ካሊፎርንያ፡ ባርዕ በረኻ ናይ ብዙሓት ህይወት ኣጥፊኡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ በረኻታት ካሊፎርነያ ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ፡ ዛጊድ 31 ሰባት እንትቐትል፤ ዝተረፉ 200 ክሳዕ ሕዚ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን ይብሉ ሓለፍቲ መንግስቲ ስቴት [ክልል] ካሊፎርንያ።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እቲ ስቴት፡ ኣብ ሓደ ውሽጢ መዐቆቢ ዝተወለዐ ባርዕ ድማ ካልኦት ሽድሽተ ሰባት ከምዝቐተለን መወትቲ ቁፅሪ ኣብቲ ከባቢ ጥራሕ ናብ 29 ክብ ከምዘበሎን ተሓቢሩ።
እዚ ናይ ሕዚ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብ 1933 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተብሃለ ስቴት ኣጓኒፉ ካብ ዝነበረ ቀፂሉ እቲ ዝኸፍአ እዩ ተባሂሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ክልል ድማ ካሊእ ተወሳኺ ሓደጋ እዚ ባርዕ እናበፀሐ እንትኸውን ዛጊድ ክልተ ሰባት ብሰንኩ ህይወቶም ስኢኖም።
ብሓፈሻ ኣብታ ክልል ብሰለስተ ገፅ ዝዘመተ እዩ። ዛጊድ በዚ ሓደጋ፡ ካብ 250 ሺሕ ንላዕሊ ሰባት ህይወቶም ንምትራፍ ዝነብሉ መመንበሪኦም ገዲፎም ሃዲሞምን ተመዛቢሎምን።
እቲ ሃልሃልታ ባርዕ ብሓያል ኣውሎ ንፋስን ብፍጥነት ዝዛመት ዘሎ እንትኸውን፡ አመሓዳረፊ ካሊፎርንያ ጄሪ ብራውን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ በዚ ባርዕ ዓብይ ሃገራዊ ዕንወት ይበፅሕ ከምዘሎ ክእውጁ ተማሕፂኑ። ካብ መንግስቲ ፌደራል ድማ ተወሳኺ ሓገዝ ጠሊቦም።
አመሓዳሪ ካሊፎርንያ እዚ ተማሕፅኖ ዘስመዐ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ እዚ ሓደጋ ባርዕ ዕሽሽነት ምሕደራ በረኻታት (ዱር) ካሊፎርንያ ዘስዐቦ ምዃኑ ምዝራቦምን በጀት እታ ስቴት ክንክዩ ከምዝኽእሉ መጠንቀቕታ ምሃቦምን ስዒቡ እዩ። ዓለም ለኸ ማሕበር ኣድሓንቲ ባርዕ፡ ናይቶም ፕረዚደንት ዘረባ፡ 'ዘይረብሕን ፀርፍን' ክብል ኣታሒቱዎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







