮብ ዙማ ዝተልዓለ ሓያል ናዕቢ ስዒቡ፡ ሰባት ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠቡ ጸዊዑ።
ወዲ 79 ዓመት ዙማ፡ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብዘይምኽባሩ ዝተፈረደሉ ናይ 15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ንምጅማር ብረቡዕ ባዕሉ ንሰበስልጣን ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፡ ደገፍቱ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞ ከስምዑ ጀሚሮም።
ብምኽንያት እቲ ዝተላዕለ ናዕቢ ዛጊድ 6 ሰባት እንትቕተሉ 500 ድማ ተኣሲሮም ኣለዉ ተባሂሉ።
ኮይኑ ግና ነቲ ካብታ ናይቲ ፕረዚደንት ነበር መንበሪት ዝኾነት ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታል ክሳብ ጆሃንስበርግ ንዝተወለዐ ናዕቢ፡ ገበነኛታት ይብለጽሉ ከምዘለዉ ፖሊስ ገሊጹ።
ብዙሓት ድኳናት ዝተዘምቱ ኮይኖም ገለ ዓበይቲ ህንጻታት ድማ ብሓዊ ተቓጺሎም።
ኣብ ግዝኣታት ጎተንግን ኣብ'ታ ንዙማ ትውልዲ ዓዱ ዝኾነት ግዝኣት ክዋዙሉ-ናታልን ወተሃደራት ተዋፊሮም ኣለዉ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ሰሪል ራማፎዛ፡ ብቀጥታ ብሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ እቲ ናዕቢ ክሃድእ ጸዊዑ ኣሎ።
"ኣብ ናይ ዘመንና ደሞክራሲ ከምዚ ዓይነት ፋሉልነት ተራእዩ ኣይፈልጥን" ክብል ድማ ኮኒንዎ።
ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ እዋን ዘበነ ስልጣኑ ተፈፂሙ ዝተባህለ ብልሽውና ብዝምልከት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ምርመራ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀርብን ብምባሉ እዩ ቤት ፍርዲ ብምድፋር ክእሰር ተወሲኑ።
ንሱ፡ እቲ ዝተፈርደሉ ማእሰርቲ ክስረዘሉ ወይ ድማ መጠኑ ክንከየሉ ተስፋ ዝገብር ኾይኑ፡ ሰብ ሞያ ሕጊ ግን ከምኡ ናይ ምዃን ዕድሉ ትሑት ምዃኑ እዮም ዝዛረቡ።
ነቲ ክስታት ዝነጽግ ዙማ፡ ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ንምትሕብባር ፍቓደኛ ኣይኮነን ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ: ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ማእሰርቲ ዙማ ንምጽናሕ ዝተገበረ ፈተነ ነጺግዎ እዩ።
ሓደሽቲ ተጓንፎታት
ካብ ከተማ ደርባን ዝወጽኡ ዘለዉ ምስልታት ሓያሎ ድዃናት እንትዝመቱን ካልኦት ትካለት ንግዲ እንትስረቑን ዘርእዩ እዮም።
ኣብ ጆሃንስበርግ ድማ፡ ሰረቕቲ ቴሌቪዥናት፣ ማይክሮዌቭን ክዳንትን ክዘምቱ ተራእዮም።
እዚ ብዝምልከት፡ ፕረዚደንት ራማፎሳ "እቲ ሕዚ ንሪኦ ዘለና፡ ነቲ ኩነታት ናይ ምብላጽ ገበን እዩ። ገለ ጉጅለታት ነቲ ስርቅን ዘመተን ንምፍጻም፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኮነ ኢሎም ናዕቢ የላዕሉ ኣለዉ" ኢሉ።
ንሱ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ ግዝኣታት ክዋዙሉ-ናታልን ጓተንግን ዘሎ ሰፊሕ ናዕቢን ንዕኡ ስዒቡ ዘርአ ዘሎ ዕንወትን: ዝኮነ ፖለቲካዊ ኾነ ካልእ መበገሲ ተቓውሞ ከምዘይብሉ ተዛሪቡ።
ብሰንበት ኣባትር ዝሓዙ ሓያሎ ተቓወምቲ ብማእከል ከተማ ጆሃንስበርግ ክሓልፉ ተራእዮም። ብቐዳም ምሸት ድማ ኣስታት 300 ዝኾኑ ሰባት ዓብዪ ጽርግያ ጆሃንስበርግ ዝዓጸዉ ኮይኖም፡ ናይ ዝቃጸላ መካይንን ህንጻታትን ምስሊታት ተራእዮም ነይሮም።
እቲ እናተጋደደ ዝመጽእ ዘሎ ናዕቢ፡ ንከይዲ ክታበት ኮቪድ-19 ዝጸለዎ ኾይኑ ኣብ ገለ ቦታታት ክታበታት ከምዝተዘምተን ከምዝዓነውን ኤኤፍፒ ጸብጺቡ።
ኣብ ካልኦት ድማ፡ ማእከላት ክታበት ክዓጽዉ ተገዲዶም ከምዘለዉ ይዝረብ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ፕረዚደንት፤ "ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ዝነበረ መደብ ክታበትና ተቛሪጹ ኣሎ፤ እዚ ድማ ነቲ ቁጠባና ናብ ንቡር ንምምላስ ኣብ እንገብሮ ምንቅስቓስ ዘይዛሪ ጽዕንቶ ክህልዎ እዩ" ኢሉ።
ብካልእ ሸነክ ዙማ፤ ዙማ 5 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ዘካተተ ዕድጊት ኣጽዋር ውግእ ብዝምልከት ብብልሽውና ዝሕተት ኮይኑ፤ ንሱ ጥር ትብል ስሕተት ከምዘይሰርሐ እዩ ዝምጉት።
ደገፍቲ ድማ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንትን መሻርኽቱን ዝወደብዎ ፖለቲካዊ ውዲት ከምዝኾነ እዮም ዝገልጹ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







