ካሊፎርንያ፡ ባርዕ በረኻ ናይ ብዙሓት ህይወት ኣጥፊኡ

በቲ ባርዕ ዝተቓፀሎት መኪና

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ በረኻታት ካሊፎርነያ ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ፡ ዛጊድ 31 ሰባት እንትቐትል፤ ዝተረፉ 200 ክሳዕ ሕዚ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን ይብሉ ሓለፍቲ መንግስቲ ስቴት [ክልል] ካሊፎርንያ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እቲ ስቴት፡ ኣብ ሓደ ውሽጢ መዐቆቢ ዝተወለዐ ባርዕ ድማ ካልኦት ሽድሽተ ሰባት ከምዝቐተለን መወትቲ ቁፅሪ ኣብቲ ከባቢ ጥራሕ ናብ 29 ክብ ከምዘበሎን ተሓቢሩ።

እዚ ናይ ሕዚ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብ 1933 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተብሃለ ስቴት ኣጓኒፉ ካብ ዝነበረ ቀፂሉ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።

መጥፋእቲ ባርዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወልሲ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ከላፎርንያ ዝወለዐ ባርዕ 10 ሚኢታዊ ጥራሕ እዩ ኣብ ቁፅፅር ውኢሉ።

ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ክልል ድማ ካሊእ ተወሳኺ ሓደጋ እዚ ባርዕ እናበፀሐ እንትኸውን ዛጊድ ክልተ ሰባት ብሰንኩ ህይወቶም ስኢኖም።

ብሓፈሻ ኣብታ ክልል ብሰለስተ ገፅ ዝዘመተ እዩ። ዛጊድ በዚ ሓደጋ፡ ካብ 250 ሺሕ ንላዕሊ ሰባት ህይወቶም ንምትራፍ ዝነብሉ መመንበሪኦም ገዲፎም ሃዲሞምን ተመዛቢሎምን።

እቲ ሃልሃልታ ባርዕ ብሓያል ኣውሎ ንፋስን ብፍጥነት ዝዛመት ዘሎ እንትኸውን፡ አመሓዳረፊ ካሊፎርንያ ጄሪ ብራውን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ በዚ ባርዕ ዓብይ ሃገራዊ ዕንወት ይበፅሕ ከምዘሎ ክእውጁ ተማሕፂኑ። ካብ መንግስቲ ፌደራል ድማ ተወሳኺ ሓገዝ ጠሊቦም።

አመሓዳሪ ካሊፎርንያ እዚ ተማሕፅኖ ዘስመዐ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ እዚ ሓደጋ ባርዕ ዕሽሽነት ምሕደራ በረኻታት (ዱር) ካሊፎርንያ ዘስዐቦ ምዃኑ ምዝራቦምን በጀት እታ ስቴት ክንክዩ ከምዝኽእሉ መጠንቀቕታ ምሃቦምን ስዒቡ እዩ። ዓለም ለኸ ማሕበር ኣድሓንቲ ባርዕ፡ ናይቶም ፕረዚደንት ዘረባ፡ 'ዘይረብሕን ፀርፍን' ክብል ኣታሒቱዎ።