ኣብ ኩባ ኣንጻር መንግስቲ ብዝተወለዐ ህዝባዊ ናዕቢ ብዙሓት ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኩባ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣጋጢሙ ዘይፈልጥ ዓብዪ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ዴሳዊ (ኮሚዩኒስት) ምውልዑ ስዒቡ ብዙሓት ንማእሰርቲ ከምዝተሳጥሑ ማዕኸናት ዜናን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ሓቢሮም።
ኩባውያን ውድቀት ብዘጋጠሞ ቁጠባ፣ ሕጽረት መግብን መድሓኒትን፣ ናህሪ ዋጋ ሸቐጣትን መንግስቲ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝወሰዶም ስጉምትታትን ስለዝተቖጥዑ’ዩ ተቓውም ተወሊዑ ዘሎ።
ፕረዚደንት እታ ደገፍቱ ኣንጻር ሰልፈኛታት “ክቃለሱ” ጻውዒት ከምዘቕረበ ድማ ተፈሊጡ።
ካብ ሞንጎ ተሳተፍቲ ናይቲ ትማሊ ዝተወልዐ ተቓውሞ ዝኾነ ኣሌጃንድሮ ዝተባሃለ ውልቀሰብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ “መግቢ የለን፤ መድሓኒታት የለን፤ ናጽነት የለን፤ ክንነብር ኣየፍቅዱልናን ዘለዉ” ክብል ተዛሪቡ።
እቶም ሰልፈኛታት “ናጽነት” ከምኡ’ውን “ውድቀት ንውልቀ-መላኽነት” ክብሉ ዋና ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ኩባ ኣብ እትርከበን ዝተፈላለያ ከባብታት ተሪር ተቓውሞ ኣስሚዖም።
“ንፈርሖ ነገር የብልናን። ለውጢ ንደልይ ኢና፤ ንውልቀ-መላኽነት ካብዚ ብላዕሊ ኣይንጻወርን” ክብል ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰልፈኛ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሮይተርስ ከምዝጸብጸቦ ብዙሓት ተቓወምቲ ሰልፈኛታት ብኣባላት ጸጥታን ደንቢ ክዳን ብዘይተኸደኑ ፖሊስን ተኣሲሮም ኣለዉ። እቶም ኣካላት ጸጥታ ንሰልፈኛታት ክኣስሩ፣ ክወቕዑን ዘንብዕ ጋዝ ክነጽጉን ዘርእዩ ስእልታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብስፍሓት ተዘርጊሖም ይረኣዩ።
ኣብታ ብባሕሪ ዝተኸበት ሃገር ኢንተርነት ተዓጽዩ ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ።
በዓልሞያ ስእሊ ኣሶሺየትድ ፕረስ [ኤፒ] ምስ ኣካላት ጸጥታ ብዝተፈጠረ ጎንጺ ጉድኣት ኣጋጢምዎ’ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብዙሕ ብዘይተለመደ ኩነታት ኣብ መስኮት ሃገራዊ ቴሌቪዥን ዝቐረበ ፕረዚደንት ሙጉል ዲያዝ ካነል በቲ ናዕቢ ንኣሜሪካ ተሓታቲት ገይሩ። ነቶም ካብ 1962 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኩባ ዘንበረቶም ዝተፈላለዩ ማዕቐባት ከኣ “ፖሊሲ ቁጠባዊ ዓፈና” ክብል ገሊጽዎ።
እቶም ንተቓውሞ ዝወጽኡ ሰባት ነታ ሃገር ናብ ዘይምርግጋእ ንምእታው ብኣሜሪካ ከምዝተልኣኹ ዝሓበረ እቲ ፕረዚደንት: ደገፍቱ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ነቶም ሰልፈኛታት ክቃለሱ ጸዊዑ።
“ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ንምቅላስ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ላዕለወይቲ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ጁሊ ቻንግ “በቲ ኣብ ኩባ ዝቐረበ ‘ጻውጺት ቃልሲ’ ኣዕሪና ተሻቒልና ኣለና” ኢላ።
እታ ንዓሰርተታት ዓመታት ምስ ኩባ ዘይተቓደወት ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ኩባውያን ደው ከምእትብል ብምግላጽ መንግስታዊ ኣካላት ካብ ጎነጽ ከንሳሕቡን ንህዝቦም ክሰምዑን ጸዊዓ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን “ህዝቢ ኩባ ንመሰረታውን ዓለምለኻውን መሰላቶም ብጽንዓት ይሓቱ’ዮም ዘለዉ” ኢሉ።
ፕረዚደንት ቪነዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ብወገኑ “ንፕረዚደንት ኩባን ነቲ ሰውራዊ (ወያናይ) መንግስቲን” ኩሉ ዓይነት ደገፍ ከምዝገብር ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ማዱሩ ቀንዲ መሓዛ ኩባ ከምዝኾነ ይፍለጥ።
ሜክሲኮን ሩስያን ከኣ ዝኾነት ትኹን ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኩባ ኢዳ ክተእትው ከምዘይብላ ገሊጸን።
እቲ ኣብ ደቡብ-ምዕራብ ሃቫና ዝጀመረ ተቓውሞ ጸኒሑ ናብ መሉእ እታ ሃገር ዝተዘርግሐ ኮይኑ መብዛሕቲኡ ድማ ብማሕበራዊ መራኸብታት ብቐጥታ ተፈንዩ።
ሰባት ንናይ ፖሊስ መኪና ከዕንዉ ከለዉ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ገለ ሸቐጣተን ብናይ ደገ ገንዘብ ዝሸጣ መደብራት ክዘምቱ ኣብቲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝተዘርግሐ ምስሊ ይረኣይ።
እቶም መደብራት ንኩባውያን እንኮ ኣማራጺ’ኳ እንተኾኑ ንመሰረታዊ ሸቐጣት ዝሓትዎ ዋጋ ግን ኣዝዩ ዝለዓለ’ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







