ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ታሪኻዊ ህንጻ ብባርዕ ጫካ ዓንዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 'ቴብል ማውንተይን' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ እምባ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕ ታውን ስለ ዝለሓመ ኣማኢት ተማሃሮ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ከም ዝወጽኡ ከም ዝገበረ ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓቢሮም።
እቲ ብሰንበት ዝጀመረ ባርዕ ጫካ በቲ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስ ተሓጊዙ ናብቲ ሓወልቲ ፖለቲከኛ ሰሲል ረሂደስ ከም ዝቐረበን ሓደ ዓቢ ቤት መግቢ ከም ዘዕነወን ተፈሊጡ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ባርዕ ጫካ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ታሪኻዊ ቤተ መጻሕፍትን ካልእ ጥንታዊ ህንጻን'ውን ኣዕንዩ ኣሎ።
ኣርባዕተ ሄሊኮፕተራት ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ይረባረባ ምህላወን ተገሊጹ።
ሰብ መዚ ሃገራዊ ሕዛእቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ እቲ ባርዕ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ትማሊ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንገሆ እኳ እንተተሓበሮም፡ እቲ ባርዕ በቲ ዝነበረ ንፋስን ደረቅ ሳዕርን ተሓጊዙ ቀልጢፉ ናብ ብዙሕ ቦታታት ከም ዝለሓመ ገሊጾም።
ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ብውሕዱ ሰለስተ መዓልታት ከም ዝወስደሎም'ዮም ብኣግኡ ገሊጾም ዘለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ብዝተገበረ መርመራ መንቀሊ እቲ ባርዕ፡ ውልቀሰባት ሓዊ ኣጒዶም ከየጥፍእዎ ስለ ዝኸዱ'ዩ" ክብሉ እቶም ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ገሊጾም።
ነቲ ባርዕ ጫካ ንምጥፋእ ብዘይካ እተን ኣርባዕተ ሄሊኮፕተራት 120 ሰራሕተኛታት ኣትፋእቲ ሓዊ'ውን ተዋፊሮም ኣለዉ።
ሓደ ካብኦም ብዘጋጠሞ ባርዕ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ዘሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







