ባርዕ መሮር ከተማ ኣቴንስ ሂወት 74 ሰባት ቀዚፉ

ባርዕ ከተማ ኣቴንስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ባርዕ ከተማ ኣቴንስ

ኣብ ጥቓ ከተማ ኣቴንስ ብዘጓነፈ ባርዕ መሮር ኣስታት 74 ሰባት ክሞቱ ከለው፡ ናይቶም ዝድሓኑ ሰባት ምንዳይ ይቅጽል እኳ እንተሎ፡ ኣቲ ቁጽሪ ናይቶም ዝሞቱ ክውስክ ተኽእሎ ከምዘሎ ድማ ይግለጽ።

እዝማድ ናይቶም ሃልዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ሰባት ስእሊታቶም ኣብ ኢንተርኔት ብምጥቃዕ ሃለዋቶም ንምፍላጥ ብተስፋ ይጽበዩ ኣለው።

እቲ ኣብቲ ቦታ ዝነፍስ ዘሎ ብርቱዕ ንፋስ ድማ ነቲ ባርዕ ዝያዳ ስለዘላብዖ ድማ ብዙሓት ኣብ ገዛውቶምን መካይኖምን ክዕገቱ ከለው ገለ ድማ ካብቲ ባርዕ ሓዊ ንምህዳም ናብ ባሕሪ ገጾም ክሃድሙ ተቐሲቦም።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣሌክሲስ ጺፕራስ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጁ።

ብሰሉስ፡ ኣብቲ ኣጻድፍ 26 ሬሳታት ናይ ዓበይትን ቆልዑን ተሓቛቚፎም ተረኺቦም።

መህደሚ መንገዲ ከናድዩ ፈቲኖም ነይሮም፡ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን እቶም ሰባት ምስ ደቆም ካብቲ ሂወቶም ዝቐዘፈ ባርዕ ከምልጡ ኣይከኣሉን።

ክሞቱ ምዃኖም ነፍሶም ስለዝነገሮም ድማ ተሓቛቚፎም። እቲ ዝተረኽበ ሬሳታት ድማ ነዚ ኢዩ ዘመልክት ኢሉ ኒኮስ ኢኮኖሞፓውሎስ፡ ሓላፊ ቀይሕ መስቀል ግሪኽ።

ሓለውቲ ገማግም ባሕሪን ናይ ውልቀሰባት ጀላቡን ነቶም ሂወቶም ከድሕኑ ናብቲ ገማግም ባሕሪ ዝሃደሙ ሰባት ናብ ውሑስ ቦታታት ከምዝወሰድዎም ተፈሊጡ።

ናይቶም ካብቲ ባርዕ ዝሰረሩ ሰባት ናይ ምንዳይ ስርሓት ይካየድ ኣሎ፡ እቶም ሂወት ዝድሕኑ ሰባት ኣብ ገዛውትን መካይንን ገማግም ባሕርን ግዳያት ናይቲ ባርዕ ምንዳይ የካይዱ ኣለው።

እንተኾነ ቁጽሪ መውቲ ከይዓቢ ፍርሒ ኣሎ።

እዝማድ ናይቶም ሃልዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ሰባት ስእሊ ኣብ ኢንተርኔት ብምጥቃዕ ሃለዋቶም ንምፍላጥ ብተስፋ ይጽበዩ ኣለው።

ቀዳማይ ምኒስተር ጺፕራስ ኣብ ኣቲካ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጁ፡ ኩሉ ናይ ህጹጽ ኣገልግሎት ኣብቲ ቦታ ተዋዲዱ ከምዘሎ ድማ ገሊጹ።

መንግስታት ጥልያን ጀርመን ፖላንድን ፈረንሳን ነፈርትን መካይንን መጥፋእቲ ሓውን ከምሓገዝ ክሰዳ ከለዋ፡ ስጳኛን ቆጵሮስን ድማ ሓገዝ ሂበን ኣለዋ።

ኣባላት ቀይሕ መስቀል ኣብ ሓደጋ ባረዕእ ኣቴንስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

`ናይ ኦሪት መዓት`

እቲ ኣብ ገመግም ባሕሪ ማቲ ዝርከብ መዘናግዒ ቦታ ኣብ ገያሾ [ቱሪስት] ኣዝዩ ፍሉጥ ቦታ ኢዩ፡ ብፍላይ ድማ ጡረታ ዘወጹን ቆሉዑን ኣብቲ ቦታ ኣብ ግዜ በዓላት ዝዘናግዕሉ ቦታ ኢዩ።

``እቲ ሓዊ ስለዘንደደና ናብቲ ባሕሪ ጎይና ሂወትና ንኸነድሕን`` ኢሉ ኮስታስ ላጋኖስ፡ ሓደ ካብቶም ብሂወት ዝሰረሩ።

ክልእ ምስ ቤተ ሰቡ ዝድሓነ፡ ጆርጅ ቮካስ፡ ክልተ ከድሕነን ዝፈተነ ደቀንስትዮ ከምዝሞታ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

``እዚ ኣብታ ምጭውቲ ማቲ ዝተፈጸመ ኩነታት ምስቲ ኣብ ግዜ ኦሪት ዝወረደ መዓት ኢዩ ዝመሳሰል`` ኢሉ ጆርጅ።

ናብ ከሰል ዝተቐየረ ሬስታት ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ይርአ።

ኣስታት 150 ዝኾኑ ሰባት በቲ ኩነታት ተሃስዮም።

ጠንቂ እቲ ባርዕ እንታይ ነይሩ?

ከምዚ ዝኣመሰለ ባርዕ ኣብ ኣቲካ ኣብቲ ደረቕ ወርሓት ክረምቲ ብቐጻሊ ዝርአ ጸገም ኢዩ።

እንተኾነ ገለ ሰበስልጣናት ከምዝብልዎ፡ እዚ ናይ ሓጂ ባርዕ ገለ ሰባት ንኽሰርቁ ኢሎም ዝወልዕዎ ክኸውን ከምዝኻል ይገልጹ።

ኣብ ሓደ እዋን ኣብ 15 ዝተፈላለያ ካባቢታት ከተማ ኣቴንስ ተመሳሳሊ ባርዕ ከምዝነበረ፡ ኣፈኛ መንግስቲ ዲሚትሪስ ዛናኮፖሎስ ገሊጹ።

መንግስቲ ግሪክ ነቲ ዘጋጠመ ባርዕ ንምክትታል ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮንስ] ሓቲቱ ኣሎ።