ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ናዕበኛታት ንብረት 'ኣፍሪቃወያን ስደተኛታት' የቃጽሉን ይዘምቱን

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ከተማ ጆሃንሰበር ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብስደተኛታት ዝውነኑ ትካላት ንግዲ ከቃጽሉን ክዘምቱን ታራእዮም።
እቲ ጎነጻዊ ናዕቢ፡ ኣብ ጀፒስታውን ዝተባህለ ከባቢ ናይታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከም ዝጀመረን ናብ ካልእ ከባቢታት ከም ዝተላበዐን ተፈሊጡ።
ጀፒስታውን ናብቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝሰርሕሉ ብ'ጀፒ ስትሪት' ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከል ንግዳዊ ንጥፈታት እታ ከተማ ዝርከብ'ዩ።
እቲ ዝምታን ዕንወትን ቀሊጢፉ ናብ ደንቨር፡ ማልቨርን፡ ተርፎንቴን፡ ተምቢሳ፡ መይፈየርን ካልኦት ከባቢታትን ተላቢዑ።
ብኣፍሪቃውያን ዝውነኑ ትካላት ቀንቲ ዒላማ ናይቲ ዝምታን ምቅጻልን ምንባሮም ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ኣብ ሓደ ብሰፊሑ ክባጻሕ ዝወዓለ ቪድዮ፡ ኣብ ሓደ 'ሓራጅ' መካይን ዝሽየጣሉ ትካል ሓያሎ መካይን ክቃጸላ የርኢ።
ፓሊስ፡ ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ፡ ናይ ጎማ ጥይትን ተኲሶም።
ጠንቂ ናይቲ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ'ኳ ብንጹር እንተ ዘይተፈልጠ፡ ከምዚኦም ዝበሉ ኣንጻር ወጻእተኛታት ዝካየዱ መጥቃዕትታት ኣብታ ሃገር ብቐጻሊ ክራኣዩ ጸኒሐም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሚኒስተር ፓሊስ እታ ሃገር በኪ ጸለ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሎም ቦታታት በጺሑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶሪያ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ትካላት ስደተኛታት ከቢድ ጉድኣት ከም ዘውረደ ይዝከር።
ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጽልኢ ኣንጻር ወጻእተኛታት "ዜኖፎቢያ" ስደተኛታትን ክቕተሉን ንብረቶም ተዘሚቱ ክሳጎጉን ጸኒሐም'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







