ናዕቢ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ኣብ ስግኣት ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስ ማእሰርቲ ፕረዚደንት ነበር ጄኮፕ ዙማ ብዝተሓሓዝ ኣብታ ሃገር ዝተወልዐ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ናዕቢ ብውሕዱ 6 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዝወረደን ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።
ብፍላይ ኣብተን ናዕቢ ዝሓየለለን ከተማታት ደርባን፡ ፒተርስማርዝበርግን ጆሃንበርግን ሓያሎ ትካላት ንግዲ ከምዝተዘምተን ከምዝተቓጸለን ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ሓቢረን።
እቲ ኩነታት ነቶም መብዛሕትኦም ኣብ ናኣሽቱ ንግዳዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ዝናበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ከምኡ'ውን ካልኦት ወጻእተኛታት ጸልይዎም ከምዘሎ ገለ ካብኦም ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ዙማ፡ ንትእዛዝ ቅዋማዊ ቤትፍርዲ ዕሽሽ ብምባሉ ን15 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ይዝከር።
ኣብቲ ቀንዲ ማእከል ናይቲ ናዕቢ ዝኾነ ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል፡ ትካላቶም ዝዓነወን ዝተዘምተን ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ከምዘለዉ ገለ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ማእከል ከተማ ጆሃንስበርግ ትካላት ዝነበሮም ስደተኛታት፡ ብሰንኪ'ቲ ናዕቢ ካብ ትማሊ ጀሚሮም ትካላቶም ክዓጽዉ ከምዝተገደዱ ተዛሪቦም።
ናብቲ ጂፒን ብሪን ተባሂሉ ዝጽዋዕ እቶም ስደተኛታት ዝሰርሑሉ ፍሉጥ ከባቢ ናይታ ከተማ፡ ናዕበኛታት መጺኦም'ኳ እንተነበሩ፡ ፖሊስ መጺኦም ከምዝተኸላኸልሎም፡ ሓደ ካብኦም ዝኾነ ዳዊት ተወልደመድህን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣባል ኮሚተ፡ ሕብረት ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ማሕበር ዝኾነ፡ ንጉስ ተመስገን ብወገኑ ከምዝበሎ፡ ብኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ፓኪስታናውያንን ካልኦት ስደተኛታትን ዝውነን ትካላት ሎሚ ኣብ ጆሃንስበርግ ተዓጽዮም ውዒሎም ኣለዉ።
ኣብ ልዕሊ ገለ ካብቶም ስደተኛታት መጥቃዕቲ ከምዝወረደን፡ ዛጊት ዝሞተ ከምዘየለን ድማ ጠቒሱ።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታት ብቐጻሊ ግዳይ ናይ ዕስለ መጥቃዕቲን ዝምታን ክኾኑ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።
ሓንቲ ኤርትራዊት ከምዝሓበረቶ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ከተማ ፒተርስማሪዝበርግ ዝተፈጸመ ምቅጻል ፍሉጥ ዕዳጋ (ሞል) ዝነብሩን ዝሰርሑን ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣትዮም ኣለዉ።
እቶም ናዕቢ ዘካይዱ ዘለዉ ደቡብ ኣፍሪቃውያን፡ ብማእሰርቲ ናይቲ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ብልሽውና ክኽሰስ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ነበር ጄኮፕ ዙማ ዝተቖጡዑ እዮም።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ባዕሊ ኢዱ ንፖሊስ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ደርባን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ተቐዪዱ ይርከብ። ደገፍቱ፡ ማእሰርቱ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣለዎ ብምባል ከምዘይቅበልዎ ይገልጹ።
መንግስቲ፡ ነቲ ተወሊዑ ዘሎ ጎነጽ ዝተሓወሶ ናዕቢ ንምህዳእ ሰራዊት ምክልኻል ከምዘዋፈረ ኣፍሊጡ'ሎ። ዛጊት ልዕሊ 200 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ሰብመዚ ሓቢሮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







