ዒራቕ፡ ኣብ ሆስፒታል ኮቪድ-19 ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዒራቕ፡ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሕከሙሉ ክፍሊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ፡፡
እቲ ሓደጋ ባርዕ ኣብ ደቡባዊት ከተማ ናሲርያ ኣብ ዝርከብ ኣል ሁሴን ኣብ ዝተባህለ ሆስፒታል'ዩ ኣጋጢሙ።
ጠንቂ እቲ ባርዕ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተፈልጠን፡ ቅድሚኡ ግን ኦክስጅን ዝሓዘ ገንኢ ተባሪዑ ከምዝነበረ ጸብጻባት ኣመልኪቶም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጦፋ ኣል-ካደሚ ሓላፊ እቲ ሆስፒታል ክእሰር ትእዛዝ ሂቡ'ሎ፡፡
ድሕሪ እቲ ሓደጋ ስድራቤታት እቶም ተሓከምቲ ኣብ ደገ እቲ ሆስፒታል ተቓውሞታት ክስምዑ ተራእዮም። ወኪል ዜና ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ሰልፈኛታት ምስ ፖሊስ ከምዝተጋጨዉን ክልተ መካይን ከምዝተቓጸላን ኣመልኪቱ፡፡
ኣብቲ 70 ሰባተ ክሕዝ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝተሃነጸ መናበዪ ክፍሊ ኮቪድ፡ እቲ ባርዕ ምስ ተላዕለ ብውሑድ 63 ሰባት ኣብ ውሽጢ ከምዝነበሩ ሓደ ሓላፊ ጥዕና ንወኪል ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ገሊጹ፡፡
ሓደ ኣባል ሓለዋ እቲ ሆስፒታል ድማ ‘‘ኣብቲ ክፍሊ ኮሮናቫይረስ ከቢድ ነትጒ ሰሚዐ፤ ድሕሪኡ እቲ ሓዊ ቀልጢፉ ተባሪዑ’‘ ክብል ንሮይተርስ ገሊጹ፡፡
ወሃቢ ቃል ፓርላማ ዒራቕ መሓመድ ኣል-ሃልቦሲ፡ እቲ ባርዕ ህይወት ዒራቓውያን ኣብ ምክልኻል ናይ ዘሎ ውድቀት መረጋገጺ ከምዝኾነ ብምሕባር ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ደው ክብሉ ብትዊተር ጸዊዑ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ኣብ ባቕዳድ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ናይ ኦክስጅን ገንኢ ተባሪዑ ብዘልዓሎ ባርዕ ሓዊ፡ ብውሑድ 82 ሰባት ተቐቲሎም ነይሮም፡፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ሚኒስተሪ ጥዕና እታ ሃገር ካብ ሓላፍነቱ ምውራዱ ይዝከር፡፡
ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ነቲ ብኲናት፣ ብልሽውናን ዝሳቐ ዘሎ ኣገልግሎት ጥዕና ዒራቕ ዝያዳ ኣዳኺምዎ ይርከብ፡፡
ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘመልክቶ፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 1.4 ሚልዮን ሰባት ብኮቪድ ክልከፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 17,000 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ሞይቶም ኣለው፡፡
ኣስታት 40 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዉዋ ዒራቕ ዛጊድ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዜጋታታ ብውሑድ ቀዳማይ ዙር ክታበት ከምዝሃበት ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







