ወተሃደራት ብራዚል ባርዕ ኣማዞን ከጥፍኡ ተኣዚዞም

ብትኪ ዝተሸፈነ ኣማዞን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብትኪ ዝተሸፈነ ኣማዞን

ካብ መራሕቲ ኤውሮጳ ጸቕጢ ዝበጽሖ ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ፡ ንኣማዞን ዘንድድ ዘሎ ባርዕ ንምግታእ ዕጡቓት ወተሃደራት ከዋፍር እዩ።

ዕጡቓት ወተሃደራት ብራዚል ንኣማዞን ካብ ባርዕ ሓዊ ከናግፉ ብዝተወሃቦም ትእዛዝ መሰረት ናብቲ ከባቢ ከምዝወፍሩ ተሓቢሩ።

ብርግጽ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ በረኻ ዝለዓል ባርዕ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኾይኑ እገዳ ንምንባር ከም ሽፋን ከውዕል ኣይግባእን ዝብል ቑጠዐ ዝተሓወሶ ምላሽ እዩ ሂቡ።

ኣብ ለንደን ዝተኸየደ ተቓውሞ ብረዛላውያን
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ለንደን ዝተኸየደ ተቓውሞ ብረዛላውያን

እዚ ድማ ብፍላይ ፈረንሳይን አየርላንድን፡ ብራዚል ስጉምቲ እንተዘይወሲዳ ምስ ደቡብ ኣመሪካ ዝተበጽሐ ውዕል ንግዲ ከምዘየጽድቓ መጠንቀቕታ ምሃበን ስዒቡ እዩ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ፊንላንድ'ውን እንተኾነ፡ ብራዚል እዚ ምስዘይትገብር ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ብራዚል ዝኣቱ ስጋ ክኽልከል ሓቲቱ እዩ።

ብጎስጓስ ተሓለቕቲ ተፈጥሮ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ከተማታት ብራዚል ዕሽሽ ምባል መንግስቲ ብራዚል ተቓዊሞም ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ዝርከቡ ኤምባሲታት ብራዚል'ውን ተቓውሞ ኣስሚዖም።

እቲ ኣዋጅ እንታይ እዩ ዝብል?

ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ነቲ ባርዕ ጠጠው ንምባል ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣይወሰደን ተባሂሉ እናተነቐፈ እንትከውን፡ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ እንተስምዕ'ውን እንተኾነ ኣጠቓቕማ ቃላቱ እቲ ስጉምቲ ካብ ልቢ ዝወስዶ ከምዘሎ ንቡዙሓት ኣይተውሓጠሎምን።

ብራዚልያ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ዝተኸየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብራዚልያ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ዝተኸየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ

"ከም ሓደ ወተሃደራዊ ሰብ፡ ዱር ኣማዞን ይፈትዎ እየ። ክሕልዎ ድማ ይደሊ" እዩ ኢሉ።

ናብቲ ከባቢ ክወፍር ትእዛዝ ዝወረዶ ዕጡቕ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ምስ ከባበያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሓቢሮም ክሰርሑ እዮም ተባሂሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር እታ ዓዲ ድማ፡ ነቲ ኣዋጅ ብሓላፍነት ከፍጽም ምዃኑ ተነጊሩዎ።

እቲ ወፍሪ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ኾይኑ ካብ ፍርቂ ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ፍርቂ ወርሒ መስከረም ዝጸንሕ እንተተብሃለ'ኳ ገለ ሰባት ይጠራጠሩዎ ኣለዉ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ብፍላይ ዋዒ ዓለም ኣብ ዝውስኸሉ ኣብዚ እዋን ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ዕሽሽ ኢልካ ምርኣይ ከምዘሕዘኖም ገሊጾም።

ፕረዚደንት ነበር አመሪካ ባራክ ኦባማ ብወገኖም ምስ ፕረዚደንት ቦልሶናሮ፡ ዘውግዑ እንትኸውን፡ "ብራዚል ነዚ ሓደጋ ንምምካት ካብ አመሪካ ሓገዝ ትደሊ እንተኾይና ሓቲተዮ" ኢሎም።

Presentational grey line

ገለ ካብ ምስሊ ሳተላይት ዝተረኸቡ መረዳእታት ከምዘመላኽትዎ፡ እቲ ባርዕ ብ85 ሚኢታዊ እናወሰኸ ይሓድር ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት ግን ነዚ መረዳእታተት ኣይቕበሎን። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ተሓለቕቲ ከባቢ እዮም ወሊዖሞ ዝብል እምነት ኣለዎ።

እቲ ዝገዘፈ ዱር ዓለም ዝኾነ ኣማዞን፡ እቲ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝርከብ ዋዒ ዓለም ከዝሕል'ዩ ተባሂሉ እዩ ዝእመነሉ።

ብዙሓት 'ትንፋስ ዓለም' እናበሉ እዮም ዝጽውዑዎ። ሰለስተ ሚልዮን ዝተፈላለዩ ዓሌታት እጸዋትን እንስሳ ዘገዳማትን የዕቁብ ተባሂሉ ይእመነሉ። ሓደ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ድማ ናብርኡ ብቀጥታ ኣብኡ ዝተደረኸ ምዃኑ ይዝረብ።

መግለጺ ቪድዮ, ምድሪ ብባርዕ እሳተ ጎመራ ትሕቆን - ትሰራሰር ሰኣላይ ከኣ ስርሑ ይሰርሕ ይቐርጽ ይስንድ