ብራዚል መጠን ልቀት ዝተበከለ ጋዝ ናብ ባዶ ንምጉዳል 10 ቢልዮን ዶላር ከምዘድልያ ገሊጻ

ኣብ ኣማዞን ዝበረሰ ጫካ ዘርእይ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብራዚል እትኽተሎም ፖሊስታት ሓለዋ ተፈጥሮ፡ ዓለም ለኻዊ ተቓውሞታት ገጢምዎም'ዩ

ብራዚል ክሳብ 2050 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን፡ መጠን ዝተቓጸለ ጋዝ ናብ ባዶ ንምውራድ፡ በብዓመቱ 10 ቢልዮን ዶላር ናይ ወጻኢ ረድኤት ከምዘድልያ ሚኒስትር ሓለዋ ተፈጥሮ እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዚ ማለት ብራዚል ካብቲ ብደረጃ ዓለም ተታሒዙ ዘሎ ሸቶ ዓሰርተ ዓመት ኣቐዲማ ንምፍጻም ዘኽእል እዩ ተባሂሉ'ሎ።

ብራዚል እዚ ዝኣክል መጠን ገንዘብ የድልየኒ'ዩ እትብል ዘላ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣመልኪቱ ዘካይዶ ዋዕላ ሓደ ሰሙን ምስተረፎ'ዩ። ፕረዚደን ብራዚል ጄር ቦልሳናሮ በትረ ስልጣን ካብ ዝጭብጥ ኣትሒዙ ዝተኸተሎም ፖሊስታት ሓለዋ ተፈጥሮ፡ ዓለም ለኻዊ ተቓውሞታት ገጢምዎም'ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ፍሉጥ ጫካ ኣማዞን ናይ ሕርሻን መዓድንን ስራሕቲ ክሰላሰል የተባብዕ ከምዘሎ'ዩ ዝዝረበሉ። .

line
line

ኣብ ጫካ ኣማዞን ዘሎ ኣግራብ ናይ ምቑራጽ ተግባር ኣብ 2030 መሊእኻ ደው ንምባል ሓደ ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝሓትት ሚኒስትር ሓለዋ ተፈጥሮ ሪካርዶ ሳለስ ገሊጹ። ሓደ ሲሶ ናይቲ ገንዘብ፡ መብዛሕትኦም ወተሃደራት ናይታ ሃገር ካብዝኾኑ ወኪላት ሃብቲ ተፈጥሮ ንምቑጻር ከምዝውዕል'ውን እቲ ሚኒስትር ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ዝተረፈ መጠን ገንዘብ ድማ ኣብ ስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ኣማዞን ከምዝውዕል ዝሓበረ ሚኒስትር ሪካርዶ ቅድሚ እቲ መጻኢ ሰሙን ዝካየድ ዋዕላ ስምምዕ ክግበር'ዩ ዝብል እምነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

ምምሕዳር መንግስቲ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ጫካ ኣማዞን ብምዕቃብ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ሓገዝ ገንዘብ ንምርካብ ዘኽእሎ ዝርርባት ንምክያድ ይፈታትን ስለዘሎ ካልኦት ናይ ወጻኢ ትካላት ረድኤት ክመጽኡ እቲ ሚኒስትር ጸዊዑ'ሎ።

እቲ ምንቅስቓስ፡ ካብ ተሓለቕቲ ሃብቲ ተፈጥሮን መበቆላውያን ጉጅለታትን "ብዛዕባ እቲ ውጥን ዘዘራረበና ኣካል የለን" ብዝብል ነቔፌታ ኣጋጢምዎ'ሎ።

ምቑራጽ ኣግራብ ኣማዞን ኣብ ሕሉፍ 12 ዓመታት ካብ ዝነበሮ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ከምዝርከብ ትካል ምርምር ህዋ ብራዚል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕላዊ ዝገበሮ መረዳእታ የመልክት።

ኣማዞን ልዕሊ 3 ሚልዮን ዓሌታት ኣትክልትን እንስሳትን ዝሓዘ ኮይኑ ልዕሊ 1 ሚልዮን መቦቆላውያን ሰባት ድማ ይነብርሉ።