ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ታሪኻዊ ህንጻ ብባርዕ ጫካ ዓንዩ

እቲ ዓንዩ ዘሎ ታሪኻዊ ቤተ መጻሕፍቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዓንዩ ዘሎ ታሪኻዊ ቤተ መጻሕፍቲ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 'ቴብል ማውንተይን' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ እምባ ዘጋጠመ ባርዕ ጫካ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኬፕ ታውን ስለ ዝለሓመ ኣማኢት ተማሃሮ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ከም ዝወጽኡ ከም ዝገበረ ሰብ መዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓቢሮም።

እቲ ብሰንበት ዝጀመረ ባርዕ ጫካ በቲ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስ ተሓጊዙ ናብቲ ሓወልቲ ፖለቲከኛ ሰሲል ረሂደስ ከም ዝቐረበን ሓደ ዓቢ ቤት መግቢ ከም ዘዕነወን ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ባርዕ ጫካ ናይቲ ዩኒቨርስቲ ታሪኻዊ ቤተ መጻሕፍትን ካልእ ጥንታዊ ህንጻን'ውን ኣዕንዩ ኣሎ።

ኣርባዕተ ሄሊኮፕተራት ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ይረባረባ ምህላወን ተገሊጹ።

ሰብ መዚ ሃገራዊ ሕዛእቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ እቲ ባርዕ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ትማሊ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንገሆ እኳ እንተተሓበሮም፡ እቲ ባርዕ በቲ ዝነበረ ንፋስን ደረቅ ሳዕርን ተሓጊዙ ቀልጢፉ ናብ ብዙሕ ቦታታት ከም ዝለሓመ ገሊጾም።

ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ብውሕዱ ሰለስተ መዓልታት ከም ዝወስደሎም'ዮም ብኣግኡ ገሊጾም ዘለዉ።

ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ዝረባረቡ ዘለዉ ኣጥፋእቲ ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቴብል ማውንተይን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ጫካ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እቲ ዓንዩ ዘሎ ታሪኻዊ ቤተ መጻሕፍቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዓንዩ ዘሎ ታሪኻዊ ቤተ መጻሕፍቲ
ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ዝረባረቡ ዘለዉ ኣጥፋእቲ ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ዝረባረቡ ዘለዉ ኣጥፋእቲ ሓዊ
ከተማ ኬፕ ታውን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ከተማ ኬፕ ታውን

"ብዝተገበረ መርመራ መንቀሊ እቲ ባርዕ፡ ውልቀሰባት ሓዊ ኣጒዶም ከየጥፍእዎ ስለ ዝኸዱ'ዩ" ክብሉ እቶም ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ገሊጾም።

ነቲ ባርዕ ጫካ ንምጥፋእ ብዘይካ እተን ኣርባዕተ ሄሊኮፕተራት 120 ሰራሕተኛታት ኣትፋእቲ ሓዊ'ውን ተዋፊሮም ኣለዉ።

ሓደ ካብኦም ብዘጋጠሞ ባርዕ ኣብ ሆስፒታል ይሕከም ዘሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ቴብል ማውንተይን ደቡብ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ባርዕ ጫካ